ኣንፃር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ትቃለስ ኬንያዊት፡ ብልፅቲ ነርስ ዓለም ተባሂላ ተሸሊማ

ኣንፃር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ትቃለስ ኬንያዊት ነርስ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ነርስ ሽልማት 250 ሽሕ ዶላር ተዓዊታ።

ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ኣብ ማርሳቢት ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ትሰርሕ ነርስ ኣና ካባሌ ዱባ፡ ኣብ ትነብረሉ ማሕበረሰብ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ደው ክብል ብምቅላሳ እያ ነዚ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዓለማዊ መዓልቲ ነርስ ዝተኻየደ ውድድር (ግሎባል ነርሲንግ ኣዋርድ) ተዓዊታትሉ ዘላ።

ኣብዚ ውድድር ስለዝተዓወትኩ "ቃላት ይሓፅረኒ እዩ" ክትብል ሓጎሳ ገሊፃ።

ካባሌ፡ ኣብ መቦቆል ዓዳ ማርሳቢት ዝመስረተቶ 'ካባሌ ዱባ ፋውንደሽን' ሰገናት ኣዋልድ ኣብ ምብቃዕ ይሰርሕ።

ኣና ካባሌ ዱባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "እዚ ሽልማት፡ ሕዚ ዘለኒ ቤት ትምህርቲ ኣብ መላእ ኬንያ ንከስፋሕፍሖ ዝሕግዘኒ እዩ" ኢላ።

ካባሌ፡ ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ተምሃሪት ነርሲንግ እንከላ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፅባቐ ብምስታፍ፡ 'ሚስ ቱሪዝም ኬንያ 2013' ብምዃን ተዓዊታ እያ።

ኣብዚ ውድድር ብዝተጎናፀፈቶ ዓወት ተሰማዕነት ብምርካባ ድማ፡ ኣብ መዓርነት ደቂኣንስትዮን ዕድል ትምህርትን ብዙሕ ስራሕ ሰሪሓ።

ኣብ ትሕቲ ካባሌ ፋውንዴሽን ዝተመስረተ ቶርቢ ኣካዳሚ፡ ኣብ ሰዓት ናይ ንጉሆ ሰገናት ኣዋልድ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ወለደን ዝመሃርሉ እዩ። ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ወለድን ውሉድን ሓደ ዓይነት ዕዮ ገዛ ይወሃቡ።

ወይዘሪት ካባሌ፡ ካብ ቁሸት ቶርቢ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትያ ዝተምሃረት ንሳ ጥራሕ ከም ዝኾነትን ኣዋልድ ክሳብ መባእታዊ ብርኪ ጥራሕ ከምዝመሃራን ትገልፅ።

ሕዚ ብኤፒደምዮሎጂ (ስነ-ሕማም ለበዳ) ማስተርስ ዲግሪ ዝወነነት ጓል 31 ዓመት ካባሌ፡ ኣዋልድን ኣደታትን ንምብቃዕ ዝዓለመ ፋውንዴሽን መስሪታ ኣላ።

"ኣብ ትምህርቲ ፅኑዕ እምነት እዩ ዘለኒ። ፍረ ትምህርቲ ምስ ቀሰምኩ፡ ናብ ዓደይ ከይደ፡ ኣብኡ ንዝተረፈ ከብቅዕ ወሲነ" ኢላ ካባሌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።

ብካባሌ ዱባ ፋውንዴሽን ኣቢላ ዝኸፈተቶ ቤት-ትምህርቲ፡ ወለዲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መፅዮም ካብ ዝመሃርዎ ምንባብን ምፅሓፍን ብዝዘለለ፡ ብዛዕባ ጥዕና ስነ ተዋልዶን ስርዓተ ምርባሕን ትምህርቲ ይረኽቡ።

ንርእሳ ገና ጓል 12 ዓመት እንከላ ግዳይ ምኽንሻብ ዝኾነት ኣና ካባሌ ዱባ፡ ስድርኣ ኣብ 14 ዓመታ በስገዳድ ከምርዕውዋ ኣብ ዝወሰንሉ እውን ካብ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ሃዲማ እያ።

ኣብ ኬንያ ምኽንሳብ ዘይሕጋዊ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ግና 91 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ንምኽንሻብ ዝተቓልዓ እየን።

እዚ ውድድር ካብ 184 ሃገራት ልዕሊ 24 ሽሕ ነርስታት ዝተሳተፍሉ እዩ።

ኣና ካባሌ ዱባ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ብምዕዋት ሽልማት እንክትጎናፀፍ እዚ ንካልኣይ ግዘ እዩ።

ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እውን ተዓዊታ እያ።