እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ሱዳንን ዝምባብወን ንዑደት ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ኮኒነን
ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዑደት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ኮኒኑ።
እቲ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ዝተቓልሐን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒሰትሪ ዜና እታ ሃገር ዝዀነ ሻባይት ዝወጽአን መግለጺ፡ ዑደት ናንሲ ፔሎሲ፡ ጉድለታትን ዕሽነትን ዓለማዊ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝያዳ ዝተራእየሉ ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ መግለጺ “ኣሜሪካ፡ ንቻይና ናይ ምዕጋት ፖሊሲኣ ንምሕያል ኣብ እትጽዕረሉ፡ ጻሕታሪ ዑደት እታ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ምስ ኵሉ ሓደገኛ ጫሌዳታቱ ኣዋዲዳ” ይብል።
ብተወሳኺ “እዚ ተግባር ግን ናይቲ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ነዚ ዕላማኡ'ዚ ንምስጓም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኤስያ ክኽተሎ ዝጸንሐ ሸለልትነት ዝመልኦ ፖሊሲታት መቐጸልታ ጥራይ እዩ፡” ኢሉ።
ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን፡ ኣብቲ ካብ 1998-2000 ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘካየዳኦ ደማዊ ውግእ፡ ኣሜሪካ ጸግዒ ኢትዮጵያ ወሲዳ ብምባል፡ ኤርትራ ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ ክሕርፍፍ ተራእዩ።
ሱዳን ብወገና ኣብ ሓንቲ ቻይና ከምእትኣምን ብምግላጽ፡ ዑደት ናንሲ ፔሎሲ ዘይቕቡል ምዃኑ ምግላጻ ብመንግስቲ እትውነን ማዕከን ዜና ሱና ትማሊ ኣቓሊሓ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ንዝምባብወ ዝምርሕ ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ'ውን፡ ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ዑደት ምክያዳ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ቻይና ዘለዋ ‘ንዕቐት’ ዘርኢ’ዩ ብምባል ንኣሜሪካ ኮኒኑ።
ጸሓፊ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ክሪስቶፈር ሙትሰቫንግዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዑደት ፔሎሲ ናብ ታይዋን “ጣልቃ፡ ምትዅታኹን ዕሽነትን’ዩ” ኢሉ።
ክሪስቶፈር ሙትሰቫንግዋ “ሓንቲ ቻይና እያ ዘላ፡ ታይዋን ከኣ ኣካል ቻይና እያ” ድሕሪ ምባል “ዑደት ፔሎሲ ንዓለም ናብ ሓድሽ ሃው ዝበለ ኵናት ከምርሓ ይኽእል እዩ” ኢሉ።
“ዑደት ፔሎሲ ንልኡላውነት ቻይና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝዀነ፡ ቻይን ልኡላውነታ ናይ ምሕላው መሰላ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ሓይሊ ምጥቃም ከም ኣማራጺ ክትወስዶ ትኽእል እያ” ይብል ክሪስቶፈር ሙትሰቫንግዋ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ሱዳንን ዝምባብወን ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ቍጠባዊ እግዳ ከምዘንበረት ይፍለጥ።