እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውላዱ ዘድሓነ ብሪጣንያዊ፡ ሬሳኡ ኣብ ኢጣልያ ተረኺቡ
ኣስከሬን ናይቲ ወዱ ንምድሓን ካብ ጃልባ ናብ ቀላይ ዝዘለለ ብሪጣንያዊ ኣብ ኢጣልያ ተረኺቡ።
እቲ ኣራን ቻዳ ዝተባህለ ኣቦ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ንኽዛወር ናብ ቀላይ ጋርዳ ከይዱ።
ብ22 ሓምለ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ሃለዋቱ ተሳኢኑ ምጽንሑን ብሰሉስ ኣስከሬኑ ከምእተረኽበን ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ብሪጣንያ እትርከብ እታ ስድራ፡ ነቲ ኣስከሬን ንምልላይ ናብ ኢጣልያ ክትገይሽ ምዃና’ውን ተሓቢሩ።
እቲ ኣጋጣሚ ንመበል 52 ዓመት ዕለተ ልደት ኣራን ንምጽንባል ዝተተለመ እዩ ነይሩ።
እታ ስድራ ጃልባ ተኻርያ ኣብ ገማግም ‘ሊሞን ሪዞርት’ እናተዘናግዐት እንከላ ግን፡ ወዱ ሓደጋ ኣጋጢምዎ።
ኣራን ንወዱ ካብ ምጥሓል ከድሕኖ'ኳ እንተኸኣለ፡ ኣብ ከባቢ እታ ጃልባ ከምዝጠሓለ እዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣስከሬኑ ካብ ሊሞን 800 ሜትር ኣብ ዝርሕቕ ማይ ኣብ 316 ሜትር ዕምቈት ብወለንተኛታት ከምእተረኽበ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።
ንሱ ክጥሕል ዝኸኣለ፡ “ምናልባት ብሕማም” ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ገሊጹ።
ኣራን ንወዱ ድሕሪ ምድሓኑ ከምዝጠፍአ ንትካል ህይወት ኣድሕን ደዊላ ዝሓበረት በዓልቲ ቤቱ ክትከውን እንከላ፡ “እታ ኣደ ምስ ኣእወየት፡ እቲ ኣቦ ነቲ ቘልዓ ንምድሓን ናብቲ ቀላይ ዘሊሉ” ከምዝኣተወ ሓደ ምስክር ዓይኒ ተዛሪቡ።
ኣስከሬን ኣራን ንምርካብ ብጃልቡ፡ ብሄሊኮፕተር ተሰንዮም ጠለቕቲ፡ ፖሊስን ወለንተኛታትን ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ።