ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ "በዓል ቤተይ ኣሰልጣንየይ ምዃኑ ዕድለኛ'የ"

ዓመተ 2004 ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ሓደ ታሪኽ ዝተመዝገበላ ዓመት'ያ ነይራ።

ኣትሌት ዘርአሰናይ ታደሰ ኣብቲ ኣብ ኣቴንስ ዝተካየደ ኦሎምፒክ፡ ኣብ ናይ 10000 ሜትሮ ንኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ቀነኒሳ በቀለን ስለሺ ስህንን ተኸቲሉ ሳልሳይ ኮይኑ ብምእታው ንኤርትራ ቀዳማይቲ ነሓስ ሜዳልያ ኣግዚሙዋ።

ዓወት ዘርእሰናይ ታደሰ ንብዙሓት ኣነቓቒሑን ንግሆ ንግሆ ዘብዘብ ከም ዝብሉን ገይሩ'ዩ።

ናዝሬት ወልዱ'ውን እቲ ማዕበል እቲ ካብ ዘሰራሰሮም ኣትሌት እያ፤ ካብዚ ብምብጋስ'ውን ይኸውን ካብ ኩሎም ኣትሌታት ንዘርእሰናይ ታደሰ'ያ ተድንቕ።

ኣብ 1991 ኣብ ከሰላ ሱዳን ዝተወለደት ናዝሬት ወልዱ ጓል 8 ዓመት ምስ ኮነት ምስቶም ጠቅሊሎም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ወለዳ ናብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ከተማ ሻምብቆ ብምጉዓዝ ቁልዕነታ ኣሃዱ ኢላ ፈሊማቶ።

"ኩሉ ምንቅስቓሰይ ጉያ'ዩ" እትብል ናዝሬት፡ ኣብ መጀመርታ ዝያዳ ደራፊትን ተላሃይትን ናይ ምዃን ጥሙሕ ከም ዝነበራ'ያ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳም ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ዳጉ ኢንትርናሽናል ማራቶን ንውድድራ ብክልተ ሰዓት 21 ደቂቕን 56 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ብሓደ ግዜ ሰለስተ ክብረ ወሰናት ሰይራ።

ናይ ውልቃ፥ ናይ ኤርትራ ከምኡ'ውን ኣብ ዳጉ ኢንትርናሽናል ማራቶን ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ግዜ ኣመሓይሻ።

ብዘይካ እዚ ኣብቲ ውድድር ን25 ኪሎ ሜትር ከምኡ'ውን 35 ኪሎ ሜትር ንምዝብጻሕ ዝወሰደላ ግዜ'ውን ቅደሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብደቂ ኣንስትዩ ዘይተመዝገበ ግዜ ብምምዝጋብ ናይ ውሽጢ ሃገር ክብረ ወሰን ክትሕዝ ክኢላ'ያ።

"እዚ ናይ ትማሊ ዓወተይ ድምር ናይ ዓመታት ጻዕሪ እዩ።" ብምባል ኸኣ ናብቲ ኣትለቲክስ ዝጀመረትሉ ዓመት መሊሳትና።

ናዝሬት ወልዱ ተማሃሪት መባእታ እንከላ፡ ወዲ ትምህርታ እንተስ ኣፍለጦ ናይ ስፖርት ነይርዎ ወይ'ውን ንሓፈሻዊ ምንቅስቓሳ ርእዩ ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ "መምህር ናዝሬት'ኮ ንፍዕቲ ጎያይት'ያ" ስለ ዝበለ ናይ ስፖርት መምህሮም ከም ዝፈተ ናዝሬት ትገልጽ።

ናዝሬት ወልዱ ኣብ ቤት ትምህርታ ኣብ መጀመርታ 2003 ዝያዳ ኣብ ዝላ ኣቶኵራ እያ ትርሰርሕ ነይራ። ኣብኡ'ውን ሰነፍ ኣይነበረትን ቀዳማይቲ ትወጽእ ነይራ።

ኣብ 2004 ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል መንእሰያት'ውን ኣብ ናይ ሓጺር ርሕቀትን ኣብ ዝላን ብምውድዳር ኣብ ክልቲኡ ቀዳመይቲ ወጺኣ።

ሓሙሻይ ክፍሊ ኣብ ዝበጽሓትሉ ናይ ምጉያይ ዓቕማ ዝርኣዩ ኣለይቲ ክለብ ሰቲት ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ስሩዕ ልምምድን ውድድርን ከም እትገብር ገይሮም። ውድድራት ኸኣ በዚ ገይራ ኣሃዱ ኢላ ጀሚራቶ።

"ግዜ እንታይ ኣለዎ ሕጂ ኣብ ኣትሌትክስ 19 ዓመታት ኣቑጺረ ኣለኹ" ትብል ናዝሬት።

ናዝሬት ወልዱ ቅድሚ ሕጂ ዘመዝገበቶ ዓወታት

  • 2006 ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተካየደ ኩሉ ዓይነት ውድድር ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ናይ 400 ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ
  • 2007 ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ናይ 400 ሜትሮ ውድድር ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና
  • 2007-2008 ኣብ ጅቡቲ ኣብ 800 ኪሎ ሜትሮን 1500 ሜትሮን ክልተ ዓመት ኣከታቲላ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ኣርባዕተ ወርቂ ሜዳልያ ሓፊሳ
  • 2007 ሻምፕዮን መንእሰያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2008 ሻምፕዮን ጁንየር ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ኣብ 400 ከምኡ'ውን 800ን ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ
  • 2010 ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተካየደ ኣፍሪካን ቻምፕዮንሺፕ ኣብ 800 ሜትሮ ዓስረይቲ
  • 2012 ኣብ ስጳኛ ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ቀዳመይቲ
  • 2014 ኣብ ቻይና ያንጉዙ ፍርቂ ማራቶን መበል ሻምነይቲ
  • 2015 ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮን ዓለም ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ መበል 24።
  • 2016 ኣብ ኣመሪካ ሆስተን ፍርቂ ማራቶን መበል ሻድሸይቲ
  • 2017 ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዘካየደቶ ናይ 5000 ሜትሮ ካልኣይቲ ወጺኣ
  • 2018 ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየደቶ ማራቶን ቤይሩት ካልኣይቲ
  • 2019 ኣብ ቀጠር ኣብ ዘተኻየደ ቻምፕዮና ዓለም ውድድር ማራቶን ድማ፡ ብ2 ሰዓት 53 ደቂቕን 45 ካልኢትን ብምዝዛም መበል 23

እታ ኣብ ብዙሕ ውድድራት ብምውድዳር ብዙሕ ዓወታት ዘመዝገበት ናዝሬት ወልዱ እታ ዝያዳ ዝተሓጎስክላ ዓወት ኣየነይቲ እያ ምስ በልናያ ከይተማተአት'ያ ነታ ናይ ደቡብ ኮርያ ዓወታ ምዃና ገሊጻ።

"እዛ ናይ ዳጉ [ደቡብ ኮርያ] ማራቶን እታ ኣብ ህይወትይ ንግሆን ምሸትን ዝደልያን ዝጸዓርኩላን ዓይነት ዓወት'ያ"።

ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ምድላዋት ገይራ 'ኣብ ጽቡቕ ቁመና ኣለኹ' ኣብ ዝበለትሉ ውድድራት ቅሩብ መዓልታት ምስ ተረፎ ብተደጋጋሚ መጉዳእቲ የጋጥማ ብምንባሩ ብዙሕ ሕጉስቲ ከም ዘይነበረት'ያ ትዛረብ።

ብምስዓብ "ኣነ ኣብ ኣትሌቲክስ ጻዕራም'የ፤ ብዙሕ'ውን ተዓዊተ'የ። እዛ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተዓወትኩላ ግን ልክዕ ከምዚ ኣብ ኦሎምፒክ ወርቂ ዝተዓወትኩ ኮይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ" ትብል።

ሓዳርን ስፖርትን

ኣትሌት ናዝሬት ኣብ ታሕሳስ 2012 ነቲ ከም ኣስልጣኒኣ ኮይኑ ዝሰርሕ፡ ኣብ ምስልጣን ኣትሌቲክስ 'ለቨል 5' ዝበጽሐ ሊቨንግስቶን ኣብርሃም ተመርዕያ።

"እወ! ብዓል ቤተይ እንከላይ ኣሰልጣኒየን እዩ፤ ብዓል ቤተይ ስለ ዝኾነ ኣይኮንኩን ዘድንቖ ክድነቕ ስለ ዘለዎ'ዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ ኣስለጣኒ ናይ ኣትሌቲክስ'ዩ" ትብል።

ወሲኻ፡ "ሊቨንግስቶን ኣብርሃም [ብዓል ቤታ] ኣሰልጣንየይ ስለ ዝኾነ'የ ኣብ ከምዚ ደረጃ ክበጽሕ ክኢለ። በዓል ቤተይ ኣሰልጣንያይ ምዃኑ ዕድለኛ'የ" ኢላ።

ናዝሬት ወልዱ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ውድድር ምስ ሓዳር ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ብምግላጽ፡ በዓል ቤታ ኣሰልጣኒኣ ብምዃኑን ብዛዕባ ኣትሌቲክስ እኹል ኣፍልጦ ስለ ዘለዎን ግን ብዙሕ ከም ዝቃለለላ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ሰብ ክንዕወት ወይ ክንስዓር እንከለና እዩ ዝርኢ፤ ኣብ ጥቃና ስለ ዘየለ እንታይ ብድሆታት ከምንሰግር ኣይፈልጦን'ዩ" ብምባል 42 ኪሎ ሜትር ጎይኻ ዝስምዓካ ድኻም ብቃላት ከም ዘይግለጽ ትሕብር።

42 ኪሎ ሜትርን ልዕሊኡን ልምምድ ገይርካ መጺኻ ኣብ ገዛ ተወሳኺ ናይ ሓዳር ስራሕ ከተካይድ ከም ዘጸግም እትሕብር ናዝሬት "ንነገራት ኣኽቢድካ እንተሪኢኻዮ'ዩ ዝኸብድ" ትብል።

ብምስዓብ ብዓል ቤታ ሊቨንግስቶን ኣብርሃም ብዙሕ ከም ዝሕግዛ ተብርህ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ልምምድ መጺአ ድኽም ኣብ ዝብለሉ ባዕሉ ቁርሲ ሰሪሑ ዘብልዓኒ ግዜ ኣሎ" ብምባል ኸኣ ኣብ ኩሉ ዓወታታ ኣብርክቶ በዓል ቤታ ልዑል ምዃኑ ተብርህ።

ናይ መጻኢ መደባት

ናዝሬት ወልዱ እዚ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘመዝገበቶ ዓወት ምስ ብዙሓት መወልትን ማናጀራትን ክትራኸብ ገፊሕ ዕድል ይፈጥረላ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"እዚ ኣመዝጊበዮ ዘለኹ ኣብ ኒውዮርክ ማራቶን፡ ኣብ ሎንዶን ማራቶን ከምኡ'ውን ኣብ ቦስቶን ማራቶን ዕድመ ንክረክብ ዘኽእል እዩ" ኢላ።

ብምስዓብ "ሕጂ ብቀዳምነት ዝሰርሓሉ ዘለኹ ግን ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ቻምፒዮና ዓለም ንሃገረይ ወኪለ ክወዳደር እየ።

"ኣብ ቻምፒዮና ዓለም ካብዚ ኣመዝጊበዮ ዘለኹ ሰዓት ዝበለጸ ሰዓት ብምምዝጋብ ነቲ ትጽቢት ኣሕዲሩለይ ዘሎ ህዝበይን መንግስትን ከሐጉስ ይሰርሕ ኣለኹ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ምስ መረብ ሰቲት መሰልጠኒ ዞባ ማእከል ተጠርኒፋ ትወዳደር ናዝሬት "እዚ ዓወተይ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መንገዲ ዝኸፍት እዩ። ካብ ሕጂ ንድሓር ኸኣ ንቅድሚት'ምበር ንድሕሪት ምኻድ የለን" ክትብል ገሊጻ።