እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ መንቀሊኡ እንታይ'ዩ?
ኣብ ትግራይ፡ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ነጋዳይን ኣውፋርን ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ ኣዝዩ ኣዘራረቢ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ብ22 ሓምለ 2017 [ግ] ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ክልተ ህጻናት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤት እውን ብኸቢድ ተጎዲኦም ኣብ ሕክምና ይርከቡ።
ከንቲባ ኣላማጣ ዝናቡ ደስታ፡ እዚ ፍጻመ ናይ መጀመርታ ከም ዘይኰነን ኣብታ ከተማ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ጭውያን መቕተልትን ይፍጽሙ ከም ዘለዉን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብታ መዓልቲ እቶም ዕጡቓት ለይቲ ሰዓት 7 [ኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ] ሓጹር መንበሪ ኣቶ ሰለሞን ኣያሌው ጥሒሶም "ሃንደበት ብጥይትን ብገለታትን" መጥቃዕቲ ከም ዝጀመሩ እቲ ከንቲባ ሓቢሩ።
"ነጋዳይን ኣውፋርን እዩ። ከም ካልኦት ነጋዶን ኣውፈርትን ንገዛእ ርእሱ ከባቢኡን ዝሕልወሉ ናይ ውልቂ ዕጥቂ ኣለዎ" ብምባል ኣቶ ሰለሞን ናይ ብጽሑለይ ርችት ተኲሱ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ናይታ ከተማ ሓይልታት ጸጥታ ክረድእዎ ከም ዘይከኣሉን ንኣስታት 30 ደቓይቕ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዝተገበረን ጠቒሱ።
"ፈደራል ፖሊስ ኣሎ፣ ሰራዊት ምክልኻል ኣሎ፣ ሓይልታት ትግራይ እውን ኣለዉ፣ ፖሊስን ምልሻን ናይቲ ከተማ እውን ኣለዉ፣ ካብዚኦም ብምልኦም ዝበጽሓሉ የለን" ኢሉ።
"ብድሕሪኡ ክልተ ቦምባ ናብቲ ገዛ ኣእትዮምሉ። ኣብቲ ስድራቤት ዝነበሩ ብምሉኦም ግዳያት ኰይኖም እዮም፡ በቲ ቦምባ ዝተወቕዑ ኣካላት ግን ሓሙሽተ እዮም ዝዀኑ ዘለዉ።"
ኣቶ ሰለሞን ምስ በዓልቲ ቤቱን ምስ ሓደ ወዲን ክልተ ኣዋልድን ደቆም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ከምዝዀኑ'ውን ገሊጹ።
"እታ ሓንቲ ጓል 16 ዓመትን ተማሃሪት 9ይ ክፍሊን እያ ነይራ። ብዙሕ ከይጸንሐት እያ ህይወታ ሓሊፉ። እቶም ካልኦት ኣርባዕተ ሪፈር ተባሂሎም ንመቐለ ምስ ከዱ፡ እቲ 12 ዓመት ዝዕድመኡ ወዶም ⶁይቱ" ክብል እቲ ከንቲባ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ናይታ ጓሎም ይሓይሽ እምበር ኣቶ ሰሎሞንን በዓልቲ ቤቱን ዘጋጠሞም ጉድኣት ከቢድ እዩ" ኢሉ።
"ኣብ ሞትን ሕየትን ኰይኖም እዩ ሕክምና ዝግበረሎም ዘሎ።"
ካብዚ ብተወሳኺ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወዶም እውን ተዓፊኑ ተወሲዱ ከምዝነበረ ኣቶ ዝናቡ ገሊጹ።
"ብጣዕሚ ዘሕዝን እታ ስድራ ቤት ከምዚ ዓይነት መጕዳእቲ በጺሕዋ እናሃለወ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ህጻን ከኣ፡ ናይቲ መዋቲ ምንኣስ ማለት እዩ፣ ዓፊኖም እዮም ሒዞምዎ ከይዶም።"
እንተዀነ ብተለምዶ መሸጢ እንቍላሊሕ ኣብ ዝበሃል ኣከባቢ፡ ጓሶት እናወቕዕዎ ረኺብናዮ ብምባል "ቤተሰብ ኣሊሽኩም ሃብዎም" ኢሎም ንሓደ ስድራቤት ሂቦምዎም ከምዝኸዱ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ህጻን "ኣይናገር ኣይጋገር" ኣብ ዝበሃል ኵነታት ይርከብ።
እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት መን ምዃኖም ዝተሓተተ ከንቲባ ዝናቡ፡ እቲ ፍጻመ ፈላማይ ከምዘይኰነን ኣብታ ከተማ ብተደጋጋሚ ጭውያን መቕተልትን ክፍጸም ከምዝጸንሐን ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ቅድም ክብል እውን ብርክት ዝበሉ ናይቲ ከተማ ነባሮ፡ ብፍላይ ኣብቶም ነጋዶን ሰብ ሃፍቲን ማእከል ዝገበረ፡ ፍሉጣት ስነጥበባውያን ከይተረፉ፡ እናተጨወዩ ተወሲዶም እዮም።"
እቶም ጨወይቲ ብንጹር እከለ እዮም ንምባል ኣጸጋሚ'ኳ እንተዀነ፡ ካብ ህሉው ኵነታት ብምልዓል ግን ምግማት ከምዝከኣል እዩ እቲ ከንቲባ ዝጠቅስ።
"ካብቶም ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ሓበሬታ ክወሃበና እንከሎ እውን፡ እንመን ከምዝዀኑ ይፍለጥ እዩ። ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ሰባት ኣለዉ ፤ ገሊኦም ሰለስተ ሚልዮን፡ ገሊኦም ኣርባዕተ ሚልዮን፡ ገሊኦም ሓሙሽተ ሚልዮን፡ ክሳብ ሸውዓተ ሸሞንተ ሚልዮን ከፊሎም ዝተለቐቑ ኣለዉ፡" ይብል።
"ስለዚ ኣብኡ ከባቢ ዘለዉ፡ ቅድሚ ሕጂ ዕጡቓት ኰይኖም ብሕቡእ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ፡ ገገሊኦም እውን እቲ ኵነታት ዝፈጠሮም ናይ ጽንፈኛ ሓይሊ ኣካላት ዝበሃሉ እዮም እዚ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ" ብምባል ተሓተትቲ ኣካላት መን ምዃኖም ኣአንፊቱ።
ዕላማኦም እውን ገንዘብን ሃብቲን ምትእኽኻብ ዘማእከለ እዩ። እንተዀነ ካብዞም ዕጡቓት ብዝለለ ካልእ ተሓባባሪ ኣካል ከምዘሎ ኣቶ ዝናቡ ይገልጽ።
ነዚ ከብርህ እንከሎ ድማ ክሳብ ሰላሳ ኣርብዓ ኰይኖም ከምዝኣትዉን ካብ ሓይልታት ጸጥታ ዝወሃብ ምላሽ ከምዘየለን ይጠቅስ።
"ክኣትዉ እንከለዉ ድማ ብከተማ ሰብ እናረኣዮም እዮም ዝንቀሳቐሱ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ይዅን ቅድሚኡ ዓፈና ከካይዱ እንከለዉ፡ ናይ ተኹሲ ልውውጣት ይግበር ነይሩ እዩ። እዚ ናይ ተኹሲ ልውውጣት ዒስራ ሰላሳ ደቓይቕ ክወስድ እንከሎ፡ ደዊልካ ሓግዙና ክበሃል እንከሎ፡ ዘይምምጻእ ኣሎ፣ ስርዓት ኣልበኝነት ኣዕርዩ ገፊሑ ኣሎ" ይብል።
ከም ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ፡ ነዚ ብድሆ ፍታሕ ንምሃብ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ጻዕሪ'ውን ከምዘይሰመረ ኣቶ ዝናቡ ሓቢሩ።
እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብተደጋጋሚ ተላዒሉ'ኳ እንተነበረ፡ ብእዋኑ መፍትሒ ስለ ዘይረኸበ "እናገደደ፡ እናሓመቐ" ይኸይድ ከም ዘሎ ጠቒሱ።