እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፍንጣጣ ህበይ' ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ይርአ'ሎ
ኣብ ኣውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጥልያንን ሽወደንን ዝኣመሰላ ሃገርት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን፡ 'ፍንጣጣ ህበይ' ዝሓመሙ ሰባት ከምዝተረኽቡ ሰብ መዚ ጥዕና፡ ንማዕከናት ዜና እተን ሃገራት ኣፍሊጦም።
ንምዃኑ ፍንጣጣ ህበይ እንታይ እዩ?
ፍንጣጣ ህበይ ብሰንኪ እቲ ምስ ፍንጣጣ ዝመሳሰል ቫይረስ ዝመጽእ እዩ፤ ብዓቢኡ ምስ ሕማም ፍንጣጣ 'ውን ዝመሳሰል እዩ። ኰይኑ ግን እቲ ቫይረስ ኣዝዩ ከቢድ ከምዘይኮነን፣ ብእኡ ናይ ምልካፍ ዕድል'ውን ትሑት ከምዝዀነ ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ብፍንጣጣ ህበይ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ውሽጢ ውሑድ ሳምንቲ ከምዝሓውዩ፡ ሃገራዊ ኣጋልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይሕብር።
እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፈሉ ዕድል ትሑትን ንህዝቢ ዘየስግእን ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥም ሕማም እዩ። ካብዘን ሃገራት ወጻኢ ምስ ጕዕዞ ብዝተሓሓዝ ምኽንያታት ክርአ ይከኣል።
መጀመርያ ኣብ ብሪጣንያ በዚ ሕማም ተታሒዙ ዝተረኽበ ሰብ፡ ብ 07 ግንቦት እዩ። እቲ ሰብ ናብ ናይጀርያ ተጓዒዙ ስለዝነበረ፡ ነቲ ቫይረስ ሒዙ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝተመልሰ ይእመን፡ ብምባል ትካል ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ብሪጣንያ፡ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ 9 ሰባት አለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ ኣውስትራልያ ብወገና፡ በቲ ሕማም ዝተጠርጠረ ናይ መጀመርያ ሰብ ከም ዝረኸበት ክትገልጽ እንከላ፣ እቲ ሰብ ሕማም ዝተሰምዖ ካብ ጕዕዞ ኣውሮጳ ምስተመልሰ እዩ።
ሓሙስ'ውን ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ሽወደን ሓደ በቲ ሕማም ዝተታሕዘ ሰብ ተረኺቡ ኣሎ። ኣብ ጥልያን ሓደ ሰብ ክርከብ እንከሎ፡ ኣብ ፈረንሳይ ድማ ሓደ ዝተጠርጠረ ሰብ ይርከብ።
ሰበ ስልጣን ሽወደን እቲ ሰብ ብኸመይ በቲ ሕማም ከም ዝተታሕዘ ንጹር ከምዘይኮነ'ኳ እንተገለጹ፡ ካብ ደሴታት ካናሪ ካብ ዝምለስ ብዙሕ ዘይጸንሐ ምልክታት 'ቲ ሕማም ከም ዘርኣየ ማዕከናት ዜና ይሕብራ።
ብረቡዕ፡ ኣብ ፖርቱጋል 5፡ ኣብ ስጳኛ ድማ 7 ሰባት ብፍንጣጣ ህበይ ከም ዝተትሓዙ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዛጊት ጸረ ሕማም ፍንጣጣ ህበይ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሰበ ስልጣን ጥዕና ስጳኛ ግን፡ ብርክት ዝበለ ክታበት ፍንጣጣ ከምዝዓጉ ኤል'ፐስ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ሰበስልጣን ጥዕና ግዝኣት ማሳቸቱስ፡ ሓደ ሰብ በዚ ሕማም ከም ዝተለኽፈ ኣረጋጊጾም ኣለው።
ንሱ፡ ናብታ ዛጊት 13 ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝተለኽፉ ዝግለጸላ ዘሎ ካናዳ ተጓዒዙ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ'ሎ።
ብመሰረት'ቶም ሰበስልጣን ጥዕና፡ እቲ ሰብ ሆስፒታል ደቂሱ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዝርከብን፡ "ንህዝቢ ሓደገኛ ሳይዕቤን የብሉን፡" ኢሎም።