ከቢድ ድርቂ ዘጋጠማ ቻይና ዝናብ ዝፈጥሩ ሮኬታት ትትኩስ ኣላ

ሰብ መዚ ቻይና ከቢድ ድርቅን ዋዕን ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ማእከላይን ደቡባዊ ምዕራብን እታ ሃገር ብሰብ-ሰርሖ መገዲ ዝናብ ንምዝናብ ይፍትኑ ኣለዉ።

ኣብ እስያ ዝነውሐ ሩባ ያንግትዚ ቅድሚ ሕዚ ብዘይተርኣየ መጠን፡ ትሕዝቶ ማዩ ቀኒሱ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ እቲ ብልሙድ ዝናብ ብትሕቲ ፍርቂ ነክዩ ኣሎ።

ግድባት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሕዝዎ መጠን ማይ'ውን ብፍርቂ ከም ዝቐነሰ ሰብ መዚ ይሕብሩ።

  • ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ኩነታት ኣየር ጠለብ መዝሓሊታት ብምውሳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕረብቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።

ንክልተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ማዕበል ዋዒ ኣብታ ሃገር እቲ ዝነውሐ ከምዝኾነ ማእከል ክሊማ ቻይና ይገልጽ።

ኣብ ጥቓ እቲ ብድርቂ ዝተጎድአ ሩባ ያንግትዚ ዝርከቡ ግዝኣታት ብሰብ-ሰርሖ መገዲ ደበና ናይ ምፍጣር ወፍሪ ጀሚረን ዘለዋ ኮይነን፡ ሁበይ እትርከበን ግዝኣታት፡ ኬሚካል ዝጸዓና ሮኬታት ናብ ሰማይ ይትኩሳ ከምዘለዋ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብ ገለ ከባቢታት ግና ዋሕዲ ደበና ብምህላው ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ከም ሲችዋን ዝበላ ግዝኣታት፡ ድሮ መጠን ዋዒ ልዕሊ 40 ዲግሪሰንቲግረድ ክበጽሕ እንከሎ፡ ተደጋጋሚ ምቁርራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የጋጥም ኣሎ።

ነቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ሓይሊ ኤለሌክትሪክ ንምእላይ ፋብሪካታት ብሙሉእ ወይ ብከፊል ስራሕ ደው ከብሉ ይግበር ከምዘሎ እውን ጽብጻባት ይሕብሩ።