ንስነ-ጥበባዊት ሊዲያ ሞገስ 'ተባኣሲት' ዝገበራ እንታይ እዩ?

ሊድያ ሞገስ፡ 'ላምባ' ኣብ ዝተብሃለ ፊልም ድሕሪ ምውስኣ እዮም ብዙሓት ዝፈልጥዋ። ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ላምባ ብዘርኣያቶ ብቕዓት ናእዳ ክትረከብ እንከላ፡ ብርክት ዝበለ ሽልማት ረኺባትሉ እያ።

ሊድያ ካብ ተዋስኦ ብዝዘለለ ብዝተምሃረትሉ ማርኬቲንግ'ውን ትሰርሕ እያ።

ናብ ድሕሪት እንትንምለስ ግና፡ ሊድያ 'ብሓያልነታ፣ ብተባኣስነታን' ብተደጋጋሚ ካብ ቤት ትምህርቲ ብምስጓግን እያ ትፍለጥ። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ንዝተንከፋ ተምሃራይ ከም ኩዕሶ ኣልዒላ ካብ ምንጋዕ፡ ወይ 'ሓፍ ኣቢላ ካብ ምድርባይ' ንድሕሪት ኣይትብልን።

ክልተ ዓመታት ካብ ዝፀነሐትሉ ካብዚ ቤት ትምህርቲ ወፃኢ ዝነበራ ባህሪ ድማ ካልእ እዩ። ናብ ቤተክርስያን ብምኻድን ማርሻል ኣርት ብምምሃርን ፅቡቕ ስነ ምግባር ኣኻዕቢታ'ያ። ካብ መውዓሊ ህፃናት ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ትበፅሕ፡ ሊድያ ምስ መሓዙታ ትረዳዳእ፣ ኣብ 'ሚኒ ሚድያ' ትሳተፍ፣ ንትምህርታ ንፍዕትን ብባህሪኣ እትምስገንን'ያ ነይራ።

እሞ ናይ ሊድያ ባህሪ ደኣ እንታይ ቀየሮ? መድሃልቲ- (ቡሊንግ)!'

"መድሃልቲ (ቡሊንግ) እንታይ'ዩ?

'ቡሊንግ' ንዝብል ፅንሰ ሓሳብ ዋላ'ኳ ቀጥታዊ ትርጉም ኣይረኸቦ፡ ንሰባት ምሕራቕ፣ ምድሃል፣ ምሽምቓቕ፣ ምጥቃዕ ከምኡ'ውን ናይ ሓይሊ ስምዒት መንፈስ ምንፅብራቕ ብዝብል ክግለፅ ይኽእል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዲን ትምህርትን ባህርያትን ከምኡ'ውን መምህር ስነ-ኣእምሮ ዶክተር የቆየዓለም ደሴ፡ ንቡሊንግ ቀጥታዊ ትርጉም ምርካብ ከቢድ ከምዝኾነ ይገልፅ። እንተኾነ ጥቕዓት ብዝብል ክግለፅ ከምዝኽእል የረድእ።

"ቡሊንግ ወይ ጥቕዓት፡ ሓደ ሰብ ንክሽቑረር፣ ንክፈርሕ፣ ንክሰግእ፣ ንክሳቐቕ ዝገብሩ ኣካላዊ፣ ስነ ልቦናዊ፣ ስምዒታውን ፀቕጥታት ምፍጣር'ዩ" ዝብል ዶክተር የቆየዓለም፡ ቡሊንግ ነገር ናይ ምፅሕታር ሓደ ዘርፊ'ዩ ይብል።

በዚ ኩነታት ዝሓለፈት ሊድያ ድማ፡ "ቡሊንግ ሓደ ሰብ መሰሉ ወይ ብዝተውሃበ ነገር ከይተኣማመንን ዝደልዮ ነገር ንከይረክብ ብሰባት ፀቕጢ እንትግበረሉን'ዩ" ብምባል ትገልፆ።

ሊድያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብናይ ባዕላ መገዲ ክትጓዓዝ ምፍታናን "ካልኦት ዝብልዎ ኩሉ ክትቅበል" ዘይምድላያን ብኻልኦት ነቐፌታ ክቐርበላን፣ ምንሻው ክንተተኣናግድን ምኽንያት ኮይኑ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ፀላዊት ምስ ዝኾነት ካልእ ተምሃሪት ብዝነበራ ዘይምስምማዕ፡ ብዙሓት ተምሃሮ ምስኣ ክመሓዘዉ ኣይደልዩን ነይሮም።

በዚ ምኽንያት እዚ "ወላ ሓደ ዝተፈለየ ነገር እንከይሃለዎ" ብኣከዳድንኣ፣ ብኣሰራርሓ ፀጉራ "ብምብጫው" ካልኦት ተምሃሮ ክስሕቑን ንሳ ክትሽቑረርን ይግበር ከምዝነበረ ትዝክር።

"ክኣቱን ክወፅእን ስም ይወሃበኒ፤ ኣብ ክፍሊ ወፅየ ዕዮ ገዛ እንተቕረብ ይስሕቑኒ፣ ወረቐት ይድርብዩለይ፣ ናይ ምሳሕ መትሓዚ ስልጣንያይ ይስረቐኒ፣ ሓደ ሓደ መዓልቲ ምስሐይ ኣብ ሻንጣይ ተደፊኡ እረኽቦ ነይረ። ናብ መምህራን ከይደ እንተጠራዕኹ'ውን፡ እዚ ቁልዕነትን ቀልድን'ዩ እናበሉ ኣይሰምዑንን። ብድሕሪኡ ኣነ'ውን ሓያል ኮይነ" ትብል ሊድያ ንቤተሰባ ሓዊሱ ዝሰምዓ ከምዘይነበረ ትገልፅ።

ስድርኣ፡ "እቲ ቤት ትምህርቲ ስለዘይፈተኽዮ ኢኺ ሓያልን ረባሺትን ኮይንኪ" ብምባል ነዚ ፀገም ትኹረት ኣይሃብዎን።

ሊድያ፡ ማርሻል ኣርት ንሰባት ምውቃዕ ከምዘይምዕድ'ኳ እንተፈለጠት፡ ንርእሳ ንምክልኻል ግና ንዘሸቑርርዋ ተምሃሮ ትዋቓዕ። እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ን 15 መዓልታት ወይ ንሓደ ሰሙን ካብ ትምህርቲ ክትእገድ ገይርዋ።

ዶክተር የቆየዓለም፡ ኣብ ሊድያ ዝበፅሐ ሓዊሱ ብዙሓት ዓይነታት ቡሊንግ ከምዘለዉ ይገልፅ። ቡሊንግ ከም ምውቃዕ፣ ምትንኳይ፣ ቦርሳ ምምንጣል ወይ ብኻልእ መገዲ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክግለፅ ይኽእል።

ብምፅራፍ፣ ብምንሻው፣ ሳጓ ብምሃብ፣ ብምድሃልን፣ ምጥቑቛምን ዝኣመሰሉ መገድታትን'ውን ይግለፅ። ስም ብምጥፋእ፣ ብሓሜትን ብተመሳሳሊ ዓይነት መገድን ዝፍፀም ድማ ማሕበራዊ 'ቡሊንግ' ተባሂሉ ይፅዋዕ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ድማ: እዚ ዘበን 'ሳይበር ቡሊንግ' (ሳይበራዊ መድሃልቲ) ሒዙ መፂኡ'ዩ።

'ሳይበር ቡሊንግ' ዋላ'ኳ ዝተፈላለየ መልክዕ እንተሃለዎ ብማሕበራዊ መራኸብታት ኣቢሉ ንሰባት ምድሃል ሓደ መግለፂኡ ከምዝኾነ እዩ እቲ መምህር ስነልቦና ዘረድእ።

ስለዚ፡ "ቡሊንግ ዝበሃል ዘይብሉ ቦታ የለን፣ ንቡሊን ዘይትቃልዓሉ መገዲ የለን፡ ኣብ ቤት ትምህርትን ናይ ስራሕ በታን ልሙድ'ዩ" ብምባል የብርህ።

መብዛሕትኡ ግዘ ንኻልኦት ሰባት ዘሸቑርሩ ሰባት፡ ልዕሊ እቶም ዘጥቅዕዎም ሰባት ጉልበት ኣለዎም። "ኣነ ካብ ካልእ ዝበለፅኩ'የ" ካብ ዝብል ዝብገስ ብምዃኑ ዝኮነ ሰብ ነዚ ጥቕዓት ዝተቓልዐ'ዩ።

ሰባት ብሰንኪ ፀገም ስብእና፣ ንርእሶም ግዳይ ቡሊንግ ብምዃኖም፣ ልዕልነት ንምንፅብራቕ፣ ኣዝዩ ጥቡቕ ብዝኮነ ኣተዓባብያ ምሕላፍ፡ ሰባት ንኻልኦት ንከሸማቕቑ ብምክንያት ዝጥቀሱ ምካኖም ዶክተር የቆየዓለም ይሕብር።

ሳዕቤን 'ቡሊንግ' እንታይ እዩ?

ሊድያ፡ መድሃልቲ (ቡሊንግ) ዘስዓበላ ጸገም ሕጂ'ውን ከም ዘይላቐቓ ትዛረብ።

ኣብቲ ጊዜ፡ ብተደጋጋሚ ስምዒት ዓርሰ ምትሓት ወይ ጥፍኣተኝነት ንክስምዓ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንክትሓንኽ ናብ ርእሳ ዝድርበዩ ዝነበሩ ቃላት "ሓቂ ድዩ?" ኢላ ንርእሳ ክትጠራጠር ይገብራ ነይሩ።

"ንሶም ከም ዝበሉዎ ቀጣን ድየ? መልክዐኛ'ዶ ኣይኮንኩን? ጸጉረይ ሕማቕ ድዩ? ንክብል፣ ዘለኒ ነገር ንከይፈትዎ፣ ብዛዕባ ነብሰይ ዘለኒ ግምት ክቕየር፣ ንነብሰይ ክጸልእ፣ ርእሰ ተኣማንነተይ ክንኪ፣ ካብ ገዛ ወጺአ ክሳብ ዝምለስ ርእሰ ተኣማንነት ንከይህልወኒ ገይሩ'ዩ" ትብል።

ወሲኻ፡ "በቲ ዕድመ እቲ ብሕታውነት ይስምዓኒ ነይሩ፤ ይጭነቕ ነይረ። ካብ ትምህርቲ ክእገድ እንከለኹ ንኽልተ መዓልቲ ድቃስ ኣይወስደንን - ፍጥጥ ኢለ ይወግሕ፤ በዚ ይሓርቕ" ኢላ።

ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝነበራ ዘሐጉስ ግዘን ናይ ትምህርቲ ውጽኢታን እናተመናመነ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ትምህርቲ ዘሰጋግራ ነጥቢ ዝስኣነትሉ ግዜ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ ሊድያ እዚ ኹሉ ዝፍትናን ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ ዘሕድረላን ዝነበረ ጸገም በዲሃቶ እያ። ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕትን ካልኦትን ውጽኢታዊት ኮይና ኣላ።

እንተኾነ ሕጂ'ውን እቲ ዝበጽሓ ዝነበረ መድሃልቲ ዘስዓቦ ጽልዋ ሓሓሊፉ ይርኣያ እዩ።

"ተጠራጣሪት" ክትኸውን "ንኣሽቱ ዝብሃሉ ነገራት'ውን ኣኽቢዳ" ክትርእዮምን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ሞንጎ ሰሓቕን ጸወታን ዝመጽኡ ቅይዐታት ንዓኣ ዝተዋህቡ ክመስሉዋን ገይሩ እዩ።

"ኩሉ ሰብ ንዓይ ክብሪ ዘይብሉ ዝመስለኒ ግዜያት ኣሎ" ትብል።

መብዛሕትኦም፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ስራሕ ቦታን ዝርኣዩ መድሃልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት'ውን ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝጠቅስ ዶክተር የቆየኣለም፡ ኣብ ውሽጢ መድሃልቲ ኣጥቃዓይ ወይ ኣጥቃዕቲ፣ ተበዳሊ ወይ ተበደልቲ ከምኡ'ውን ነቲ ኩነታት ዝርእዩ ሰባት ተሳተፍቲ ከም ዝኾኑ ይዛረብ።

እዚ ድማ ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ባዕሉ ጽልዋ ከም ዘሕድር እቲ በዓል ሞያ የረድእ።

ቡሊንግ ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝግለጽ ስነ-ልቦናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጽልዋ እኳ እንተሃለዎ፡ ብፍላይ እቲ ግዳይ ግን ክሳብ ነፍሰ ቕትለት ዝበጽሕ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝገብሮ ሓቢሩ።

ቡሊንግ፡ ርእሰ ተኣማንነት ሰባት ክትሕት፣ ማሕበራዊ ህይወት ክተኣጓጎል፣ ኣብ ናይ ስራሕን ትምህርትን ኣሉታዊ ጽልዋ ዝፈጥርን ምኽንያት ምቁራጽ ትምህርቲ ብዙሓት ከም ዝኾነን ኣረዲኡ።

ሰባት፡ ክሽቑረሩ ምግባር ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰፊሑ ዝርኣይ ምዃኑን ከቢድ ሳዕቤን የምጽእ ምህላውን ዘመላኽቱ መጽናዕታት ምህላዎም እቲ በዓል ሞያ ገሊጹ።

ይኹን'ምበር፡ ብመንጽር እቲ ዘስዕቦ ዘሎ ስነ ልቦናዊ ጉድኣት ግቡእ ትኹረት ከም ዘይተዋህቦ ዝገልጽ ኣቶ የቆየኣለም፡ "እቲ ሕብረተሰብ፣ ኣብያተ ትምህርትን መሰል ሰባት ዘኽብሩ ትካላትን ኣፍልጦ ኣይሃቡዎን። ናይዚ ሳዕቤን ናይ ሓጺር ግዜ ዘይኮነ ዘላቒ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዘለዎ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ" ኢሉ።

ሊዲያ፡ በዚ ትሰማማዕ።

"ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ትምህርቲ ኣይፈቱን እንተኢሉ ምናልባት ቡሊንግ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ይክእል'ዩ፤ ስለዚ ብዙሕ ትምህርቲ ዘይፈትው ቆልዑ ክፍጠሩ'ዮም። ተማሂሩ ተመሪቑ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ'ውን ክስኣን ይኽእል። ብምኽንያት ብዙሓት ሰባት ኣቕሊሎም ብዝርእዩዎ ጉዳይ ብዙሕ ሰብ ክንስእን ኢና" ትብል።

ሊድያ፡ ብወለንትኣ ንህጻናት እተምህር ኮይና ቡሊንግ ኣብ ልዕሊኣ ዘብጽሖ ሳዕቤን ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ እዞም ቆልዑ ከይበጽሕ ክትትል ትገብር።

መፍትሒኡ'ኸ

ተዋሳኢት ሊድያ ቡሊንግ ዘስዐበላ ፅልዋ ንምፅዋር እናፈተነት፡ ኣብ ፊልም 'ላምባ' ሓዊሱ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሓ እያ። እንተኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበራ ፃንሒት'ውን ሓለሓሊፉ ኣብ ስራሕታ ኣጋጢምዋ'ዩ።

ትካላት ትምህርቲ፣ ተምሃሮን ወለድን ነቲ ጉዳይ ብዝግባእ ንክርድእዎ ብምግባር ነቲ ፀገም ምቕላል ይከኣል'ዩ ትብል ሊድያ። ወለዲ፡ ንስምዒት ደቆም ብምክትታል ዓቕምን ዕድልን እንተልዩ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ምቕያር ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ ትብል።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ኣካዳሚክ ትምህርቲ ብዝዘለለ ስነ-ምግባር መሰረት ዝገበረ ትምህርቲ እንተዝወሃብ ነቲ ፀገም ክንክዮ ይክእል ዝብል እምነት ኣለዋ።

ቡሊንግ "ኣብ ዝኸድናዮ ኩሉ ዝስዕበና በሰላ የስዕብ" ዝብል ዶክተር የቆየዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሐሸ ቁፅፅር ስርዓትን ኣገልግሎት ማዕዳ ብምጉልባትን ነቲ ፀገም ምቕላል ይከኣል ይብል።

"ካብ ሱር መሰረቱ ንምንካይ ግና ወለዲ ንደቆም እንተዕብዩ መሰልን ግቡእን ክፈልጡ ምግባር" ግቡእ'ዩ ዝብል እቲ መመህር ስነልቦና፡ ስሩዕ መራኸቢ ሓፋሽ ኮኑ ማሕበራዊ ሚድያታት ፅልኢ ዝፅሕትሩ ትሕዝቶታት ንከይዝርግሑ ክጥንቀቑ ይግባእ ይብል።

ቡሊንግ ዘጋጠሞም ሰባት'ውን እቲ ጉዳይ ንስድርኦም፣ ንቤት ትምህርቲ ካብዚ እንተገዲዱ ድማ ንኣካላት ሕጊ ከፍልጡ ከምዝግባእ ይሕብር። ነዚ ጥርዓን ዕሽሽ ምባልን "ናይ ቆልዑ ፀዋታ'ዩ" ኢልካ ምሕላፍ ግና ነቲ ንእሽተይ ፀገም ብምግዳድ፡ ኣብ ሂወት ዘበኖም ኩሉ ዘይሓዊ በሰላ የስዕብ ክብል የጠንቅቕ።