እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋና ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ከምዝረኸበት ኣረጋጊጻ
ጋና፡ ንመጀመርታ ግዜ ማርበርግ ብዝተባህለ ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ክልተ ሰባት ከምዝረኸበት ኣረጋጊጻ። እዚ ቫይረስ፡ ከም ቫይረስ ኢቦላ ሓያል ሕማም ረኽሲ ዘስዕብ ቫይረስ እዩ።
እቲ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም ሕሙማት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣሻንቲ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝሞቱ ይገልጽ።
እቲ ውጽኢት መርመራኦም፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ'ዚ ብቫይረስ ማርበርግ ከም ዝተጠቕዑ የርኢ። እንደገና'ውን ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ላብራቶሪ (ቤተ - ምርምር) ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰበ-ስልጣን ጥዕና፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ 98 ሰባት ከምዝተወሸቡ ይገልጹ።
ንቫይረስ ማርበርግ ዝኸውን ሕክምና'ኳ እንተ ዘየለ፡ ሓካይም ግን እዅል ማይ ምስታይን ንዝተወሰነ ምልክታት ክንክን ምግባርን ነቲ ሕሙም ብህይወት ንኽቕጽል ዘለዎ ዕድላት ከም ዘመሓይሾ ይገልጹ።
እቲ ቫይረስ ካብ 'ፍሩት ባትስ' ዝበሃላ ዓሌት መንካዕ ናብ ሰባት ይመሓላለፍ፤ ብኣካላዊ ፈሳሲ ድማ ኣብ መንጐ ሰባት ይዝርጋሕ።
ከም ሕማም ርእሲ፡ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ደም ዝሓወሰ ተምላስን መድመይቲን ዝኣመሰለ ምልክታት ዘለዎ ከቢድን መብዛሕትኡ ግዜ ሞት ዘስዕብን ሕማም እዩ።
ሰበ-ስልጣን፡ ሰባት ካብ በዓትታት ክርሕቁን፡ ዝዀነ ስጋን ስጋ ቅድሚ ምብልዖም ተጠንቂቘም ክኽሽኑን የጠንቅቕዎም ኣለዉ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ ኣብ ኣንጎላ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኡጋንዳን ሓሓሊፉ ዘጋጠመ ለበዳታትን ሕማማትን ከምዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ለበዳ ቫይረስ ማርበርግ ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠመ ኣብ 1967 ኣብ ጀርመን እዩ ነይሩ፤ ሸውዓተ ሰባት ድማ ሞቱ።
እቲ ቫይረስ ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝቐተለ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።