እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛጊት ተጠቃምነቱ ዘየጥፈአ ጥንታዊ መሳርሒታት ሕክምና ግብጺ
ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ኣብ መንጎ ሳይንስን ሃይማኖትን ንጹር ፍልልይ ስለዘይነበረ፡ መድሃኒት ምስ ሽሑር'ዩ (magic) ዝተኣሳስረ ነይሩ።
መብዛሕቱ ግዜ ከኣ ንሕማም፡ ብርኹሳን መናፍስቲ ወይ ብፈጣሪ ከም ዝወርድ መቕጻዕትን ገይሮም ይርድኡዎ ስለዝነበሩ፡ ብጸሎትን ስርየትን'ዩ ዝፍወስ ዝብል እምነት'ዩ ነይሩዎም።
ይኹን እምበር ምስ ኩሉ እቲ ናይ ሽዑ ኣተሓሳስባን እምነትን፡ ሓያሎ ኣብቲ እዋን'ቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መድሃኒታትን መሳርሒታት ሕክምናን፡ ሕጂ ድሕሪ 3ሽሕ ዓመታት እውን እንተኾነ ገና ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ።
ዋሏኳ ምስ ምድምሳስ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣለክሳንድርያን ንውሓት ግዜን ብዙሕ ጠቓሚ ነገር ጠፊኡ ኪኽውን ከምዝኽእል ርዱእ እንተኾነ፡
ቅድሚ ክርስትና ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ከመይ ዝኣመሰለ ሃብታምን ስልጡንን ባህሊ ከምዝነበረ በዚ ስዒቡ ዝቕርብ ዝርዝራት ክንርዳእ ንኽእል።
ውሽጣዊ መጥባሕቲ
ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ብሰንኪ ናይ ድሕረ-ትንሳኤ እምነቶም፡ (ወዲ ሰብ ድሕሪ ሞቱ ካልኣይ ህይወት ክህልዎ' እዩ ዝብል እምነት ስለዝነበሮም) ሬሳ መዋቲ ብመድሃኒት ዓቂቦም ናብ መዓርፎኡ ቅድሚ ምፍናዎም፡
ውሽጣዊ ኣካላቱን ዝነበሮ ሕዱር ሕማምን ብደቂቕ ስለዝርእዩዎ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲ ሰብ ዓሚቑ ፍልጠት ኣዋህሊሎም እዮም።
ስለዝኾነን ብዘዋሀለሉዎ ፍልጠት ከም ምእላይ ሕማም መንሽሮ ኣብ ርእሲ (tumor) ዝኣመሰለ መጥባሕቲ ከካይዱ በቒዖም ነይሮም።
ሕክምና ስኒ
ብተወሳኺ ግብጻውያን፡ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 2700 ዓመታት ኣቢሉ፡ ዝምስገን ናይ ስኒ ሕክምና ኣገልግሎት ነይሩዎም።
ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ስሙይ ሓኪም ስኒ፡ ልዑል መኮነን ንጉስ ዞሰር፡ ኣብ ምግቢ ብዝሕወስ ጸጸር ዝተሃስየን፡ ብረኽሲ ዝተበልዐ ኣስናንን፡ "ኢበርስ" ብዝስመ ባህላዊ መድሃኒት ይፍውስን፡
ንዝተበልዐ ኣስናንን ይመልእን ነይሩ። ገለ ካብቲ መድሃኒት ከኣ ብመዓር እተቓመመ ጸረ -ረኽሲ ይረከቦ።
ምልጋብ ዝተጎድአ ክፍሊ ኣካላት
ኣብ ርእሲኡ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝተጎድአ ከም ኣጻብዕትን መሓውርን ዝኣመሰለ ክፍለ ኣካላት፡ ንዕኡ ዝመሳሰል ውሕሉል ዕንጸይቲ ብምጽራብ:
ኣብቲ ዝተጎድአ ኣካል ብቖርበት ብምስፋይ ይትክእዎ ነይሮም። ዝተጎድአ ኣካላት ናይ ምትካእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ህሉዋት ጥራሕ ዘይኮነ ዋላ ኣብ ምውታን እዩ ዝካየድ ነይሩ።
ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ተጎዲኡ ዝሞተ ሰብ፡ ኣብቲ ካልኣይ ልደተ ፍጥረት ምሉእ ኮይኑ መታን ክምለስ፡ እቲ ዝተጎድአ ክፍለ ኣካላቱ መሊኦምን ጸጊኖምን እዮም ዝቐብሩዎ ነይሮም።
ምኽንሻብ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ
ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ይኹን ብሕክምና ኣብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰባት ምኽንሻብ ዝውቱር እዩ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊ ግብጺ እውን ብሰፊሑ ዝውቱር ስለዝነበረ ዘይተኸንሸበ ወዲ ተባዕታይ ኣይርከብን ነይሩ።
ወተሃደራት ግብጺ፡ በቶም ዘይተኸንሸቡ ዝገዝኡዎም ሊብያውያን ወተሃደራት ይምሰጡ ከምዝነበሩን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ንኣባይቶም ብምውሳድ ሕፍረቶም ንመጻምድቶም የርእዩዎም ከምዝነበሩን ጽሑፋት ይገልጹ።
ኣገልግሎት ጥዕና
ኣብ ጥንታዊት ግብጺ፡ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ምሉእ ብምሉእ መንግስቲ እዩ ዝቆጻጸሮ ነይሩ። ብፍሉጥ ካሪክለም ሓካይም ዝምህርን ዘሰልጥንን ትካል ነይሩዎም።
እቲ ትካል ከኣ ሕሙማን ይቕበልን ይሕክምን ነይሩ። "መዝገበ ኢበርስ" ዝስመ ሕማማትን ኣገባብ ኣፈዋውሰኦምን መድሃኒታትን ዘካተተ መዝገብ ነይሩ።
ኣብ ስርሓት ህንጻ ንዝሳተፉ ሰራሕተኛታት፡ ዝሕክምን ዝኣልን ካምፖ-ሕክምና ከምዝደራጆን ኣብ ስራሕ ሓደጋ ዝወረዶም ሰራሕተኛታት ካሕሳ ይህብ ምንባሩ ዝገልጽ ጽሑፋት ኣሎ።