ወጥሪ ደቡብ ትግራይ፡ ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ ኰይኑ?

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ኣብቲ ንኣዋርሕ ወጥሪ ሰፊንዎ ዝፀንሐ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣድማ ብተና ፖሊስን ሰራዊትን ብምውፋር ለውጢ ኣመራርሓ ምግባሩ ስዒቡ፡ ሓያል ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ሌ/ጀነራል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብ22 ሓምለ 2025 ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ናይ ምምሕዳር ለውጢ 'ቀፃሊ ሓደጋታት ትግራይ ንምግታእ' ብዝብል ብሰለማዊ መንገዲ ዝተኻየደ ምዃኑ'ኳ እንተገለፀ፡ እቲ ተግባር ንህዝቢ ካብ ምቝጣዕ ሓሊፉ ናብ ካልእ ኵነታት ከየምርሕ ተሰጊኡ ኣሎ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነበርትን ዓበይቲ ዓድን ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ ሓተታ እነሆ፤

"ከም ፀላኢ ብሓይሊ ተወሪርና"

ብሰኑይ ምሸት ካብ ሰዓት 3፡30 ኣቈፃፅራ እቲ ከባቢ (ግእዝ)፡ ናብ ከተማ ማይጨውን መኾንን፡ ኣድማ ብተና ፖሊስን ሰራዊትን ተዋፊሩ።

እዚ ሓይሊ ኣብ ከተማ ማይጨው ንዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝተቘፃፀረሉ፡ እቲ ዝነበረ ምምሕዳር፡ ኣብቲ ከተማ ዝነበሩ ውዳበታትን ከባብያዊ ዕጡቓትን ንማይጨው ገዲፎም ናብ በረኻ ከም ዝወፅኡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልፁ።

ኣብታ ከተማ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ተዓፅየን ኣገልግሎት ይህባ ከም ዘየለዋን፡ ኣብ ከተማ ማይጨው መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ ዕጡቓት ብበዝሒ ክንቀሳቐሱ ከም ዝተረኣዩ'ውን ይሕብሩ።

ከም ሓበሬታ ነበርቲ ከተማታት ማይጨው፡ መኾንን ካልኦት ከባብታት እቲ ዞባን፡ ነዚ ክስተት ስዒቡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከብ።

እዚ ምምሕዳር ናይ ምእላይ ስጕምቲ ንህዝቢ እቲ ዞባ ዘቘጥዐ ኰይኑ: ሎሚ ንጐሆ ኣብ ከተማ ማይጨው ሰልፊ ተቓውሞ ከም ዝተኻየደ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ማይጨው ናብ ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይ ብምኻድ ቅረትኦም ገሊፆም።

ነባሪት ከተማ ማይጨው ጓል 60 ዓመት ኣልማዝ በርሀ ብሰሉስ ኣብታ ከተማ ንኣመራርሓ ሓይልታት ካብ መንጎ ዘዘራረቡ ነበርትን ዓበይቲ ዓድን ሓንቲ እየን።

ወይዘሮ ኣልማዝ ብዛዕባ እቲ ናብ ሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ዝተፈፀመ ክስተት ክገልፃ እንከለዋ፡ "ሰብ ክዋዳእን ክቃተልን ከም ሽፍታ ሰዓት 5፡00 ናይ ለይቲ ምምፃእ እንታይ ይበሃል? እቶም ሰራዊት ማሕተም ክምንጥሉ መፅዮም፡ በሪ ሰይሮም ኣትዮም፡ እንድዕሉ ጕዱ ናይ ማሕተም ወልፊ እዩ ሒዝዎም እኒሆ፤ ማሕተም ግዲ ከመሓድሩ ዀይኖም፣ ቢሮታት ዓፅዮም ኵሉ ቢሮታት ሒዞሞ እኔህዉ፡" ይብላ።

ሓይልታት ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ኣብ ዝተቘፃፀርሉ፡ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ብሃፍቱ ኪሮስ ዝምራሕ ካቢነ ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ከባብያዊ ውዳበታትን ዕጡቓትን ካብታ ከተማ ግልስ ክብሉ ከም ዝገበሩ ይገልፃ።

ወይዘሮ ኣልማዝ፡ "ሰብ ከይታዀስ ኻልእ ሽግር ከይፈጥር፡ ዓበይቲ ዓዲ ነዞም ናይና ራያ ለመሓድሩ ኽዱ ግለቡ ኢለሞም። ሽማግለ ዓዲ፡ 'ባዕልና ነውፅኦም ኢና፡ ኣስተውዕሉ ንብሎም ኢና፡ ንስኹም ዓሪፍኹም ኮፍ በሉ፡ ሓደ መንእሰይ ሕልው ከይብል ኢልዎም'ዩ። ዓዲ ናብ ሽግር ከይኣትይ፡ ምስ ምምሕዳሮምይ ምልሽኦምይ ወፅዮም ኸይዶም። ኸምቲ ቅድሚ ሕዚ ልወፅእዎ (ኣብ እዋን ኵናት) በረኽኦም ወፅዮም እኔሀዉ፡" ይብላ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ተግባር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ "ከም ፀላኢ ብሓይሊ ተወሪርና" ዝብል ስምዒት ክፍጠር ከም ዝደረኸ እዮም ዝገልፁ።

ኣብ ከተማ ማይጨው ነጋዳይ ዝዀነ ኣይተ ዓወት ገብሩ፡ "ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብትግራዋይነቱ ብዙሕ ዋጋ ልኸፈለ፣ ኣሽሓት ደቁ ለሰወአ ህዝቢ እናሃለወ፡ ስለምንታይ ከም ፀላኢ ብለይቱ መፂኦም ኽባ ፈፂሞም? ፀገማት'ኳ እንተ'ልዮም ኣብ ኣዳራሽ ክፍትሑ እናኽኣሉ፡ ኣድማ ኣብ ዘይተፈጠረ ብፖሊስ ምእታው ግና፡ ህዝቢ ሕቶ ንኸልዕል ገይርዎ'ዩ፡" ብምባል ኣብ ህዝቢ እቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ስምዒት ይገልፅ።

ወይዘሮ ኣልማዝ በርሀ ድማ፡ "ኣብ ጭንቀት ኢና እኔህና። ዓድና ሓዲግና ኣብ ቤተክርስትያን ኢና ሓዲርና፣ ኸዚ ለ ኣብ ምህለላ ኢና እኔህና፣ ህዝቢ በብ ቤተክርስትያኑ 'እዝግዮ' ይብል ኣሎ፣ ኻልኣይ ኵናት ከይፍጠር ህዝቢ ኣብ ጭንቀት'ዩ እኒሆ፣ ሓመድ እዩ ልኽደን'ሎ፡" ይብላ።

በዚ ክስተት ከም 'ዝተቘጥዑ' ዝገለፁ ዓበይቲ ዓዲ፡ ብሓሙስ'ውን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝቢ ደቡብ ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ተጓዒዞም ምስ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዘራሪቦም።

ሓጂ መሓመድ ካብቶም ናብ ከተማ መቐለ ከይዶም ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዘራረቡ ኣስታት 180 ዝዀኑ ዓበይቲ ዓዲ ሓደ እዮም።

ንሶም፡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ምስቲ ፈሪሱ ዘሎ ነባር ኣመራርሐን ምስ ህዝብን ክዝትዩ ምዃኖም ከም ዝገለፅሎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"እቲ ዘረባ ፅቡቕ እዩ ነይሩ፤ ናብቲ ከባቢ [መኾንን ማይጨውን] መፂእና ክነዘራረበኩም ኢና ኢሉ ኣሎ፤ ግዘ'ውን ተቐሚጥሉ እዩ፡" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"እቲ ቀንዲ ሕቶና ሰላም እዩ፤ እቲ ጦር [ዕጡቓት] ኣብ ምምሕዳር ዝወሰዶ ተግባር ትኽኽል ኣይዀነይ ብዝብል እዩ ተለዓዒልና መፂእና፤ ፀገም እንተ'ለዎም'ውን ኣመሓደርትኹም ትኽክል ኣይኰነን ተባሂሉ ክንገረና ነይሩዎ፤ ሕዚ ምስቲ ህዝቢ ምይይጥ ክንገበር ኢና - ኢሎምና፡" ኢሎም።

ካልእ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበት ተወካሊት ወይዘሮ ፎትየን መረሳ፡ ካብ ከተማ መዀኒ እያ መፂኣ።

"ቀንዲ መምፂእና፡ ኲናት ከይጅመር እዩ፤ ደቅና ሞይቶም እዮም፣ ስድራ ስውኣት ኢና። ለይቲ ኣትዮም ራዕዲ ኣልዒሎምልና። ሰላም ክዀነልና ኢና ንፅሊ፣ ኲናት ይዀነና። ካብ ደጊም ኣደ ትግራይ ወደይ ጓለይ ክትብል የብላን፡" ኢላ።

እቶም ተወከልቲ ኰነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ብፍላይ ብለይቲ ብዕጡቓት ዝተገብረ ለውጢ ምምሕዳር ከም ዘቘጠዐምን፡ ክእረም ከም ዘለዎን እዮም ዝገልፁ።

ህዝቢ እቲ ከባቢ እንታይ እዩ ዝጠልብ ዘሎ?

እቶም ነቲ ዝተኻየደ ለውጢ ኣመራርሓ ከም ዘተሓባበሩ ካብ መንጎ ዝተፀርሑ ኣርባዕተ ሰባት፡ እቶም ክልተ ኣይተ ኣስመላሽ ረዳን ኣይተ ካልኣዩ ግደይን፡ ኣብዚ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሎምን ዝተቐበልዎ ስልጣን ከም ዘየለን ገሊፆም።

ጀነራል ታደሰ፡ ቍጠዐን ተቓውሞታትን ኣብ ዝዓረገሉ ድማ ብረቡዕ 23 ሓምለ 2025 ንኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ሃፍቱ ኪሮስ ኣብ ክልል ሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ገይሩ ከም ዝሸሞ ብደብዳበ እኳ እንተ ገለፀ፡ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፡ ነቲ ሓላፍነት ከም ዘይቕበሎ ብናይ ፌስቡክ ገፁ ኣፍሊጡ።

ወይዘሮ ኣልማዝ በርሀ፡ "ብስሩ ግን እንታይ ማለቶም እዩ?" ኢለን ብምሕታት ይቕፅላ፡ "ንሕና ኣብቲ ነባር ምምሕዳር ቅረታ የብልናይ። እዚኦም ደሓር እንተ ተመሪፆም የመሓድሩ፤ እዞም በረኻ ዝኸዱ ደቅና ይምፅኡ፡ ኣብ ወንበሮም ከፍ ይበሉ፡'' ይብላ።

ኣይተ ዓወት ብወገኑ፡ "ህዝቢ ኣፈራሪሕኻ ብሓይሊ ልፍጠር ነገር የለይ። ህወሓት ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሕሉ፡ ሓይሊ እዩ ናብ ዓዶም መሊስዎም፡ ሓይሊ እንት ትጥቀም ሓይሊ እዩ ከጥፍአካ ልኽእል። ሓይሊ እንትጥቀሙ፡ ህዝቢ ንግዚኡ ኣጕሙ ስቕ ክብል ይኽእል፡ ደሓር ግን ልፍንድእ ነገር ክህልው ይኽእል እዩ፡" ብምባል ነገራት ብልዝብ ክፍትሑ ኣለዎም ይብል።

'ሕዱር ቂምታ' ኣብ ልዕሊ ህወሓት?

ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ስዒቡ ኣብ ዝተጣየሸን ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ይምራሕ ኣብ ዝነበረን ግዝያዊ ምምሕዳር ንኣስታት ክልተ ዓመት ምክትል ፕረዝደንት ኰይኑ እዩ ፀኒሑ።

ኣይተ ጌታቸው፡ ምምሕዳሩ ኣብ ትግራይ እግሪ ከይተክል ኰነ ተባሂሉ ይስራሕ ከም ዝነበረ ብወግዒ ንህዝቢ ምፍላጡ ይዝከር። ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምምዕ ድማ ሰማይ እናዓረገ ከይዱ።

እቲ ኣንፃር ጌታቸው ረዳ ዝቈመ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት (ሕጋዊ ሰብነት ዝተኸልአ)፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ብኽሕደት ክኸስሶ ዝፀንሐ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው' ብህዝባዊ ቃልሲ ከም ዝተኣለየ ብናይ ፌስቡክ ገፁ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ንርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ትግራይ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ተሓጊዙ ኣብያተ ፅሕፈት ብምቍፅፃር ድማ ናተይ ዝብሎም ኣመራርሓ ተኺሉ።

ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ መወዳእታ 02 መጋቢት፡ ካብ ሓላፍነቱ ተደፊኡ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃዲሙ።

ተወለድቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ 'ጌታቸው ረዳ ካብ ሓላፍነት ብሓይሊ ዝተኣለየ ወዲ ራያ ስለ ዝዀነ እዩ' ዝብሉ ስምዒታት'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከንፀባርቑ ተሰሚዖም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እዚ ኣካይዳ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ን30 ዓመታት ሒዝዎ ዝፀንሐ ሕዱር ቂምታ ገንፊሉ ንኽወፅእ ከም ዝደረኸ ይገልፁ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብቲ ብሕታዊ እቲ ነባር ኣመራርሓ ዘይፈረሰሉ ከባቢ ደቡብ ትግራይ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተሳተፍሉ ተደጋጋሚ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ፀኒሑ።

"ንሕና ምስ ካልእ ህዝቢ ሽግር የብልናይ። ሰላሳ ዓመት ምሉእ ውሉድና'ዮም ኢልና ጥፍኣቶም ክኢልና ነቢርና ኢና፣ ኸዚ ግን ባዕሎም ኣቐይሞምና። እሳቶም [ህወሓት] ጌታቸው ወዲ ራያ ኾይኑ እንተ ተሾመ፡ ካብ መቐለ ኣንጢሮም ኣባሪሮም ሰዲደሞ፡" ብምባል፡ እቲ ህዝቢ ንመራሕቲ ህወሓትን ምምሕዳሩን ከም ዝተቐየሞም ወይዘሮ ኣልማዝ ይገልፃ።

ነበርቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ብሃፍቱ ኪሮስ ዝምራሕ ምምሕዳር፡ እቶም መራሕቲ ኣብቲ ዞባ ተወሊዶም ዝዓበዩ ብምዃኖም፡ እቲ ምምሕዳር ንድሌት እቲ ህዝቢ ብግቡእ ተረዲኡ ፀገሙ ዝፈትሕ ምዃኑ እዮም ዝገልፁ።

ፕረዚደንት ታደሰ፡ ሹመት ናይ ምሃብ ስልጣን ከም ዘለዎ ዋላ'ኳ እንተ ኣመኑ፡ "ዝመፀሉ ኣካይዳ ግና ኣብቲ ህዝቢ ናይ ወራሪነት ስምዒት ክፍጠር ዝገበረ እዩ፡" ይብሉ።

እቲ ከባቢ፡ ካብ ቀደሙ፡ ምስ ሰናይ ምሕደራን ዓርሰ ምሕደራን ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ከልዕል ዝፀንሐ ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።

እቲ ኵነታት ናበይ እዩ ዘምርሕ ዘሎ?

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ መግለፂኡ፡ እቲ ለውጢ ምምሕዳር ብደረጃ ዞባ ጥራይ ከም ዝካየድ እንተ ሓበረ'ውን፡ ኣብ ወረዳታት፡ ኣላማጣን መዀንን ከም ዝቐፀለ ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ኣብ ኣርባዕተ ክላስተራት ተዘርጊሑ ክምሓደር ዝፀንሐ መሓውር ዞባ ደቡብ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ምምሕዳር ስለ ዘይተቐበሎ፡ እቲ ከባቢ ናብ ካልእ ቅልውላው ከየምርሕ ስግኣት ዓሲሉ ኣሎ።

ኣይተ የማነ ንጉሰ፡ ካብቶም ካብ ከተማ ወፂኦም ተቓውሞ ዝመርሑ ዘለዉ ኣካላት እቲ ዝፈረሰ ነባር ምምሕዳር ሓደ ኰይኑ፡ ሽዑ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዝነበረ፡ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀገም ከይስዕብ ብምስጋእ፡ ሰለማዊ መንገዲ ይኽተሉ ከምዘለዉ እዩ ንቢቢሲ ዝዛረብ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ልዕሊ ኵሉ ሕዚ'ውን እቲ ብጕልበት ዝኽየድ ዘሎ መንገዲ ጠጠው ኢሉ፡ ናብ ሰላማዊ ድርድር ንምእታው ይፍተን ከም ዘሎ ብምዝራብ፡ ካብቶም ናብ መቐለ ዝተልኣኹ ዓበይቲ ዓዲ ምላሽ ይፅበዩ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ሓበሩ።

"ሕዚ እቲ ህዝባዊ ቍጥዐ ናብ ካልእ ከየምርሕ፡ ብግቡእን ውድብ ብዝዀነ መንገዲ እዩ ዝእለ ዘሎ። ነገራት ብቐደም ስዐቦም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ፡" ክብል ሓቢሩ።

"እቶም ዓበይቲ ዓዲ ንዅሉ እዮም ኣማእኺሎም ዝሰርሑ፡" ዝብል ኣይተ የማነ፡ ዓበይቲ ዓዲ [ኣቦ ገረባት] ካብ ክልል ሒዞምዎ ዝመፅኡ ምላሽ እቲ ኵነታት ናበይ ከም ዘምርሕ ዝውስን ምዃኑ ይኣምን።

"እቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ፡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ሒዞምዋ ዝመፅኡ መልእኽቲ እያ። ብኡ ልክዕ እቲ መንእሰይ ይፅበ ኣሎ፤ ስለዚ እቲ ህዝቢ ባዕሉ እዩ ዝመርሖ። ንሕና ብሓይሊ ተኣሊና ኣለና፣ ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ጥራይ ንሕግዝ ኣለና። ፕላን ኤ ፕላን ቢ ኣለና እዩ፤ ከምኡ ዘይኸውን እንተዀይኑ፡ ቀፂልና እንታይ ከም እንገብር ንፈልጥ ኢና፡" ኢሉ።

እቲ ሕቶ ሰላማዊ ምላሽ ዘይረክብ እንተዀይኑ፡ እተን 14 ወረዳታት፡ ናይ በዓልተን ምድላዋት ይገብራ ከም ዘለዋ'ውን ተዛሪቡ።

ኣይተ የማነ ከም ዝብሎ፡ እቲ ስርዓት ናይ ምፍራስ ሕቶ ናይ ኵሉ ህዝቢ ትግራይ ሕቶ ምዃኑ ብምግላፅ፡ 'ንሕና ግን ብሓይልን ብጠበንጃን ኣይንግዛእን' ብምባል፡ 'ካልእ ሕቶ ከልዕል ኣብ ምድላው እዩ ዝርከብ' ኢሉ።

"ከምኡ እንተዀይኑ፡ ሕቶና ናብ ካልእ ምዕራፍ ክሰጋገር ይኽእል እዩ።"

ንሱ፡ እንታይ እዩ እቲ ካልእ ሕቶ፡ ንዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ፡ "ርግፀኛ ኰይነ ክናገር ዝደሊ፡ ብሓይሊ ኣይንግዛእን። ንህዝቢ ደቡብ ንህዝቢ ምዕራብ ዘይትጠቅም ትግራይ እንድሕር እትፍጠር ኰይና፡ ንህዝቢ ሓደጋ እዩ። ሎሚ ኵሉ ኣጀንዳ ተወዲኡዎምስ ናብ ኲናት ይኣትዉ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ ዀይኑ?

ካብ ዝሽየም ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝገበረ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ መግለፂኡ፡ "መንግስቲ ግድን ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና፣ እዙይ ግን ዝዀነ [ንምዝራግ] ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ክፍለጥ ኣለዎ፡" ኢሉ ነይሩ።

ንሱ፡ "ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ብቐፃልነት ዘስዕቦ ሓደጋ ንምትራፍን ናይ ትግራይ ፀገም ንምፍታሕን እዩ፡" እዩ ዝብል።

ንሱ ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት፡ እንታይ ንምባል ከም ዝዀነ ግልፂ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ከባቢ እቶም ኣብ ከባቢ ዓፋር ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ [ህወሓት ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝድገፉ ዝኸሶም] ዕጡቓት 'ሓራ መሬት'፡ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ምስ ምዃኑ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ስግኣት ሓዲሩዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ብኻልእ ገፅ ድማ፡ እቶም ብሓይሊ 'ዝተዓለዉ' ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም መሪሕነት፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ባይታ ክረኽቡ ከም ዝንቀሳቐሱ ዝግለፅ ኰይኑ፡ መራሕቲ ህወሓት ድማ ነቲ ነባር ምምሕዳር'ቲ ዞባ ንምፍራስ ክሕነዩ ከምዝፀንሑ ይዝከር።