እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ርዋንዳ 2022፡ ሓጺር ታሪኹን ንዕውታት ዝወሃብ ሽልማትን
ዙር ርዋንዳ ብወግዒ ኣብ 1988'ኳ እንተጀመረ፡ ንሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ድሕሪ ምክያዱ ካብ 1991 ክሳብ 2000 ብሰንኪ እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድን ንሱ ዘስዓቦ ዘይርጉእነት ናይታ ሃገርን ክካየድ ኣይክኣለን።
ኣብ 2001 ዳግማይ ብምጅማር ክሳብ 2008 ንጎረባብቲ ሃገራት ርዋንዳ ጥራይ እዩ ዘሳትፍ ነይሩ።
ከም መርኣይኡ እንትርፎ እቲ ኣብ 2006 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ኬንያዊ ፔተር ካማኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝተረፈ ኩሉ ርዋንዳውያን እዮም ተዓዊቶምሉ።
ነቲ ውድድር ካብ 2002 ክሳብ 2005 ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመት ከምኡ'ውን ኣብ 2007 ዝተዓወተሉ ርዋንዳዊ ኣብርሃም ርሁማሪዛ ከኣ ልዕሊ ዝኾነ ጸብለል ኢሉ ንረኽቦ።
ሓዲሽ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2008-2019
ዙር ርዋንዳ ክሳብ 2008 ዞባዊ ውድድር ኮይኑ ጥራይ ውድድራት ከሰላስል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2008 ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ናይ 2.2 መለክዒ ሒዙ ክካየድ ጀሚሩ።
'ቱር ዲ ርዋንዳ' ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ውድድር ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንሃገራት ብሩንዲ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ጥራይ የሳተፍ ምንባሩ ይሕብር።
ኣብቲ እዋን ፕረዘደንት ሃገራዊ ፌደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ኮይኑ ዝተመረጸ ባይንጋን ዳይሬክተር ቴክኒክ እቲ ፌደረሽን ጆክ ቦየርን ብሓባር ብምዃን ነቲ ውድድር ዓለምለኻዊ መልክዕ ንኽሕዝ ከም ዝሰርሑ'ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
ካብ 2008 ጀሚሩ ኸኣ ሓደ ካብ ዝበለጹ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን።
ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ተሳተፍቲ ጋንታታት ካብ ኣፍሪቃ ጥራይ ከይተሓጸራ ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክመጽኣ ጀሚረን።
ከም መርኣይኡ'ውን ኣብቲ ዙር፡ ውድድራት እናሓየለ ክኸይድን እቲ ብርዋንዳውያን ተዓብሊሉ ዝነበረ ዓወታት ኣብ 2009 ሞሮካዊ ዓደል ጃሉል፣ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ 2011 ኣመሪካዊ ከይል ረይጀንን፣ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2013 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዳረን ሊልን ድይላን ግሪድልስቶን ክዕወትሉ ክኢሎም።
ዙር ርዋንዳ ካብ 2008 ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ተኸሊሱ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሓደ ኢሉ ምቁጻር ብምጅማር ድማ'ዩ ሎሚ ዓመት ንመበል 14 ግዜ ዝካየድ ዘሎ።
ን10 ዓመታት ደረጅኡ ኣብ 2.2 ኮይኑ ውድድሩ ዘካየደ ዙር ርዋንዳ 2019 ናብ ካልእ ሓዲሽ መድረኽ ዝሰገረላ ዓመት እያ ነይራ።
2019 ዙር ርዋንዳ ናብ ሓዲሽ መድረኽ
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት ቅድድም ብሽክልታ፡ ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎ [ዙር ጋቦን] እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 [race category] መለክዒ ዝተውሃቦእዩ።
እዚ ኣብ 2008 ካብ 2.2 ናብ 2.1 ዝተሰጋገረ ዙር ጋቦን፡ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ጥሪ ዝካየድ ውድድር ኮይኑ፡ እቲ ወቕቲ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ውርጪ ዝበዝሓሉ እዋን ስለ ዝኾነ ዳርጋ ኩሎም ኣብ ኣውሮጳ ዝመደበሮም ተቐዳዳምቲ ብሽክለታ ክሳተፍዎ ይርኣዩ'ዮም።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ዘለዎ ጽፉፍነት ምሕደራ፡ ናይ መወዳደሪ ቅርጺ መሬትን ካልእ መሰራታዊ ቅጥዕታትን ብዩሲኣይ ተራእዩ ካብ 2.2 ናብ 2.1 መለክዒ ምስ ተሰጋገረ ኸኣ ልክዕ ከም ዙር ጋቦን ተሳተፍቲ ጋንታታት ብብዝሐን ብዓይነትን ክውስኻ ተራእየን።
ብዘይካ እዚ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ብዩስኣይ ኣብ 2008 ናይ 2.1 መልክዒ ዝተውሃቦ ዙር ጋቦን[ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ካልኣዩ ክኸውን ክኢለ፡ ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ክልቲኡ ዘራት ጥራይ'ዩ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መለክዒ ረኺቡ ዘሎ።
ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ምስ ተሰጋገረ ኣብ ዘካየዶ ሰለስተ ዙራት፡ ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ዝነበረ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2020'ውን ብተመሳሳሊ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን ክኡሉ።
ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻደ ዙር ርዋንዳ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ ስጳኛዊ ክርስትያን ሮድሪገዝ ክኸውን እንከሎ፡ ክርስትያን ሮድሪገዝ ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉ ቀዳማይ ኣውሮጳዊ እዩ።
ርዋንዳ ኣብ 2025 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተአንግድ ስለ ዝተረቑሐት ኸኣ ንውድድር ዙር ርዋንዳ ዝያዳ ክብርን ኣቓልቦን ንኽውሃቦ ዝድርኽ ኣጋጢሚ ኮይኑ ይርከብ።
ንዕዉታት ዝውሃብ ሽልማት
ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝውሃቦም ገንዘባዊ ሽልማት ይኹን ወርሓዊ ደሞዝ ምስ ካልእ ዓይነታት ስፖርት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማማዕሉ ሓቂ'ዩ።
እቲ ምኽንያት ኸኣ ዋሕዲ ምወላን፡ እቲ ውድድር ልክዕ ከም ኵዕሶ እግሪን ካልእን ከፊልካ ዘይርአ ምዃኑን ከም ምኽንያት ይቐርብ።
ኮይኑ ግን ንዕዉታት ሽልማት ይውሃብ እዩ፡ ናይ ዙር ርዋንዳ ከም ኣብነት እንተወሲድና እታ ሃገር ወይ ነቲ ውድድር ዝሽልም ኣካል ብሓፈሻ 48.5 ሚልዮን ፍራንክ ርዋንዳ [51 ሽሕ ዶላር] እዩ ንሽልማት ዝስልዕ።
እዚ ምስቲ 21 መድረኻት ዘለዎን 2,288,450 ዩሮን ዝስልዕን ቱር ዲ ፍራንስ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
በዚ መሰረት፥
- ኣብ ዙር ርዋንዳ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ 4000 ዶላር
- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተዳለወ መድረኽ ንዝተዓወተ ኸኣ 1400 ዶላር ግንዖ ይወሃቦ
- ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኻት ዙር ርዋንዳ፡ ንዕዉት ናይ ዓቐብ፣ ዝበለጸ ሸኳዃይ፣ ዝበለጸ ዝነኣሰ ተወዳዳሪ፣ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ፣ ዝበለጸ ህልኽ ዘርኣየ [ኣግረሲቭ ራይደር] ተወዳዳራይን ንዝበለጸ ርዋንዳዊ ተቐዳዳማይን ነፍሲ ወከፎም 400 ዶላር
- ዝበለጸት ጋንታ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ 900 ዶላር ይወሃብ
- ኣብ መወዳእታ ውድድር ኣብ ብጫ ማልያ ንዝበለጹ ክሳብ 20 ደረጃ ዝሐዙ'ውን ጥራይ ኢዶም ኣይኮኑን ንገዝኦም ዝኸዱ። ካልኣይ 2500 ዶላር ክሽለም እንከሎ እቲ ሽላማት ከከም ደረጃ እናጎደላ መበል 20 ዝወጽአ 60 ዶላር ግንዖ ይወሃቦ
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ እንድሕር ወሲድና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 20 ንዝወጽኡ ዝውሃብ ሽልማት ብድምር 28,650 ዩሮ ኮይኑ ንቀዳማይ 11 ሽሕ ዩሮ ንኻልኣይ 5500 ዩሮ ከምኡ እናበለ ንመበል 14 ዝወጽአ 340 ዩሮ ካብ 15 ክሳብ 20 ንዝወጽኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም 300 ዩሮ ይውሃቦም።