እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ናብ ካልእ ከባቢታት ዝሰፍሕ ዘሎ ወጥሪ ዞባ ደቡብ
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ዞባ ለውጢ ኣመራርሓ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላፁ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ዞባ ዝካየዱ ዘለዉ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ በርቲዖም ቀፂሎም ኣለዉ።
ኣብቲ ዞባ፡ ብሰንበት ኣብ ከተማ መኾኒ ብሰኑይ ድማ ኣብ እምባኣላጀ ህዝባዊ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኻይዶም።
እቲ ተቓውሞ ሰልፊ ናብ ካልኦት ዞባታት'ውን ዝላባዕ ዘሎ ዀይኑ፡ ብፍላይ ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወጀራት ዒስራ ዓዲ ጀሚሩ ፀኒሑ ናብ ዓዲ ጉደም ዘምረሐ፡ ሞትን ማእሰርትን ዘስዐበ ዝጥቀስ እዩ።
ኣብ መኾኒ ሰልፈኛታት ነቲ ዝተወሰደ ብዕጥቂ ዝተደገፈ ለውጢ ምምሕዳር ካብ ምኹናን ሓሊፎም፡ "እምቢ ብህወሓት ኣይንመሓደርን"፡ "ብኣፈሙዝ ኣይንግዛእን"፡ "ዓፈና ጠጠው ይብል" ወዘተ ዝኣመሰሉ ጭርሖታት ሒዞም ድምፆም ከስምዑ ተራእዮም።
ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብ22 ሓምለ 2025 ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ናይ ምምሕዳር ለውጢ 'ቀፃሊ ሓደጋታት ትግራይ ንምግታእ' ብዝብል ብሰለማዊ መንገዲ ከም ዝተኻየደ'ዩ ገሊፁ ነይሩ።
ምስ ኣብ ወጀራት ዒስራ ዓዲ ዝተወጠነ ሰልፊ ዝተኣሳሰር፡ ሞትን ማእሰርትን ዝሰዓበ ዀይኑ፡ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ሓረስታይ ህይወቶም ክጠፍእ እንከሎ ካልኦት፡ ጋዜጠኛታት ክልተ ትካላት ሚድያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዝነበሩ ተገሊፁ።
ብሰንበት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣመሓዳሪ ወጀራት ዒስራ ዓዲ ኣይተ ተስፋኡ ሃፍተ ካብ ዓዲ ጉደም ናብ ባሕሪ ፀባ ኣብ ዝኸደሉ ብዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ናብ ወጀራት ኣይትኸይድን ከም ዝተብሃለን ነዚ ዝሰምዑ ነበርቲ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ናብ ዓዲ ጉደም ብምምፃእ ሰልፊ ተቓውሞ ከም ዝጀመሩ ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ሓበራዊ መግለፂ ትካላት ሚድያ- ቲቢኤስን ቲፒኤምን፡" [ጋዜጠኛታትና] ድሕሪ ከቢድ ፃዕርን ስግኣት ሞትን ብሰላም ተረኺቦም፡ ናብ መቐለ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዝተዓዘብናዮ ምድንጋፅን ራዕድን፡ ኣብ ህዝብና ዝበፅሐ በደል ብዝግባእ ዘርኣየ እዩ" ይብል።
እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ናፅነት ፕረስ ዝተፈፀመ ዓፈና ምዃኑ ንቢቢሲ ትግርኛ ዝገለፀ ዋና ኣሰናዳኢ ቲፒኤም፡ ጋዜጠኛ ኣድሓኖም ሰርፀ፡ ካብ ከተማ መቐለ ዝተበገሱ እቶም ጋዜጠኛታት፡ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት ክልተ ኣብ ዓዲ ጉደም ከምዝበፅሑ ይዛረብ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ መማእኸሊ ከባቢ ዝዀነ፡ ጣብያ ባሕሪ ፀባ ዝተወጠነ፡ ህዝባዊ መድረኽ [በቲ ከባቢ 'ደመር' ይበሃል] ንክፅብፅቡ እዮም ኣንጊሆም ተበጊሶም።
"ኣብ ዓዲ ጉደም ምስ በፅሑ፡ ፍሉይ ስሙ ሂድሞ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ብኣባላት ኣርሚ 44 ኮር 401 ዝበሃሉ ዕጡቓት ተዓፊኖም" ይብል ጋዜጠኛ ኣድሓኖም።
ትእቶም ጋዜጠኛተት ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ካብ ቀይዲ እንተተለቐቑ'ውን ናብ መቐለ ጥራይ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ከምዝተነግሮም'ዮም ዝገልፁ።
እቶም ዕጡቓት፡ ምስቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት 'ኣይተቐርፁን' ብዝብል፡ ናብ ምፍጣጥ ከምዝኣተዉ፡ ከምኡ ድማ ሞት ናይቲ ትማሊ ስነስርዓቱ ቀብሩ ዝተፈፀመ ሓረስታይ ከምዘስዓበ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልፁ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብከ?
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ብወግዓዊ ደብዳበ ዝተልዓለ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፡ ምስ ዝተረፈ መሓውር ምምሕዳሩ ናብ ቦታኡ ክምለስ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ከለምዝተስማመዐ ንቢቢሲ ዝገለፀ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ተበፂሑ ዝተብሃለ ስምምዕ ዛጊድ ካብ ክልላዊ መንግስታዊ ኣካል ዝወፅአ ሓበሬታ የለን።
እተን ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ዘሎ ወጥሪ ካብ ምፅብፃብ ዝተቘጠባ ክልላዊ መንግስታዊ ሚድያታት ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ዝተብሃለ ጉዳይ ዝበለኦ ነገር የለን።
ኣይተ ሃፍቱ ግን ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ ከምዝተዘራረቡን፡ እቲ ነባር ኣመራርሐ'ቲ ዞባ ንክቕፅል ዝተቐመጠ ቅድመ ዅነት ከም ዘየለን እዩ ዘገልፅ።
"ትማሊ [ብሰንበት] ካብ ሰዓት 2፡00 ክሳብ 8፡00 (ከባብያዊ ኣቆፃፅራ)፡ ምይይጥ ኣካይድና። እቲ ዋና ሕቶ ናይ ካቢነ ምቕፃል ዘይምቕፃል ዘይኮነስ፡ ሕቶ ህዝቢ ይምለስ'ዶ ኣይምለስን እዩ። ስለዚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ህዝቢ ደቡብ ትግራይ ብቐፃሊ ባዕሉ ንባዕሉ ከመሓድር ዘኽእሎ ኵነታት እዩ ኣመቻችዩ። ኣብዚ ካቢኔ ዞባ ደቡብን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ምሉእ ስምምዕ ምብፅሖም ዓብይ ዓወት'ዩ" ኢሉ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰኑይ ምሸት ኣድማ ብተና ፖሊስን ሰራዊትን ናብ ከተማታት ማይጨውን መኾንን ኣብ ዝተዋፈሩሉ እዋን፡ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ምስ ካቢነኡን ውዳበታትን ካብ ከተማ ለቒቖም ናብ በረኻ ከም ዝኸዱ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ዞባ፡ ኣብቲ ዞባ ብለይቲ ዕጡቕ ሓይሊ ምውፋሩ ኣብ ህዝቢ እቲ ዞባ ከም ፀላኢ ተወሪርና ዝብል ስምዒት ከም ዝፈጠረ ብምግላፅ ንርእሶም ከመሓድሩ እዮም ዝጠልቡ።
ዓበይቲ ዓዲ ዝርከብዎም ተወከልቲ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ'ውን ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምኻድ ምዝርራቦም ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብቀዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ከተማ ማይጨው ብምኻድ፡ ምስ ዓበይቲ ዓድን ተወከልቲ ህዝብን እቲ ዞባ ከም ዝዘተየ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፡ ካቢነኡ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ፡ ኣብቲ ዞባ ዝተዋፈረ ኣድማ ብተና ፖሊስ ይወፅእ ከም ዘሎ'ውን ንቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ።
"ኣብ መኾኒ ብኣድማ ብተና ዝተዋፈሩ ፖሊስ ትማሊ ወፅዮም ኣለዉ። ካብ ማይጨው እውን ሎሚ መዓልቲ (ብሰኑይ) ይወፅኡ ኣለዉ። እቲ ሰራዊት ግና (ዝተወሰኸ ኣርሚ 33) ኣሎ። ሰራዊት ኣወፋፍራ ኣካይዳ ኣለዎ፣ እዚ ናይ ሕዚ ኣመፃፅኣ ግና ኣይተቐበልናዮን። ካብ ተልእኾኡ ወፃኢ ዝሰርሖ ስራሕቲ ናብ ተልእኹኡ ክኣትውን ዘለዎ ኵነታት'ውን ምዕሩይ ክግበርን ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኢና" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ቢቢሲ ነዚ ስጕምቲ ካብ ካልእ መንግስታዊ ኣካል ይኹን ብባዕሉ ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግፆ ኣይከኣለን። ኣብዚ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕን ተዛመድቲ ጉዳያትን ካብ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ይዅን ካልእ መሓውር መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
'ስለዚ ከምኡ እንተዀይኑ፡ ካብ ሕዚ ተፀዋዕነትኩም ንመን እዩ?' ዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፡ "ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና፡" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
"ንሕና ተጋሩ ኢና፡ ናይ ተጋሩ ስርዓት ኢና ንኽተል። ስለዚ ንህወሓት ንከተል ኣይንከተል ብዘየገድስ፡ ተፀዋዕነትና ንግዝያዊ ምምሕዳር እዩ። ትግራይ ናይ ህወሓት ጥራይ ክትከውን ኣይግባኣን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
እዚ ዅነታት ብኸመይ ማዕቢሉ?
ካብ ዝሽየም ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝገበረ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ መግለፂኡ፡ "መንግስቲ ግድን ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና፣ እዙይ ግና ዝዀነ [ንምዝራግ] ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ክፍለጥ ኣለዎ" ኢሉ ነይሩ።
ንሱ፡ "ለውጢ ኣመራርሓ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ብቐፃልነት ዘስዕቦ ሓደጋ ንምትራፍን ናይ ትግራይ ፀገም ንምፍታሕን እዩ" ዝብል።
ብዛዕባ'ቲ ክመጽእ ዝኽእል ዝበሎ ሓደጋ ግን ብዝርዝር ኣይገለጸን።
እቲ ከባቢ እቶም ኣብ ከባቢ ዓፋር ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ [ህወሓት ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝድገፉ ዝኸሶም] ዕጡቓት 'ሓራ መሬት'፡ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ምስ ምዃኑ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ስግኣት ሓዲሩዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ይግመት።
ህዝቢ ዞባ ደቡብ ካብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ብዝሓየለ፡ ነቲ ብዕጡቓት ዝተሰነየ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ኰነ ኣመራርሓ ናይ ምቕያር ስጕምቲ ህወሓት፡ ተሪሩ ክቃወም ፀኒሑ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ዋና ኣመሓደርቲ ዞባታት ናይ ምሻምን ምውራድን ስልጣን፡ ናይቲ ፕረዚደንት ከምዝዀነ፡ ታደሰ ወረደ ይገልፅ።