እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ግዜ ስርዓት ደርግ ኣትሒዞም ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ዝጽዓሩ ኣቦ 11 ቈልዑ
ስሩዕ ትምህርቲ ንምርካብ ዝገበርዎ ፃዕሪ ካብ ግዘ ስርዓት ደርግ ክሳብ ብልፅግና ሰለስተ ምምሕዳራዊ ዘበናት ተሳጊሩ።
ኣይተ ታደሰ ጊቺሌ ኣብ ምዕራብ ወለጋ እዮም ተወሊዶም። ሓረስታይ እዮም፤ ኣብ ትርፊ ግዘኦም ድማ ኣብ እንዳ ሻሂ ተቖፂሮም ይሰርሑ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ታሪኽ ኣይተ ታደሰ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩ።
ኣብ 69 ዓመቶም ተመሃራይ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ምዃኖም ብዙሕ የዘራርብ ኣሎ።
ኣቶ ታደሰ፡ ቈልዓ እንከለው ስለ ዝኾነ ዝዘኽተሙ [ወለዶም ዝስኣኑ] ዝጀመሩዎ ትምህርቲ ናይ ምዝዛም ሕልሞም ተኾሊፉ።
"ቀደም ኣቦይን ኣደይን፡ ቈልዓ እንከለኹ ስለ ዝሞቱኒ ክመሃር ኣይከኣልኩን" ይብሉ።
ኣብ ግዘ ስርዓት ደርግ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ'ዮም ተማሂሮም፤ ሓላፍነት ስድራ ምስ ተሰከሙ ግን ትምህርቶም ከቋርፁ ተገዲዶም።
ሓዳር ምስ መስረቱ ድማ ኣብ ዘበነ ኢህወደግ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም። ሕጂ'ውን እቲ ዝጀመርዎ ትምህርቲ ክቕፅልዎ ኣይከኣሉን።
"ሰበይቲ ምስ ኣእተኹ ድማ፡ ቆልዑ ስለ ዝበዝሑኒ ብፕሮግራም ብፕሮግራም (እናተምሃርኩ፡ እናቋረፅኩ) ቀፂለ" ይብሉ።
ዋላ'ኳ ድሕሪ ዓመታት ናብ መኣዲ ትምህርቲ እንተተመለሱ፡ "ብዙሕ ፀገማት ስለ ዘጋጠሞም፡ ናብ ሕርሽኦም ከም ዝተመለሱ" ይዛረቡ።
ወዲ 69 ዓመት ኣይተ ታደሰ ንጸገም ኢዶም ኣይሃቡን። ኣብ 2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ ሻምናይ ክፍሊ ትምህርቲ ቀፂሎም።
"ዘበናዊ ትምህርቲ ክስእን የብለይን ኢለ፡ ናብ ሻምናይ ክፍሊ ተመሊሰ ፈተና ወሲደ። ድሕሪኡ ታሽዓይን ዓስራይን ክፍሊ ተማሂረ"።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሕልሞም ሓደ ስጉሚ ምስ ቀረቡ ድማ ፈሺሉዎም።
"ዓሚ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ወሲደ ሰኣን ሓደ ነጥቢ'የ ወዲቐ" ይብሉ።
ድሕሪኡ፡ ብውልቆም ዳግማይ ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተነ ተፈቲኖም። 502 ነጥቢ ኣምፂኦም ሓሊፎም።
"ብውልቀይ መሊአ እንትፍተን፣ ኣምላኽ ኣጋጢሙኒ 502 ኣምፂአ ሓሊፈ" ኢሎም።
ሕዚ ተመሃሪ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ኮይኖም ኣለው። ኣይተ ታደሰ፡ ዝጸንሐ ጥሙሕ ትምህርቲ ከም ዘለዎም'ዮም ዝዛረቡ።
"ቀደም ናፍቖትን ድሌትን ትምህርቲ ነይሩኒ። ሰብ ኣብ ዝበፅሖ ክበፅሕ ኣለኒ። ስለ ምንታይ? እንተተባሂሉ ንመፃኢ ብዙሓት ትልምታት ኣለዉኒ። ዝተምሃረ ሰብ እዩ፡ ኩሉ ነገር ምስራሕ ዝኽእል" ይብሉ።
ንድሕሪት ምልስ ኢሎም እንትዝክርዎ፡ ወለዶም ብሂወት እንተዝህልዉ፡ "መሓዙተይ ኣብ ዝበፅሕዎ ክበፅሕ ነይረ" ብምባል የስተማስሉ።
ኣይተ ታደሰ፡ ሕጂ ኣቦ 11 ቆልዑ እዮም።
ንርእሶም ዝፈትውዎን ዝምነይዎን ትምህርቲ፡ ብደቆም ንምስኻዕ ዝገበርዎ ፃዕሪ ብኽፋል እውን እንተዀነ፡ ዝሰመረሎም ይመስል።
"ካብ 11 ደቀይ እቲ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፋብሪካ እዩ ዝሰርሕ። እቲ ካልኣይ ድማ ዓሚ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ተመሪቑ፡ ስራሕ ይደልይ ኣሎ። ካልኦቶም ካብ ሻምናይ ክፍሊ ጀሚሮም ክሳብ መውዓሊ ህጻናት ይመሃሩ ኣለዉ። ኣርባዕቲአን ደቀይ ግና ኣይንመሃርን ኢለን ሓዳር ገይረን። ምስ በዓልቲ ቤተይ ተማኺረ፡ ንዓኽን ዘእቱ የለን ኢለ ነጊረየን" ይብሉ።
ኣይተ ታደሰ፡ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስ ኣቦነት፣ ሕርሻን ስራሕ እንዳ ሻሂን ኣጠዓዒሞም እዮም ወዲኦም። ኣንጊሆም ሰዓት 11፡00 ይለዓሉ።
ናይ ሕርሻ ግራቶም ኣለሳሊሶም፡ ንጉሆ ሰዓት 2፡30 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ። ድሕሪ ሰዓት ድማ ናብ ማሕረሶም ይምለሱ።
"ክሳብ 12 ክፍሊ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ንዓና ቀረባ እዩ። 10 ደቒቕ እዩ ዝወስድ። ናይ ሕርሻ ቦታይ ድማ ካብ ገዛይ ናይ 25 ደቒቕ መገዲ እዩ። ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11፡00 ተላዒለ፡ ሕርሻይ ኣዳሊወ ናብ ትምህርቲ ይኸይድ። ካብኡ ሰዓት ትሽዓተ ተመሊሰ ኣብዑረይ ፀሚደ እሓርስ። ቡን እተክል" ይብሉ።
ሙሉእ መዓልቲ ኣብ ትምህርትን ሕርሻን ውዒሎም፡ ምሸት ደቆም ምስ ደቀሱ ድማ ካብ ሰዓት 4፡00-9፡00 [ድሕሪ ቀትሪ] የፅንዑ።
ንትምህርቲ ብሰለስተ ምምሕዳራዊ ዘበናት ፈቲሸሞ እዮም። ኣብ ግዘ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ሕዚ ምስ ዘሎ ዝፈላለይ እኳ እንተኾነ ኣይከበዶምን።
"ንኣብነት፡ ትምህርቲ ሒሳብ ናይ ቀደምን ናይ ሕዝን ይፈላለይ እዩ. . . ፊዚክስን ኬሚስትርን ኣይኸብዱንን። ብደንቢ'የ ዘፅንዕ" ብምባል፡ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣብ ዝሰርሕሉ ድማ ጎኒ ጎኒ ከም ዘፅንዑ ይዛረቡ።
ምስ ዕድመን ምድርራብ ሓላፍነትን ኣይደኽሞምን'ዶ ? ክንብል ሓቲትናዮም።
"ኣይደኽመንን። ናይ ጉልበት ስራሕ ንባዕሉ ስፖርት እዩ። ኣብ እንዳ ሻሂ እሰርሕ። ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድማ ንባኒ ዝኸውን ሊጥ ይለውስ። ደብተረይ ሒዘ ኣብኡ ኮይነ የጽንዕ። ሓጎስ እስምዐኒ" ኢሎም።
በዓልቲ እንደኦምን ደቆምን፡ ኣይተ ታደሰ ብትምህርቲ ምቕፃሎም ይድግፍዎ እዮም።
"መሓዙትካ ኣብ ዝበፅሕዎ ክትበፅሕ ኢኻ ኢሎም ፈቒዶምለይ። ፀገም የለን፤ ንተሓጋገዝ ኢና" ይብሉ።
ተምሃራይ ካልኣይ ብርኪ እንከለዉ፡ ብመምህራኖምን ሓቢረሞም ብዝመሃሩን መናእሰይን ይነኣዱ ከም ዝነበሩ ይዛረቡ።
ምስኦም ብፍርቂ ዕድመ ምስ ዝንእሱ መናእሰይ ይመሃሩ እንተነበሩ'ውን፡ ንምርድዳእ ኮነ ከምቶም መናእሰይ ንምጉያይ ከርና ኣይተፀገሙን።
"መምህራነይ ምስጋና የቕርቡለይ. . . ተምሃሮ ይሕጎሱ። 'ኣቦና ኣብ ሞንጎና ኮፍ ኢሎም ስለ ዝመሃሩ ተስፋ ረኺብና ኢና። ካብ ሕዚ ንደሓር ትምህርትና ኣይነቋርፅን' ብምባል ብጣዕሚ ይሕብሕቡኒ። ምስቶም ቈልዑ ኵዕሶ እፃወት። ቀደም'ውን እኮ ስፖርተኛ እየ ነይረ! ኣይኸብደንን። ብጣዕሚ እሕጎስ" ይብሉ።
ኣይተ ታደሰ ዓብይ ብምዃኖም፡ ነቶም መናእሰይ ይምዕድዎም።
". . . ትምህርቲ እንከይወዳእኹም ኣብ ሜዳ ተንከራቲትኩም ጫት ካብ ትቕሕሙ፣ ኣልኮል ካብ ትሰትዩ፣ ጠላዕ ካብ ትፃወቱ፣ ኣብ ወረን ዘይኮነ ቦታ ካብ ትውዕሉን በይዛኹም ትምህርትኹም ተኸታተሉ። ዝተምሃረ ሰብ ኩሉ ነገር ክፍፅምን ዝደለዮ ክረክብን ይኽእል እዩ። ሃገር ክመርሕ፣ ፕሮፌሰር፣ ሓኪም ክኸውን ይኽእል. . ."።
ሕልሚ ኣይተ ታደሰ ሓኪም ምዃን እዩ።
ድሕሪ ቃልሲ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሶም " ንኣምላኽ ኣመስግኖ" ይብሉ።
"ዝምነዮ፣ እንተድኣ ተሳኺዑለይ ዶክተር ክኸውን እደሊ። ንምንታይ? እንተይልክኒ፡ ንብዙሕ ሰብ ምእንታን ክሕግዝ እየ ነዚ መሪፀ" ብምባል ባህጊ ፅበሖም ነጊሮምና።
ትምህርቲ ዕድመ ይግድቦ እዩ ዋላ'ኳ እንተዘይተብሃለ፡ ንብድሆታት ሓሊፎም ሓደ ግዘ ጥራሕ እንተይኮነስ ብተደጋጋሚ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ እንታይ ኣበርቲዕዎም? ኢልናዮም።
ወዲ 69 ዓመት፡ ተምሃራይ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ኣይተ ታደሰ፡ ". . . ልምዓት ምዝርጋሕ ዝከኣል፣ ሹቕ ምርካብ ዝከኣል፣ ፋብሪካ ምጥያሽ ፣ ንሃገር ንምሕጋዝ ኮነ ንህዝቢ ንምሕጋዝ ትምህርቲ የድልይ። ብዘይ ትምህርቲ ዝሳኻዕ ነገር የለን። ልበይን ሓንጎለይን ንኽዓቢ ክመሃር እየ!" ብምባል ሓሳቦም ይዛዝሙ።