እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ትካል ፋይዘር ትሰርሕ ዘላ ኤርትራዊት ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን መን'ያ?
ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን፡ ዜግነት ካናዳ ዘለዋ፣ ኣብ ትካል ፋይዘር ዋና በዓልቲ መዚ ሕክምና ዝዀነት ኤርትራዊት እያ።
ንሳ፡ ነቲ ሕሙማት፡ ሓካይምን ተቘጻጸርቲ ትካላትን ብዛዕባ ውሑስን ግቡእን ኣጠቓቕማ መድሃኒታት ፋይዘር ሓበሬታ ንክህብ ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ሕክምናን ድሕነትን ፋይዘር ትመርሕ።
ዶ/ር ኣይዳ፡ ናብ ትካል ፋይዘር ቅድሚ ምጽንባራ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ቤት ትምህርቲ ሕክምና፡ ክፍሊ ጋስትሮኢንተሮሎጂን ሄፓቶሎጂን [Gastroenterology and Hepatology] ልምምድ ዝገበረት ሓኪምን ሳይንቲስትን እያ።
ንሳ፡ ኣብ ሕማማት መዓናጡን ምስኡ ዝተኣሳሰር ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ፡ ኣብ ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ ሰብ ዝተመርኮሰ ፍወሳ ዝምልከት መጽናዕቲታት ዘካየደትን ዝመርሐትን እያ።
ብተወሳኺ ከም ተሓጋጋዚት ዲን ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ኰይና፡ ኣባል ፋካልቲ ኣብ ስታንፎርድ ፕሮግራም ፒኤችዲ ኢሙኖሎጂ፣ ኢንስቲትዩት ኒውሮሳይንስ፡ ኢንስቲትዩት መንሽሮ፡ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ኣደታትን ህጻናትን ካልእን ኣገልጊላ።
ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝረኸበት ዶ/ር ኣይዳ፡ ኣባል ማሕበር ጋስትሮኢንተሮሎጂ ኣሜሪካ፡ ኣባል ማሕበር ኣሜሪካዊ ክሊኒካዊ መርመራ (ASCI)ን ማሕበር ኣሜሪካውያን ሓካይምን (AAP)ን ፕረዚደንት ማሕበር ፓንክረያስ ኣመሪካ (APA) እያ።
ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዝዓበየት ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣልበርታ ብኬሚስትሪ ቀዳማይ ዲግሪ፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጉሌፍ ድማ ብስነ-ምግቢ ማስተርስ ዲግሪ ረኺባ።
ካብ ማክማስተር ዩኒቨርሲቲ ኸኣ ናይ ሕክምና ዲግሪኣ ወዲኣ። ዶክተር ኣይዳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራባዊ ኦንታርዮ ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት ከምኡ'ውን ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ብ ጋስትሮኢንተሮሎጂን ሄፓቶሎጂን ክሊኒካዊ ፈሎውሺፕ ገይራ።
ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን፡ ንስርሓታን ምርምራዊ መጽናዕታን ኣመልኪታ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ ብዛዕባ ትካል 'ፋይዘር'፡ ንስነቅመማ-መድሃኒትን ባዮተክኖሎጂካዊ ስርሓቱትን፡ ከምኡ'ውን ንሳ ተራኣ ኣብቲ ትካልን መብርሂ ሂባ'ላ።
ፋይዘር፡ በቲ ዝመሃዞን ዓለም ዘድሓነን ጸረ-ኮቪድ ክታበትን ልዑል ስም ከም ዝረኸበ፣ ዶ/ር ኣይዳ ድማ ኣብቲ ዝተኻየደ ልዑል ስርሓትን ወፈራታትን ብምስታፍ ዓቢይ ስም ክትረክብ ከም ዝኸኣለትን ይፍለጥ።
ዶ/ር ኣይዳ ስታንፎርድ ኣብ ዝተባህለ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ከም መምህር ሕክምና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኰይና፡ ብፋይዘር ኮርፖረይሽን ኣብቲ መሪሕነታውን ዓለምለኻውን ስርሓቶም ንኽትዋሳእ ብጠለብ'ያ ተቘጺራ ትሰርሕ ዘላ።
መዝነታ ፕሮፈሰር ኰይኑ፡ ኣብ ኣካደምያዊ ስርሓታን ምሕደራዊ ኣበርክቶኣን፡ ዝተቐበለቶም ክብርን መዓርግን ሽልማትን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ድሕረ-ባይታ ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን
ዶ/ር ኣይዳ ኣብ ኣስመራ'ያ ተወሊዳን ዓብያን። እቲ ብዛዕባ ኣስመራ፡ ስድራቤታ፡ ኣተዓባብያኣ ይዅን ቤት-ትምህርታ ዘለዋ ተዘክሮ ዉዕዉዕ ኰይኑ፡ ሕሉፍ ህይወታ ክሳብ ሕጂ ብናፍቘት ከም እትዝክሮ፡ መግለጺ ባህሪኣ ከም ዝዀነን ትገልጽ። ከምኡ'ውን ከም ሓባሪ-ዓንዲ ህይወታ ገይራ ከም እትጥቀመሉን ተዘንቱ።
"ንዓይ፡ ስድራ-ቤተይን ኣተዓባብያይን ብዙሕ ትርጕም ኣለዎም፡" ትብል እዛ ኣብ ካምቦኒ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተማህረት ሊቅ።
"ካምቦኒ ብናፍቘት'የ ዝዝክሮ፣ መባእታ ትምህርተይ ኣብ ካምቦኒ እንዳ ኣዋልድ'የ ወዲአ። ሽዑ እንዳ ኣዋልድን እንዳ ኣወዳትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ዝተፈልየ ቤት-ትምህርቲ'ዩ ዝነበረ። ካልኣይ ደረጃ ኣብ ምውድአይ እቲ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ብመንግስቲ ስለ ዝተወርሰ፡ 'ባርካ' ዝብል ስም ከም ዝተዋህቦ ይዝከረኒ፡" እናበለት ተዕልል።
"ካብ ዓቢይ ስድራቤት'የ ተወሊደ፣ ክዓቢ ከለኹ ድማ ብኣባላት ስድራይ ተኸቢበን ተሓብሒበን'የ ዓብየ፡" ኢላ ንትርጕም ስድራ ቤት ትገልጽ።
እቲ ካልእ ሸነኽ ሕብረተሰብና፡ እቲ ተማሃሪት ከላ ዝሳዕረረ መከራ፡ ውግእ፡ ራዕዲ፡ መርጋሕቲ ደርግ፡ ኵሉ ከም ዝዝከራ'ውን ትዛረብ።
"ካብ ፍርሂ ዝተላዕለ ኣብ ኣስመራ ዝነበርኩሉ እዋን፡ በቲ ዝነበረ ኮፕሪፎኮ (ሰዓት እቶ-እቶ) ብምሸት ክወጽእ ኣይዝከረንን። ብሰንኪ'ቲ ዝነበረ ዕግርግር፡ ግፍዕን ማእሰርትን ንእስነተይ ኣብ ገዛ ተዓጽየ'የ ኣሕሊፈዮ፡ ክብል እኽእል፣ ኣስመራ ብምሸታ ክርእያ ኣይዝከረንን፡" ትብል።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ጸጽቡቑ ሸነኻት ባህርያትና ከስተማቕሮ ክኢለ'የ። ተዘክሮታት ሕብረተሰብና ኣብ ውሽጢ ልበይ ተወቂጡ'ዩ ተሪፉ። ምስ መቕርበይ፡ መሓዙተይን መማህርተይን ክጻወትን ክስሕቕን ስለ ዝዝክሮ ከምዚ ትማል-ትማል ኰይኑ ይስምዓኒ፡ ብምባል ተዕልል።
"ጽቡቕ ባህልን ልምድን ዘለና ህዝቢ ኢና። ዝሓለፈ በዓል መዓልቲ-ኣደታት ተኣኪብና መግቢ ሃገርና ንኽንምገብ ወጺእና ነይርና፣ ጥዑም መግቢ ተመጊብና ጥራይ ዘይኰነስ እቲ መቐረት ናይቲ ፈቃር ባህልና ብቐረባ ኣስተማቒርናዮ ክብል እኽእል፡" ብምባል ንባህሊ ዘለዋ ኣድናቘት፡ ብናፍቘት ትገልጽ።
"ባህላዊ መግብና ኣዝየ'የ ዝፈትዎ፣ ደቀይ'ውን እንጀራ ይበልዑ'ዮም። እኳ ደኣ ኣዝዮም'ዮም ዝፈትውዎ፡" ኢላ እቲ ባህልን ልምድን ኣተዓባብያኣ ከም ዘይፍለዮም ብሓበን ትገልጽ።
ሓላፍነትክን መዓልታዊ ስራሕክን?
ብዛዕባ ስርሓን ተራኣን ክትዛረብ እንከላ፡ "ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሓላፍነተይ እቲ ፋይዘር ዝምህዞን ዝዝርግሖን መድሃኒት፡ ሰባት/ትካላት/ሃገራት ብግቡእ ንኽጥቀምሉን፡ ብቑዕ ሓበሬታ ንምሃብን ግቡእ ቦታኡ ምትሓዝን'ዩ፡" ትብል።
ኣብቲ ትካል ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ስለ ዘለዋ ድማ፡ ኣብቶም ብወሳኒ ኣካል ዝካየዱ ግብኣታት ንኽትካፈል ተራ ኣለዋ።
"ተራ ፋይዘር፡ ንህይወት ሕሙማን ዝልውጡ ኣፋውስ ምርካብ'ዩ። ምርምር፡ መጽናዕትን ምምዕባልን ሕመረት ተልእዀና ኰይኑ፡ ምዕቡል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ተጠቒምካ ንደቂ ሰብ ዘድልይዎ ኣፋውስ ንምቕራብ'ዩ። ብሓጺሩ፡ ሎሚ ፋይዘር ኣብ መዳያት ባዮመዲካዊ (ኣካላዊ ፍወሳ) ዓቢይ ተራ'ዩ ዝጻወት፡" ብምባል ብዛዕባ ተራ እቲ ትካል ትገልጽ።
ፋይዘር ዓቢይ ዝናን ስለ ዘለዎ፡ እቲ ዘካይዶ ስራሕ ዓለምለኻዊ'ዩ፣ ኣብ ምሉእ ዓለም ከኣ ጨናፍር ኣለውዎ።
ዶ/ር ኣይዳ ከም ትብሎ ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓለፍቲ ጥዕና፡ ትካላት ጥዕና፡ ተመራመርቲ ብምርኻብ፡ ብቐጻሊ ዘድሊ ሓበሬታ እትእክብን እትዝርግሕን ተመራማሪት'ያ።
"እቶም ኣብ ክሊኒካዊ ጥቕምታት ንኽውዕሉ ተቐባልነቶም ዝጸደቐ ክታበታትን ካልኦት ኣፋውስን'ውን እንተዀነ፡ ውጽኢቶም ደጋጊምና ብጥብቂ ብምክትታል ዳግም መጽናዕትታትን ምክትታላትን ነካይድ ኢና፣ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ኣብ መስርሕ ምምዕባል ዘለዉ መድሃኒታት፡ ጥቕሞምን ጕድኣቶምን ኣብ ግምገማ ፣ ምክትታል፡ ምቍጽጻርን፡ ፈተነታት ምክያድን ብዕቱብ ኢና ንነጥፍ፡" ኢላ ንተልእኾ ስርሓት ፋይዘር ትገልጽ።
ንመዓልታዊ ኵነታት ስርሓ ኣመልኪታ ከተዕልል እንከላ ድማ፡ "ብሓፈሻኡ ኣጥቢቐ ዝኽተሎም (deadlines) ኣለውኒ። ከምኡ'ውን ከማልኦም ዝግብኣኒ ኣገደስቲ እምነ-ምዕራፋት (milestones) ኣለውኒ፣ ንኣብነት ኵለን ሃገራት ዘድልየን ነገራት ንምምላእ ዘድሊ ምክትታል የካይድ'የ፡" ትብል።
እዚ ሕጂ ትሰርሖ ዘላ፡ ምስቲ ኣብ ስታንፎርድ ዩኒቨርሲቲ ትሰርሖ ዘለዎ ዝምድናን ፍልልይን ክትገልጽ እንከላ፡
"ርግጽ'ዩ ይፋላለ'ዩ። ኣብ ስታንፎርድ ኣካደሚያዊ ስራሕ'የ ዝሰርሕ ነይረ፣ ምስኡ ኸኣ ናተይ ምርምራት ምክያድ፡ ጽሑፋት ምድላው፡ ኣብ ሕክምና ምንጣፍን ምምሃርን፣ ኣብ ፋካልቲ ትምህርቲ ሕክምና ድማ ከም ተሓባባሪት ዲን ኰይነ'የ ዘገልግል። ብመሰረቱ ግን ምስዚ ሕጂ ኣብ ፋይዘር ዝሰርሖ ዘሎኹ ስራሕ ኣይፍለን'ዩ፡" ብምባል ተረድእ።
"እቲ ኣብ ስታንፎርድ ዝቐሰምክዎ ክእለታት፡ ምምራሕ ጕጅለ ስራሕ፡ ሕክምና፡ ምርምርን፡ ምምሕዳርን ዝኣመሰሉ ኣብዚ'ውን እጥቀመሎም'የ። ኣብቲ ኣብ ኣካደምያዊ ስርሓት፡ ኣብዚ ኸኣ ብዝያዳ ኣብ ሳይንስ ዝምርኰሱ ስርሓት እሰርሕ ኣሎኹ፡" ኢላ ስርሓ ትገልጽ።
ምዕዶ ንመንእሰያት
'መንእሰያት ፍቕሪ ትምህርቲ ንኽሓድሮም፡ ህይወቶም ሰሪዖም ዓወት ንኽጐናጸፉ እንታይ ክትብሊ ትኽእሊ?' ንዝብል ሕቶ፡ "እንተ ተፈቒዱለይ፡ ናተይ ኣብነት ክጠቅስ ምፈተኹ። ኣነ ደራኺ ባህሪ ዘለኒ ሰብ ምዃነይ ክነግረካ እደሊ። እዚ ኸኣ ሓያል ድልየት፣ ድልየተይ ወይ ሕልመይ ከኣ ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሖ ህርድግ ናይ ምባል ባህሪ ኣሎኒ። ስለዚ ሕልመይ ንምግሃድንን ዘኽእል ኰብኳቢ ባህሪ ኣለኒ፣ (ብእንግሊዘኛ 'I am driven' እየ)።
ወሲኻ፡ "ሰባት በቲ ዘጓንፎም ብድሆ ክትንስኡን ክወድቁን ይኽእሉ'ዮም። ኣነ ግን እቲ ዘጓንፈኒ ብድሆ ብኣወንታዊ ኣገባብ'የ ዝጥቀመሉ፣ ንድልየተይን ዓቕመይን ንምስሕል።
"ሰብ ንዕኡ ኣዝዩ ዘገድሶ ዛዕባ ከለሊ ኣሎዎ እብል፣ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ 'ኮኾብ ሰሜኑ' ኣናድዩ ክረኽቦ ኣለዎ። ኵላህና በብዓይነቱ ባህርያት ስለ ዘሎና ናይ ግድን በቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ መንገዲ ይሕለፍ ማለት ዘይኰነ፡ ድልየትካ ኣለሊኻ፡ ዓቕምኻ መዚንካ፡ ንድሌትካ ዓትዒትካ ምሓዝ'ዩ እብል፡" ኢላ ትምልስ።
"ስራሕ ንወዲሰብ ህይወቱ፡ ሞት ከኣ ዕረፍቱ"
ኣብ መወዳእታ ንድሕሪት ምልስ ኢላ ገለ ጦብላሕ ብዛዕባ ዝብላ ተዘክሮታት ቀደም ክትዝክር እንከላ፡ ናብ ስድራቤታን ኣተዓባብያኣን ተመልሰት።
"እቲ ዝዓበየ ነገር ኣብ ህይወተይ ስድራ'ዩ፣ ስድራቤት ንዓይ ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ። ክዓቢ ከለኹ ስድራይ ኣገዳስነት ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ፍቕሪ ስራሕ ኣብ ቅድሚት ሰሪዖም'ዮም ኣዕብዮምኒ፣ ስነምግባር ስራሕ ድማ ንህይወተይ ብግቡእ ንኽመርሕ ሓጊዙኒ።
"ካብ እንዳ ኣባሓጐይ ጀሚርካ፡ ወለደይ ኵሎም ሓብሒቦም ኣዕብዮምኒ'ዮም፣ እቲ ዝዓበየ ውርሻ ኸኣ ኣውሪሶምኒ፣ ኣበርቲዕካ ምስራሕ፡ ሰብ ምኽባር፡ ትምህርትኻ ኸኣ ዘይምርሳዕ።
"እቲ ኣውራ ዝዝከረኒ ነገር ናይ ኣቦይ ምስላ'ዩ። 'ስራሕ ንወዲ ሰብ ህይወቱ፡ ሞት ከኣ ዕረፍቱ' እናበለ ክምስል ኵሉ ግዜ ይዝከረኒ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ድማ ከይጠቐስክዋ ክሓልፍ ኣይደልን፡" ብምባል ትድምድም።