እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ በዲዶ ህበይ፡ ምጽኣተ ሓድሽ ኣሻቓሊ ለበዳ'ዶ ይኸውን?
ክሳብ ሕጂ፡ መብዛሕትና ካብ ጭንቅን ስግኣትን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣይተናገፍናን፤ ሕጂ ኸኣ ካልእ ቫይረስ መጺኡ ኣሎ። ንግዜኡ በዲዶ ህበይ እዩ ዝመስል ዘሎ። ኣብዚ ግዜ፡ ኣብተን ክርኣየለን ተባሂሉ ትጽቢት ዘይግበር ዝነበረ ብሪጣንያን ካልኦት 11 ሃገራትን ኣስታት 80 ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ቫይረስ፡ እንታይ'ዩ ዝምዕብል ዘሎ? ክንጭነቕ ድዩ ዘለና? ወይስ ምስ ኮቪድ-19 ዝኣመሰለ ለበዳ ብምሕላፍና ከዛንየያ'ዩ ዘለዎ?
እንተዀነ እዚ ኮቪድ-19 ከም ዘይኰነ ንጻረ የድሊ።
ዝርግሐ ፍንጣጣ ህበይ ንምቍጽጻር፡ ካብቲ ዝጸንሐ እገዳታት ምንቅስቓስ ብዙሕ ኣይረሓቕናን ኣለና። ይዅን'ምበር፡ እዚ ዘይተለምደን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ለበዳ በዲዶ ህበይ እዩ።
እቲ ሕማም፡ ንተመራመርቲ ከይተረፈ'ዩ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ዘሎ። እዚ ቫይረስ፡ ወትሩ ባህሪያቱ ክቐያይር እንከሎ የስግእ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ በዲዶ ህበይ ንምትንባዩ ቀሊል ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።
ብተፈጥሮ፡ ቫይረሳት እዚ ሕማም ኣብ እንስሳ በረኻ ዝርከቡ ኰይኖም ካብ ህበይ ንላዕሊ ኣብ ኣናጹ እዮም ዝነብሩ ተባሂሉ ይግመት።
ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቡ ኣግራብ ሓደ ሰብ በቲ ሕማም እንተ ተለኺፉ እሞ ምስ ካልእ ሰብ እንተ ተራኺቡ እቲ ሕማም ይመሓላለፍ።
በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት፡ ቈርበቶም ሽፍ ይብል፤ ጸኒሑ ኸኣ እናሓበጠ ይኸይድ።
እዚ ቫይረስ፡ ካብ ሓደ ሕሙም ሰብ ናብ ካልእ ጥዑይ ሰብ ንኽመሓላለፍ፡ ነዊሕ ናይ ምትንኻፍ ግዜ የድልዮ። እቲ ለበዳ ፈኲስ እንተዀይኑ፡ ባዕሉ ግዜኡ ሓልዩ የቋርጽ።
እቶም ሕጂ ኣብ ብሪጣንያን ዝተፈላለያ ሃገራትን በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለው ሰባት፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ተጓዒዞም ዝነበሩ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ዘተሓሳሳብ ጉዳይ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ፤
- ንመጀመርታ ግዜ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ተረኺቡ
- እቶም በዚ ሕማም ተለኺፎም ዝተረኸቡ ሰባት ካብ ምንታይ ከም ዝረኸብዎ ኣይፍለጥን
- ፍንጣጣ ህበይ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ይዝርጋሕ ኣሎ
- መብዛሕትኦም በዚ ሕማም ተጠቒዖም ዘለው፡ ሕደ-ጾታውያንን [homosexuals] ምስ ዝተፈላለየ ጾታ፡ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙን'ዮም።
ዳይረክተር 'ኢንስቲትዩት ሳይንስ ለበዳ' ኦክስፎርድ ፕሮፌሰር ሰር ፒተር ሆርቢ፡ "ኣብ ዝተፈለየ ኵነታት ኢና ዘለና፤ ኣዝዩ ዝገርምን ዘጨንቕን እዩ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "እዚ ኮቪድ ቁጽሪ ክልተ ኣይኮነን፤ ግን ድማ ከነወግዶ ዝግበኣና ቫይረስ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ሕማም ከታጥሕ ከይተጸበና፡ ዝግባእ ስጕምቲታት መከላኸሊ ክንወስድ ኣለና፡" ይብል።
ንሕሙማት በዲዶ ህበይ ዝሓከም ዶክተር ኣድለር'ውን በዚ ይሰማማ
"እዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝርኣናዮ ቅርጺ ኣመዓባብላ ኣይኮነን፣ ዝገርም'ዩ፡" ኢሉ።
እንታይ'ዩ ዝኸውን ዘሎ?
እዚ ለበዳ፡ ዝተፈለየ ምዃኑ'ኳ እንተ ተፈለጠ ስለ ምንታይ'ዩ ዝተፈለየ ኰይኑ ዝብል ግን ኣይፍለጥን።
ክልተ ግምታት ግን ኣለው። ሓደ፡ እቲ ቫይረስ ተቐይሩ'ዩ ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ፡ እቲ ናይ ቀደም ቫይረስ ክዝርግሓሉ ዝደሊ ምቹእ ግዜ ረኺቡ ኣሎ ዝብልን እዮም።
እቲ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ በዲዶ ህበይ፡ ምስቶም ኣብ 2018 ከምኡ'ውን 2019 ዝተራእዩ ዓይነታት ቫይረስ ኣዝዩ ዝተቐራረበ እዩ።
እዚ፡ ናይ ሕጂ ግን ሓድሽ ዓሌት ድዩ ዝብል ኣይተረጋገጸን።
ንዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት፡ ዓለም ከም ኢቦላን ዚካን ዝኣመሰሉ ትጽቢት ዘይተገብሮም ዓበይቲ ለበዳታት ርእያ እያ።
ካብዚ ከም እንምሃሮ፡ እቲ ቫይረስ ነዚ ኣጋጣሚ ንኽጥቀም ንርእሱ ክቕይር ኣለዎ።
ፕሮፌሰር ሃይጂንን ሕማማት ትሮፒክን ለንደን ኣደም ኩቻርስኪ፡ "ኢቦላ፡ ኣተሓሳሳቢ ክሳብ ዝኸውን፡ ንምግታኡ ቀሊል እዩ ኢልና ንሓስብ ነይርና፡" ኢሉ።
ሕደ-ጾታውያንን ምስ ክልተኡ ጾታ ዝራኸቡ ደቂ ተባዕትዮን ግን ስለምንታይ ዝያዳ በዚ ሕማም ዝልከፉ ዘለው? ኣጋጣሚ ድዩ? ወይስ ንሳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕናን ብቐጻልነት ምርመራ ኣብ ምግባር ግዱሳት ስለዝዀኑ እዩ? ንጹር ኣይኮነን።
እዚ ለበዳ ባዕሉ ክጠፍእ'ዩ ኢሉ ትጽቢት ዝገብር ዶክተር ኣድለር፡ "ዝያዳ ኣብ ዘመነ በዲዶ ካብ ዝነበረ ፍጥነት ንላዕሊ ይስፋሕፋሕ ኣሎ። ግን ከኣ ዝርጋሐኡ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ዘመላኽት ነገራት ኣይርኣናን፡" ኢሉ።
እቶም ክሳብ ሕጂ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ብኸመይ እዮም ተታሒዞም ዝብል መርኣዪ ኣይህቡን ዘለው። ስለዚ፡ እዚ ቫይረስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ወጻኢ'ውን ክህሉ ይኽእል'ዩ።
ይዅን'ምበር "ህዝቢ ብዙሕ ክጭነቕ ዘለዎ ኣይመስለንን። ኵሎም ምስቲ ቫይረስ ዝተሓሓዙ ነገራት ኣይፈለጥናዮምን ዘለና፤ ኣይተቘጻጸርናዮን'ውን፡" ኣብ ትካል ሃይጅንን ሕክምና ትሮፒክን ለንደን ፕሮፌሰር ጂሚ ዎትዎርዝ ይገልጽ።
ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዝነበርናሉ ኵነታት ኣይኮንናን ዘለና።
በዲዶ ህበይ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ዝነበረ ቫይረስ እዩ፤ ክታበትን ሕክምናን'ውን ኣለዎ።
መብዛሕትኡ ቀልጢፉ ዝሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ህጻናት፡ ነፍሰ ጾር ኣደታትን ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ኣብ ዘለዎም ሰባት ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል።
ብመንጽር ኮቪድ ክርአ እንከሎ፡ እዚ ሕማም ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኡ ዝሕል ዝበለ እዩ።
ፍሉይን ቃንዛ ዘለዎ ሳሓ ስለ ዘርኢ ኸኣ፡ ብቐሊሉ ክፍለጥ ይኽእል።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤውሮጳ፡ ሃንስ ክሉጅ ግን፡ "ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝእከቡሎም፡ በዓላትን ውራያትን ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ክሰፍሕ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።ዕ።