እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቻይና፡ ሓድሽ ቫይረስ ከምዝተራእየን 35 ሰባት ከምዝተለኸፉን ይንገር ኣሎ
ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ዝተራእየን ብዙሓት ሰባት ለኺፉ ዘሎን ካብ እንስሳት ዝመጽእ ሓድሽ ቫይረስ፡ ምክትታል ይገብሩሉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
እቲ 'ላንግያ' [LayV - ለይቪ] ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ቫይረስ፡ ሻንዶንግን ሄናንን ኣብ ዝበሃላ ግዝኣታት ኣብ 35 ሕሙማት ተረኺቡ'ሎ።
መብዛሕትኦም ድማ ከም ረስኒ፡ ድኻምን ሰዓልን ዝኣመሰሉ ምልክታት ተራእይዎም።
ነቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ከምዝተለኽፍዎ ዝግመት ኰይኑ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላልፍ ከምዝኽእል ዝተረጋገጸ ነገር የለን።
ተመራመርቲ፡ እቲ ቫይረስ ብቐንዱ ኣብታ 'ሽረው' ብዝብል እትፍለጥ ኣንጭዋ እትመስል እንስሳ ከምዝረኸብዎ ገሊጾም ኣለው።
እዚ ርኽበት፡ ኣብ ቻይና፡ ሲንጋፖርን ኣውስትራልያን ዝርከቡ ተመራመርቲ ኣብ ዝጸሓፍዎን ኣብዚ ወርሒ ኣብ 'ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦፍ ሜዲሲን' ዝተሓተመን ደብዳበ ተጠቒሱ ነይሩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዱክ-ኤንዩኤስ ሲንጋፖር ዝሰርሕ ዋንግ ሊንፋ ዝተበሃለ ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ፡ ብመንግስቲ ቻይና ንዝውነን ግሎባል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዛጊት ሕሙማት 'ለይቪ' ኣብ ዝተረኸቦም ሰባት ዝሰዓበ ሞት ከምዘየለ፡ ከምኡ'ውን ጽኑዕ ሕማም ከምዘይተረኣየን ኣረዲኡ፤ ስለዝዀነ "ምስንባድ ኣየድልን" ኢሉ።
ይዅን እምበር ኣብዚ እዋን ዝርከቡ ዘለዉ ብዙሓት ቫይረሳት ንደቂ ሰባት ክለኽፉ ከለዉ ዘይተገመተ ውፅኢት የኸትሉ ስለዘለዉ ሕጂ'ውን ጥንቃቐ ከምዘድሊ ሚስተር ዋንግ ኣተሓሳሲቡ።
ቫይረስ ለይቪ ካብተን ዝተመርመራ ሽረው ዝበሃላ እንስሳት ኣብተን 27 ሚእታዊት ከምዝተረኸበ ዝሓበሩ ተመራመርቲ፡ እተን ሞል ምስ እትበሃል እንስሳ ምምስሳል ዘለወን መጥበውቲ፡ "ባህሪያዊ መኽዘን" ናይቲ ቫይረስ ክዀና ከምዝኽእላ ይሕብሩ።
ምርመራ ካብ ዝተገበረለን ኣኽላባትን ኣጣልን እውን፡ እተን ኣስታት 5 ሚአታዊት ኣኽላባት ከምኡ'ውን 2 ሚእታዊት ኣጣል እቲ ቫይረስ ተረኺብወን።
ማእከል ምቍጽጻር ሕማማት ታይዋን፡ ንምዕባለታት ቫይረስ ለይቪ "ብቐረባ ኣቓልቦ ሂቡ" ይከታተሎ ከምዘሎ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ቫይረስ ካብቶም 'ሄኒፓቫይረስ' ብዝብል ዝፍለጡ ዓሌት ቫይረስ ሓደ ኰይኑ፡ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ክሓልፍ ዝኽእል ምድብ ዙኖቲክ ቫይረሳት እዩ።
ዙኖቲክ ቫይረሳት ኣዝዮም ልሙዳት'ኳ እንተዀኑ ካብ ምጅማር ለበዳ ኮቪድ ጀሚሩ ግን ዝያዳ ኣቓልቦ ዝሰሓቡ እዮም።
ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ሰባት ካብ ዝረኣዩ ሓደስቲ ዝቕልቀሉ ዘለዉ ኣርባዕተ ተላባዕቲ ሕማማት እቶም ሰለስተ ካብ እንስሳታት ከም ዝመጹ ተመራመርቲ ይግምቱ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብሰንኪ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምዝመዛ እንስሳ ዘገዳምን ለውጢ ክሊማን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕማማት ከም እትርኢ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ገለ ዙኖቲክ ቫይረሳት ንደቂ ሰባት ክቐትሉ ይኽእሉ እዮም። እዚኦም ድማ ኣብ ኤስያ ኣብ እንስሳታትን ደቂ ሰባትን በብእዋኑ ዝረአ ቫይረስ ኒፓህ ከምኡ’ውን ኣብ ኣውስትራልያ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ኣፍራስ ዝተረኽበ ቫይረስ ሄንድራ ይርከብዎም።
ካልኦት ተዛመድቲ ሄኒፓቫይረሳት እውን ኣብ ሽረው፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንካዕን ኣንጭዋን 'ሮደንትስ' ብዝብል ዝፍለጣ እንስሳትን ተረኺቦም እዮም።