ውላዱ ከድሕን ዝፈተነ ኣቦ፡ ንርእሱ ጠፊኡ

ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተመርዓወ ኣቦ፡ ኣብ ዩጋንዳ፡ ኣብ ፈለግ ኒል ይጥሕል ንዝነበረ ውላዱ ከድሕን ኢሉ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ንርእሱ ጠፊኡ ተሪፉ።

እቲ ነባሪ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ዝዀነ ወዲ 48 ዓመት ሮበርት ካዊሲ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ጃስቲን ካታንታዚን ኣርባዕተ ደቈምን፡ ኣብ ገምገም ሩባ ፓክዋች ኣብ ዝርከብ ሎጅ ኣዕሪፎም ነይሮም።

ወዲ 12 ዓመት ወዶም ናብቲ ሩባ ንኽሕንብስ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ጸገም ወዲቝ ዝረኣየ ኣቦ ኸኣ፡ ውላዱ ንኽረድእ ዘሊሉ ናብቲ ወሓዚ ማይ ኣትዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ወዲ ብሓገዝ ገለ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ክድሕን እንከሎ፡ እቲ ኣቦ ግን ሃለዋቱ ከምዝጠፍአ ፖሊስ ገሊጹ።

ዩጋንዳዊት-ብሪጣንያዊት በዓልቲ ቤቱ ካታንታዚ፡ ተዀናታሪት ስርሓት መዝሓሊ ኰይና፡ ሰብኣያ ብረቡዕ ንወዶም ከድሕን ኢሉ ምስ ጠፍአ ደሃዩ ከምዘይተረኽበ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።

እዞም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዩጋንዳ ብወግዒ መርዓኦም ከም ዝጸንበሉ'ውን ሓቢራ።

ወሃቢ ቓል ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ሓባራዊ ሃብትን ልምዓትን ብሪጣንያ፡ ነታ ስድራቤት ይድግፉ ከምዘለውን ምስ ሰበስልጣን ዩጋንዳ ዘድሊ ዝርርብ ይገብሩ ከምዘለውን ገሊጹ።

በጻሕቲ ኣብቲ ፈለግ ንምሕንባስ ብዛዕባ ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐ ዘድሊ መምርሕታት ከም ዝወሃብ ይግለጽ።

ብተመሳሳሊ፡ ብ22 ሓምለ ኣራን ቻዳ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ’ውን፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ንኽዛወር፡ ብጃልባ ኣብ ገማግም ‘ሊሞን ሪዞርት’ እናተዘናግዑ፡ ወዶም ሓደጋ ኣጋጢምዎ ነይሩ። 

ኣራን ድማ፡ ንወዱ ካብ ምጥሓል ንኸድሕኖ ናብቲ ቀላይ ዘሊሉ ብምእታው ውላዱ ከድሕን’ኳ እንተኸኣለ፡ ንሱ ግን ኣብ ከባቢ እታ ጃልባ ጥሒሉ ሃለዋቱ ንኣስታት 26 መዓልታት ጠፊኡ ቀንዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ኣስከሬኑ ካብ ሊሞን 800 ሜትር ኣብ ዝርሕቕ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ፡ ኣብ 316 ሜትር ዕምቈት ብወለንተኛታት ምርካቡ ከም ዝተሓበረ ይዝከር።