እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሻነን ኣበድ: እንኮ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኦሎምፒክ ሓጋይ ካብቲ ጸወታ ከምዝተሰናበተ ኣፍሊጡ
ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ ሓጋይ ቤይጂንግ 2022 ዝተወዳደረ ሻነን ኣበድ ካብ ውድድራት ምንሽርታት በረድ ብወግዒ ከምዝተሰናበተ ሓቢሩ።
ንሱ ድሕሪ 20 ዓመታት ካብቲ ጸወታ ይሰናበት ከም ዘሎ ብናይ ኢንስታግራም ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡
“ካብጺ ስፖርት ክርሕቕ ከለኹ ዝስምዓኒ ስምዒት ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን፤ ነዚ ጽሑፍ እናነባዕኹ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ” ኢሉ።
ንሱ ኣብቲ ብሰንበት ዘካየዶ ውድድር ምንሽርታት በረድ መበል 39 ደረጃ ሒዙ ክዛዝም እንከሎ ነቲ ጸወታ ክዛዝሞ ዝኸኣለ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ኣሉታ 22 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ 87 ተቐዳደምቲ እቶም 46 ጥራሕ እዮም ክዛዝምዎ ክኢሎም።
ኣብ 2018 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ሓጋይ ንፈለማ እዋን ኤርትራ ክትሳተፍ ዘኽኣለ ሻነን ኣብ መፈለምታ 1980ታት ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ካናዳ መነባብርኦም ካብ ዝመስረቱ ስድራ ኣብ ስደት ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ።
ሻነን ኣብ 2018 ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ሓጋይ ድሕሪ ምስታፉ ከቢድ ኣካላውን ስምዒታውን መጉዳእቲ ከጋጥሞ እንከሎ፤ ተደጋጋሚ መጥባሕትታት ከካይድ ተገዲዱ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ዝገጠሞ ኩነታት ጥዕና ኣእምሮ ካብቲ ስፖርት ርሒቑ ምንባሩ ዝጠቐሰ ሻነን “ሓቂ ንምዝራብ ሎሚ ኣብ ቤይጂን ክህሉን ነዞም ቃላት ክጽሕፍን ብህይወት ክጸንሕ እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን” ኢሉ።
ካብቲ ገጢምዎ ዝነበረ ኩነታት ንኽወጽእን ንገዛእ ርእሱ “ዳግም ንምርካብን” ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደሉ ዝገለጸ እቲ እንኮ ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተወዳዳሪ ምንሽርታት በረድ፡ ናብ ኦሎምፒክ ደጊሙ ንኸይምለስ ምሒሉ ምንባሩ ሓቢሩ።
“ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ሓደ መተዓብይተይ ብሞት ምስ ተፈለየኒ ግና ኩነታት ተቐያዪሩ” ኢሉ።
እንተኾነ ኣየናይ ምዃኑ ዘየነጸሮ ፌደሬሽን ዕንቅፋታት ከምዝፈጠረሉን ነቲ መስርሕ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝገበረን’ውን ገሊጹ።
ወዲ 25 ዓመት ተቐዳዳማይ ምንሽርታት በረድ ሻነን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ በረድ ሻኲ (ሆኪ ስኬት) እናተለማመደ'ዩ ዓብዩ፡፡
ሻነን ኣብ 2018 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ክሳተፍ እንከሎ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣነ ብዙሓት ካናዳዉያን መሓዙት ኣብ ዘለዉሉ ከባቢ'ኳ እንተዓበኹ ምስ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ'ዉን ርክብ ኣለኒ። ሓደ ግዜ ንኤርትራ ኸይደ ነይረ። ናይቲ ሕብተረሰብና ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን ድማ ይዝከረንን ይናፍቖን" ብምባል ብመንነቱ ሕቡን ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሻነን፡ ገና ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ኣብ 2012 ኣብ ኦስትሪያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መንእሰያት ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ተሳቲፉ ነይሩ እዩ።
ሎሚ ካብቲ ጸወታ ምስንባቱ “መጀመርታ ናይ ሓድሽ ምዕራፍ” ምዃኑ ዝሓበረ ሻነን፡ ኣብ 2026 ብኻልእ ዓይነት ጸወታ ከምለስ ምዃኑ ቃል ብምእታው ንኣዕሩኽቱ፡ ንስድራቤቱ፡ ንማሕበረሰቡን ነቶም ኣብ ቤይጂን ምስኡ ዝቐነዩ ኣባላት ጉጅለኡን ኣመስጊኑ።
ካብዚ ብዝሓሸ መገዲ ነቲ ጉዕዞ ክዛዝሞ ክምነይ ከም ዘይክእል’ውን ገሊጹ።
ኣብቲ ሎምዘበን ኣብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ መበል 24 ኦሎምፒክ ሓጋይ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ሞሮኮ፣ ማዳጋስካርን ጋናን'የን ይሳተፋ ዘለዋ።