እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ደቈም ከድሕኑ ዝጐየዩ ኣቦታት፡ ሬሳ ደቈም ጸይሮም ተመሊሶም’
ሞት ውላድ እቲ ዝመረረ ሓዘን ዘስዕብ ተጓንፎ እዩ። ኣብ ፍልስጤም፡ ብፍላይ ግጭት ምስ እስራኤል ኣብ ዝለዓለሉ ህሞት፡ ውላድካ ምቕባር ንቡርን ልሙድን ካብ ዝኸውን ጸኒሑ እዩ። እዚ ዛንታ'ዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳሙናት ኣብ መንጐ እስራኤልን ዕጡቕ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤምን ብዝተላዕለ ግጭት ዘጓነፈ ነገራት ዝትርኽ እዩ።
ሃላ፡ ደቃ ሒዛ ናብ ገምገም ባሕሪ ምስ ከደት ሓደጋ ክመጽእ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን። እታ ጓል ትሽዓተ ዓመት ጓላ ላያን፡ ኣብቲ ሑጻ ክትጻወትን ብማዕበል ክትዝሕልን ደልያ ነይራ።
እታ ስድራቤት፡ ‘ቱክ-ቱክ’ [ሞተር ሳይክል] ገይራ፡ ነቲ ብዕጡቕ ጕጅለ እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም (PIJ) ዝመሓደር ወተሃደራዊ መዓስከር ሓሊፉ፡ ብፍጥነት’ያ ኣብቲ ቦታ በጺሓ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ድማ ልክዕ ዒላማ ተዅሲ እስራኤል ኰይና።
ላያን፡ ብፍንጫል ስኩጆታት ቦምባ ክሳዳ ተወጊኣ፡ ደም እናፈሰሰት ኣብ መሬት ዛዕ ኢላ ወደቐት። ኣብ ሓደ ሆስፒታል እስራኤል ንሓደ ሰሙን’ኳ እንተተሓከመት ህይወታ ግን ከድሕን ኣይከኣለን።
"ተስፋ ቈሪጸ ኣለኹ" ትብል ኣደኣ - ሃላ። "ኣደ ስውእቲ ስለ ዝዀንኩ ግን ክጸንዕ ኣለኒ፣ እቲ ውግእ ንዓይን ንስድራይን ኣዝዩ ተንኪፉና እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ቓዛ ምንባር ከም ዝጸልኦ ገይሩኒ።"
እታ ኣደ፡ ንሓንቲ ንእሽቶ ጽብቕቲ መጻወቲ ባምቡላ ሒዛ ነበረት። እታ ባምቡላ፡ ጓላ ፍሉይ ፍልስጤማዊ ምርኢት ሳዕስዒት ብምቕራባ ዝተበርከተትላ ህያብ እያ ዝነበረት።
'ሞት ላያን ለውጢ ዘምጽእ ዶ ይመስለኪ?' ንዝብል ሕቶ ክትምልስ እንከላ፡ "ኣይመስለንን፣ ምኽንያቱ ቅድሚኣ ብዙሓት ህጻውንቲ ተቐዚፎም’ዮም - ለውጢ የለን" ትብል።
"ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ነቶም ፈጸምቲ ወይ ወሰንቲ ኣካላት ጽልዋ ገይሩሎም ኣይፈልጥን’ዩ፤ ንቡር ኰይኑ እዩ።”
እቲ ኵነታት እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ፡ ሞት ኣብ ቓዛ ኣበየ ዙርያኡ እዩ። ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ 35 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ያየር ላፒድ፡ ሓይልታቱ ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ፍሉይ ጥንቃቐታት ከምዝገበሩ እዩ ዝገልጽ።
ንሱ፡ "እስራኤል ድሕነት ዜጋታታ ንምርግጋጽ ሓይሊ ምጥቃማ ይቕረታ ኣይትሓተሉን'ያ፣ እንተዀነ ሞት ንጹሃን ሰላማውያን ብፍላይ ከኣ ህጻናት ግን ልቢ ዝሰብር'ዩ፡” ኢሉ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ "ብሞት [ላያን] ከምኡ'ውን ብሞት ካልኦት ሲቪላትን ጓሂ ከም ዝተሰምዖ" ገሊጹ።
ሬሳ እታን ህጻን ላያን፡ ካብ መስጊድ ክሳብ መካነ መቓብር ዝበጽሕ ብዙሕ ህዝቢ እዩ ዓጂብዎ።
ድምጺ ተኵሲ እናሰምዑ ባንዴራታት እናወዛወዙ ይጐዩ። ሬሳኣ ናብ መሬት ክወርድ እንከሎ ድማ፡ ሰባት ነቲ መቓብር ከቢቦም፡ ነቲ ሑጻን ሓመድን ብኢዶም ጸሪጐም ኣዕሪፎምዎ።
መዓስከር ስደተኛታት ጃባሊያ እውን፡ ተመሳሳሊ ንኣሽቱ መቓብራት ኣለዎ።
ኣብቲ መካነ መቓብር ፍንጀራ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሓሙሽተ ኣወዳት ይጻወቱ ነይሮም። እስራኤል፡ እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ዝወንጨፎ ሮኬት ፈሺሉ ኣብኡ ከም ዝወደቐ እያ ትገልጽ። እቶም ዕጡቓት ግን ንእስራኤል ይወቕሱ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ የርኢ። እቲ ቪድዮ፡ ነቲ ህይወት ዘይነበሮ ሬሳታት እቶም ኣወዳት፡ 'ክድሕኑ ይኽእሉ ይዀኑ እዮም' ብዝብል ተስፋ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለው እዩ ዘርኢ።
ሓደ ካብኣቶም መሓመድ ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት እዩ። ፖሊስ ክኸውን ባህጊ ከም ዝነበሮ እያ ኣደኡ ትገልጽ።
"ኣብቲ ቦታ፡ ቈልዑ ጥራይ እዮም ዝጻወቱ ነይሮም። ሃንደበት ኢና ተፈንጃሪ ሰሚዕና። ኣቦታት ተጓይዮም ናብቲ ቦታ ከይዶም፣ ግን ሬሳ ዝሞቱ ደቈም ጥራይ እዮም ጸይሮም ተመሊሶም፡" ትብል።
"ደቅና ሞትን ምፍንጃር ቦምባን ለሚዶምዎ’ዮም። ደቅና፡ ካብቶም ኣብ ካልእ ዓለም ዘለዉ፡ ጽቡቕ ህይወት ዝመርሑ፡ ኣብ መናፈሻታት ዝውዕሉን መቓብር ርእዮም ዘይፈልጡን ዝተፈልዩ እዮም።"
ድሕሪ’ቲ ኣብቲ መቓብር ዘጋጠመ ፍንጀራ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ሰዓታት፡ ሓደ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ብቕጽበት ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ኸሊል ኣልካሕሎት፡ ደቁ ከናዲ እዩ ትኽ ኢሉ ናብኡ ጐይዩ።
ኣብቲ ከባቢ ሬሳታት ክእከብ ምስ ረኣየ ግን ቀዚዙ፣ ኣፍልቡ እናዘበጠ ጨዲሩ። ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ዓርኩ፡ ክቐድሕ/ክስእል ጀሚሩ። ኸሊል ግን ተቘጢዑ፡ "እዚ ዅሉ እስላማዊ ጅሃድ ንምሕጓስ ድዩ?" ይብል። "ባሰም ሰዓዲ - ላዕለዋይ መራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ‘ቲ ጕጅለ - ንኽፍታሕ ድዩ። እዚ ግን ብዋጋ ደም ንኣሽቱ ደቅና'ዩ ዝመጽእ ዘሎ፡" ይብል።
ባሰም ሳዓዲ - ቅድሚ መዓልታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብወተሃደራት እስራኤል ዝተኣስረ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕነት እስላማዊ ጅሃድ ፍልስጤም እዩ። ጠንቂ ናይቲ ዳሕረዋይ ግጭት ከኣ ምእሳር ናቱ እዩ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኸሊል፡ ብኣሽሓት ‘ላይክ’ ክረክብ ክኢሉ።
ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝግበር ነቐፌታ ዳርጋ የለን። ኸሊል፡ "እቲ ቪድዮ ብቐጥታን መትኒ ዝትንክፍን ስለዝነበረ ሰባት ፈትዮምዎ እዮም፣ ሰባት ኲናት ኣይደልዩን፡ ሞት ኣይደልዩን፡ ቈልዑ ክቕተሉ’ውን ኣይደልዩን እዮም፡" ይብል።
"ኣነ እቲ ግዜን እቲ ምጕህሃር ነቲ ግጭትን ቅኑዕ ኣይነበረን፣ ኣድላይነት ኣይነበሮን እየ ኢለ። ኵሉ’ቲ ኣብ ጐደናታት ዝረኸበኒ ሰብ ከኣ እቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ግን ክዛረበሉ ዘይከኣለ ከም ዝተዛረብኩ እዩ ዝነግረኒ።”
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕታ ዝጀመረትሉ ዓርቢ ኣጋምሸት እዩ ነይሩ።
እስራኤል፡ ካብ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ንሰላማውያን እስራኤላውያን ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ይሕሰብ ከም ዝነበረ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ከም ዝበጽሓ እዩ ዝገልጽ። ክልተ ካብ መራሕቲ እቲ ጕጅለ ብሓይልታት እስራኤል ተቐቲሎም።
ኣብ ዝሰዓበ ቀዳመ-ሰንበት ከኣ ኣስታት 1000 ሮኬታት ፍልስጤማውያን ናብ እስራኤል ተተኲሶም። ሓያሎ እስራኤላውያን ከኣ ቀሊል መጕዳእቲ ወሪድዎም።
ጽልዋ ነፍሲ ወከፍ ግጭት ግን ክንዮ ሞትን መጕዳእትን ዝኸይድ እዩ።
ሰሚር ክፋል ገዛኡ ብደብዳብ ዓንዩ እዩ። ጓል ሰለስተ ዓመት ጓል ወዱ ‘ቱታ’ ኣብቲ ፍርስራስ ቀንጠመንጢን መጻወቲኣን ክትለቅም ትርአ።
ንሱ፡ መጥቃዕቲ ክመጽእ ምዃኑን ጐረባብቱ ኣኪቡ ካብቲ ቦታ ክእለን ብሰራዊት እስራኤል ተነጊርዎ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ብእግሮም ናብቲ ገማግም ባሕሪ ብምኻድ ነብሶም ከድሕኑ ክኢሎም። እንተዀነ ምስ ተመልሱ፡ ገዛ እንዳ ሰሚር ሰፊሕ ክፋሉ ዑና ኰይኑ ተደፊኡ ጸኒሑዎም።
ሰሚር፡ "ብስነ-ኣእምሮኣዊ መዳይ ተሃሲና ኢና፣ ሰላም ኢና ንደሊ፡ ውግእ ኣይንደልን" ይብል።
ሰሚር ድሕሪ ሕጂ ገዛኡ ብኸመይ ከም ዝሃንጾ ጨኒቝዎ እዩ ዘሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጭንቂ ግን ኣብ መላእ ቓዛ ዳርጋ ንቡር እዩ። መሳርሒታት ህንጻ ክትረኽቦ ኣጸጋሚ እዩ። ዝዀነ ንብረት፡ ተጠውዩ ኣብ መዓላ መጥቃዕቲ ኣንጻር እስራኤል ከየገልግል ስለዘስግእ፡ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ነገራት ጥብቂ ቍጽጽር እዩ ዝግበረሉ።
ጕጅለ ሓማስ፡ ኣብ ፍልስጤም ድሕሪ ዝተኻየደ ውሽጣዊ ደማዊ ቍርቝስ ነታ ንእሽቶ ግዝኣት ቓዛ፡ ካብ ሰብ መዚ ፍልስጤም ኣብ 2007 ተቘጻጺርዋ፤ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ ድማ፡ ቓዛ ብእስራኤልን ግብጽን እገዳ መሬትን ባሕርን ተገይሩላ።
እቲ ዝነተብረ ዕጽዋ፡ ቍጠባዊ ድስካለ’ኳ ፈጢሩ እንተዀነ፡ እስራኤል ግን ንጸጥታዊ ውሕስነታ ኣገዳሲ ምዃኑ እያ ትኣምን። እቲኸኣ ነቲ ብሰንኪ ግጭት ዝስዕብ ነገራዊ ዕንወት ዘይሓዊ ይገብሮ።
ዝዓነዉ ፍርስራስ ከምኡ ኢሎም ተጸፍጺፎም ይነብሩ፣ ገለ ህንጻታት ከኣ ተጸሪጎም ከም ዘይነብሩ ባዶን ዀይኖም እቲ ቦታ ሃህ ኢሉ ይተርፍ፣ ዕድላት ዳግመ ህንጸት ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። ብሰንኪ’ዚ እዮም ድማ ደቂ ቓዛ ዝዀነ ሓድሽ ምዕባለ ኣብ ዝመጽኣሉ ኣብ ከቢድ ቅዛነት ዝኣትዉ።
ሓማስ፡ ንወሽመጥ ጋዛ እዩ ዘመሓድር። እቲ ጕጅለ ብኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ካልኦትን “ግብረሽበራዊ”ተባሂሉ ዝተፈርደ እዩ። ዕላማኡ፡ ብዅሉ ዝከኣል ኣገባባት ተጠቒምካ - ዕጥቃዊ ቃልሲ ከይተረፈ - ጐበጣ እስራኤል ከም ዘብቅዕ ምግባር ምዃኑ ይገልጽ። ሓማስ፡ ዓቢይ መኽዘን ኣጽዋር ዘለዎ ኰይኑ፡ ብቐንዱ ንኸተማታት እስራኤል ንምጥቃዕ ዝቐንዐ እዩ።
ሓማስ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ግጭት ኢዱ ከም ዘይሓወሰ እዩ ዝግለጽ። እንተዀነ እስራኤልን ሓያለ ተዓዘብትን ብዘይፍታዉ ዝዀነ ዝፍጸም ነገር ከም ዘየለ እዮም ዝኣምኑ።
ኵሎም እቶም ካብ ቓዛ ዝተወንጨፉ ሮኬታት፡ በቲ ብዙሕ ርቀት ዘለዎ መሳርሒታት ዘይውንን ንእሽቶ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ዝተተኰሱ እዮም። ሓያሎ ካብኣቶም ዘይቅኑዕ ኣታዅሳ ዝነበሮም፡ ተመሊሶም ኣብ ርእሲ ማሕበረሰባት ፍልስጤማውያን ብምውዳቕ ሞትን መጕዳእትን ኣስዒቦም እዮም።
ሓማስ ካብቲ ግጭት ወጻኢ ምዃኑ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ብስምምዕ ክግታእን ሓጊዙ እዩ። ምናልባት ሓማስ እንተዝጽንበር ነይሩ፡ እቲ ጽልዋ ኣዝዩ ዝዓበየ ምዀነ፤ ምናልባት’ውን ሓድሽ ኲናት ክቕስቀስ ተኽእሎ ምሃለዎ።
ንምንታይ እዩ ደኣ ሓማስ መጥቃዕቲ ዘይገበረ?
"ካብዚ ዙርያ ግጥም ገለ ትምህርቲ ክንወስድ ኣለና ኢለ እሓስብ" ይብል ኣፈኛ ሓማስ ቓዚ ሓማድ።
"ምስ እስላማዊ ጅሃድ ጽቡቕ ምትሕብባር ኣለና፣ ምስኦም ድማ ዓሚቝ ዘተ ጌርና ኢና። ከም ፍልስጤማውያን ውድባት ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ኢለ እየ ዝሓስብ። በዚ መገዲ ድማ ጌጋታት ከነውሕድን እቲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዘጋጥም ጕድኣት ከነጕድልን ንኽእል ኢና፡” ኢሉ።
ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ከምኡ’ውን እስራኤል ከም ግብረመልሲ ርእሰ ምክልኻል ብዘይኣፈላላይ ብኣልማማ እተካይዶ ደብዳብ’ውን ይዛረብ።
"ንሕና ኣንጻር ዝዀነ ውልቀሰብ ኣይኰናን ንቃለስ፣ ቃልስና ኣንጻር ጐበጣ እስራኤል ጥራይ እዩ። እስራኤል ንስቪላታ ክትከላኸል ዓቕሚ ክህልዋ ይኽእል'ዩ።” ይብል ኣተሓሒዙ፡ “ንሳቶም ግን ብኣንጻሩ ንሓደ ተቓላሳይ ክቐትሉ እንተደልዮም፡ ንዅሎ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት እዮም ዝቐትሉ፡" ይብል።
ድሕሪ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ፡ ቀዳማይ ሚስተር ላፒድ "ንነበርቲ ወሽመጥ ቓዛ ብቐጥታ ክዛረብን ካልእ መንገዲ ከም ዘሎን ክንነግሮም ንደሊ" ክብል ተሰሚዑ።
ወሲኹ፡ "ካብ ዝዀነ ዘስግኣና ሓይሊ ብኸመይ ነብስና ከም እንከላኸል ንፈልጥ ኢና፣ እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን ነቶም ብሰላም ኣብ ጐድንና ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት’ውን ስራሕ፡ መነባብሮን ክብሪ ዘለዎ ህይወትን ብኸመይ ከም እንፈጥረሎም እውን ንፈልጥ ኢና፡" ኢሉ።
ቓዛ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝወሓደ ህዝቢ ዝነብረን ግዝኣታት እያ። መብዛሕትኦም ደቂ ቓዛ ናብራ ህውከትን ግጭትን ጥራይ እዮም ዝፈልጡ - ካልእ ህይወት የብሎምን። ሕብሪታት ሕልምታቶም’ውን ደብዚዙ እዩ።
በሳን ዓብዱሰላም ብምህንድስና ክትምረቕ ቀሪባ እያ። ከም ብዙሓት መዛኑኣ፡ ብመጻኢኣ ተስተንትን።
"እዚ እንተዝውዳእ ህይወትና ከመይ ምዀነ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ'ዩ። ሰባት ኣቦ ወይ ኣደ፡ ወይ ሓው ሓፍቲ ብምኽሳር፡ ወትሩ ካብ ምንባዕ ዘዕርፉሉ ግዜ እንተዝመጽእ፡ ምሉእ ህይወትና ምተቐየረ፡" ትብል።
"ስለምንታይ ከምቲ ካብ ቓዛ ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት ዝገብርዎ ክንገብር ዘይንኽእል? ዩትዩብ ንርኢ’ሞ፡ ብዙሓት ሕጕሳትን ጽቡቕ ነገራት ክገብሩን ንርኢ። ንሕና ኸኣ እቲ እገዳ ክለዓል ከም ዓለምና ክንነብረሉ እንኽእል እዋን ክመጽእ ብተስፋ ንጽበ።"