መጠነ- ሞት ህጻናት ዘጕድል ምህዞኣዊ ስራሕ ዝሰርሐ ኢትዮጵያዊ

ሃብታሙ ኣባፎጊ እዩ ዝበሃል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ መምህር ባዮመዲካል ኢንጂነሪን ኰይኑ፡ መስራትን ሓላፍን ትካል ሲምቦ ኣፍሪካ ሄልዝ ኬር እዩ።

ሃብታሙ ካብ ሞያ ምምህርና ንላዕሊ ስሙ ዘጸውዓሉ ዘሎ ዓውዲ፡ ምህዞ መሳርሒታት ሕክምና እዩ።

በዞም ምህዞኣዊ ስርሓት ዝተፈላለዩ ሽልማታት ረኺቡ ኣሎ።

ካብቶም ዝሰርሖም ዘሎ ምህዞታት ሓደ፡ መጠን ሙቐት ህጻናት ኣብ ዝድለ መጠን ብምስትኽኻል፡ ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ክኽሰት ካብ ዝኽእል ሕማም ሃይፖተሚያ [Hypothermia] ከይጥቅዑ ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ።

ሃይፖተርሚያ፡ ኣካላትና ካብቲ ዘመንጭዎ ሙቐት ንላዕሊ ሙቐት ብቕጽበት ከጕድል እንከሎ፡ እሞ ጥዕናና ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ዝኽሰት እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ሙቐት ሰብነት ሓደ ጥዑይ ሰብ፡ ካብ 36.5-37.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ክኸውን ይግባእ። ካብዚ ንታሕቲ ዝዀነ ሙቐት ሃይፖተርሚያ ተባሂሉ ይፈለጥ።

ሙቐት ሰብነት ብዓቢይ መጠን እንተቐኒሱ፡ ስርዓተ መትኒታት ኣካላትናን፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላትናን ብግእቡ ክሰርሑ ኣይክእሉን። እዚ ኵነታት እዚ ብኣጋ ግቡእ ሕክምናዊ ረዲኤት እንተዘይረኺቡ፡ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ከም ዝኽእል ሃብታሙ ይገልጽ።

እዚ ሃብታሙ ዝመሃዞ መሳርሒ፡ "ኢንፋንት ራዲያንት ዋርመርስ" ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

እቲ መሳርሒ፡ ዝተፈላለየ ጥቕምታት ዝህብ ምዃኑ ሃብታሙ ይዛረብ።

ብሰንኪ'ዚ ሃይፖተርሚያ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ዝዀኑ ህጻናት ከም ዝሞቱ ሃብታሙ ይዛረብ።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሰፍ'ውን፡ ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ መዓልቲ 240 ዝዀኑ ህጻናት ከም ዝሞቱ ይግለጽ። እዚ ሓቅታት'ዚ ድማ፡ ነዛ ኢንፋንት ራዲያንት ዋርመርስ ክብል ዝሰየማ መሳርሒ ክምህዝ ከም ዝደረኾ ይዛረብ።

ብዛዕባ'ዚ ከብርህ እንከሎ ሃብታሙ፡ እዛ መሳርሒ'ዚኣ ካብ ደገ ክትግዛእ እንከላ፡ ንሓንቲ መሳርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከም ዘድሊ ይዛረብ። "ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከነፍርያ እንተኽኢልና ግን ብሰለስተ ዕጽፊ ትጐድል፡" ይብል።

ብተወሳኺ እዛ መሳርሒ፡ እቲ ኤሌክትሮሜካኒካዊ ዲዛይና ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ዝተገብረ የረድእ።

ንምህዞ ዝደረኹ ምኽንያታት

ሃብታሙ፡ ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ጥቑር እንበሳ ዝረኣዮ ትዕዝብቲ እዩ ይዝክር።

ኣብኡ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ፡ እተን ሂወት ንምድሓን ኣገደስቲ ዝዀና መሳርሒታት ብተደጋጋሚ ክበላሸዋ ኣስተውዒለ።

"ብቐጻሊ ክንጽግን ንውዕል ኔርና፣ ገሊአን ተመሊሰን ይበላሸዋ፣ ኣነ ድማ ነዚ ምስ ተዓዘብኩ፡ ስለምንታይ እየ ኣብ ጽገና ክንድዚ ግዜ ዘጥፍእ ኢለ ክሓስብ ጀሚረ። ካብኡ ነቒለ ድማ፡ ስለምንታይ ከ ሓድሽ መሳርሒ ሕክምና ክሰርሕ ዘይሓስብ ኢለ። ካብዚ ሓሳብ'ዚ ነቒለ እየ ድማ ናብዚ ፈጠራዊ ስራሕ ክበላሓት ተደረኺ፡" ይብል።

ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገለ መማህራን ንስርሓቱ ዝህብዎ ዝነበሩ ምትብባዕ ሞራል ከም ዝዀኖ ይገልጽ።

እዚ ይዅን ግን፡ ኣብ ፈለማ ሓሳብካ ዝቕበሎ ሰብ ክትረክ ኣጸጋሚ እዩ። "ኣብ ከባቢኻ ብዝርከብ ነገራት ሓደ ፈጣራዊ ስራሕ ክሰርሕ እኽእል እየ፡" ክብሎም እንከለኹ ብዙሓት ገለ ዝጠቅም መሳርሒ ክስርሕ ከም ዝኽእል ኣይኣመኑን ነይሮም።

ኣነ'ውን ንባዕለይ፡ "እዚ ሕጂ ዘውጻእክዎ መጠን ገንዘብ ዝውድእን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነዚ መሳርሒ ንምጥቃም ክሳብ ክንድኡ ተበግሶ ከምዘየለ እንተዝፈልጥን ነይረ፡ ናብ ከምዚ ዝበለ ምህዞ ኣይምኣተኹን ነይረ፡" ብምባል፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጠምዎ ብድሆታት ይጠቅስ።

ነዚ መሳርሒ ንምስራሕ፡ ካብ ዕዳጋታት ጂማ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ካብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ንብረት እናድዩ፣ እቲ ቀዳማይ ሞዴል - 'ፕሮቶታይፕ' ክሰርሖ ከም ዝኸኣለ ይዛረብ።

ኣብዚ ሰዓት'ዚ፡ ዘድሊ መለክዒታት ብቕዓት ንምሕላፍ፡ ዘድሊ መስርሕ ይካየድ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ሃብታሙ፡ ናብ ፍርያት ንምእታው ኣብ ጽቡቕ ኣንፈትን ተስፋታንት ከም ዝተበጽሐ ይገልጽ።

መሳርሒታት ጥዕና ንምጽጋን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ንምርካብ ኣጸጋሚ ስለዝዀነ፡ መደብና ግን፡ ኣብ 130 ኪሎ ሜትር ራድየስ ማእከል ጽገና መሳርሒታት ጥዕና ክህሉ ምግባር እዩ ይብል።

ብኻልእ ወገን እዛ ማሽን፡ ንመጽናዕትን ምርምርን ዘድሊ ዳታ በይዝ ክትሕዝ ትኽእል ምዃኑ፤ ጸገም ኣብ ዝህልወሉ ኣቐዲማ መጠንቀቕታ ምልክት ስለእትህብ፡ እዛ መሳርሒ ፍሉይነት ካብ ዝህብዎ ነጥብታት ምዃኖም የረድእ።

ብሓፈሻ እዛ ውጽኢት ፈጥራ ዝዀነት መሳርሒ፡ ሞት ህጻናት ብምጕዳል፡ ሸርፊ ወጻኢ ብምቝጣብ፡ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፡ ከምኡ ድማ ምህዞኣዊ ስርሓት ብምትብባዕ፡ ኣብ ዕብየት ቝጠባ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ኣስተዋጽኦ ኣለዋ ኢሉ ከም ዝኣምን ይገልጽ።

ሽልማታት ዝረኸበ ምህዞ

እዛ ፕሮጀክት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብቲ ዓቢይ ውድድር ፈጣራዊ ስራሕ ኢትዮጲያ - 'Grand challenge Ethiopia' ቀሪባ ብምዕዋት፡ ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ተሸሊማ እያ።

መሃንድሳዊ ስርሓት እዛ ማሽን፡ ዘድሊ ናይ ወረቐት ስርሓት ቅድሚ ክልተ ዓመት'ኳ እንተ ተወድአ፡ ብሰንኪ ትካላት ቍጽጽርን ሕጽረት ፋይናንስን ብዝድለ መጠን ናብ ሕብረተሰብ ክትበጽሕ ከምዘይከኣለት የረድእ።

"ኣብዚ እዋን ግን፡ ዝምልከቶም ኣካላት ዘድሊ ኣቓልቦ ሂቦምዋ ስለዘለው፡ ናብ ፍርያት ተመሊስና ኣለና፣ ንተሓከምቲ ድማ ዘድሊ ኣገልግሎት ከም እትህብ ክንገብር ኢና፡" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሃብታሙ፡ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን፡ "ዩቪ ኣልትራቫዮለንት ስተራላይዘሽን' [UV ultraviolent sterilization] ዝተባህለት ማሽን ብምስራሕ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ 50 ከተማታት ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ከም ዘቕረበ ገሊጹ።

በዚ ድማ፡ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብምምሕያሽ ኣስተዋጽኦ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ እተን ማሽናት ብልሽት ኣብ ዘጋጥመን፡ ብቕልጡፍ ኣብቲ ቦታ ብምጻሕ ጽገና ክገብር ምኽኣሉን ይዛረብ።

እዚ ፈጠራዊ ስራሕ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ "ግራንድ ካናዳ ቻለንጅ" ኣብ ዝብል ውድድር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ፡ "ግራንድ ኢትዮጲያ ቻሌጅ" ኣብ ርእሲ ምስታፉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣብ ሓሙሽተ ውድድራት ከም ዝተዓወተ ይገልጽ።

ኣብ መወዳእታ፡ በዚ ፈጠራዊ ስራሕ'ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዓለምለኻዊ መድረኻትን፡ ፈጠራዊ ስርሓት ቴክኖሎጂ ጥዕና ኣፍልጦ ምርካቡ ይገልጽ።