እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ግዳያት ዝተበከለ ደም ነፍሲወከፎም 100 ሽሕ ፓውንድ ክከሓሱ እዮም
ልዕሊ 4,000 ዝተበከለ ደም ተዋሂብዎም ንዝፈላለዩ ሕማማት ዝተቓልዑ ብሪጣንያውያን፡ ንግዚኡ ነፍሲወከፎም ናይ 100 ሽሕ ፓውንድ ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝተወሰነ መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ካሕሳ ነቶም ብከም ሄፓታይተስን ኤችኣይቭን ዝበሉ ብደም ዝመሓላለፉ ሕማማት ጥዕነኦም ዝተጎደአን ከምኡ እውን ነቶም ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሕክምናዊ ጉድለት መጻምዶም ዝሰኣኑን ዝወሃብ እዩ፡፡
እቲ ክፍሊት ድሕሪ ንዓሰርተታ ዓመታት ዝተኻየደ ጎስጓስ እዩ ንፈለማ እዋን ክኽፈል ተወሲኑ ዘሎ፡፡
እቶም ስድራቤታት ነቲ ውሳነ እኳ እንተተቐበልዎ፡ ብዙሓት ደቆም ዝሞቱዎም ወለዲ ግና ነቲ ዕድል ከምዘይረኽብዎ ገሊጾም።
እቲ ካሕሳ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣብ ስኮትላንድ፣ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ንዝነብሩ ግዳያት እውን ክኽፈሎም እዩ፡፡
ኣብዚ እዋን ግዳያትን ስድርኦም ገንዘባዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ኮይኑ መንግስቲ፡ እቶም ግዳያት ክሳብ ሎሚ ንዝሰኣንዎን ኣብ ህይወቶም ንዝኸሰሩዎን ካሕሳ ንምኽፋል ክሰማማዕ ግን ንፈለማ እዋን እዩ፡፡
እቲ ዝወሃብ ካሕሳ ካብ ቀረጽ ነጻን ነቲ ክወሃቦም ዝጸንሐ ሓገዝ እውን ዘየጉድልን ከምዝኾነ መንግስቲ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ ‘‘ነቲ በቲ ዘይፍትሓዊ ነገር ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዝበጸሐ ጉድኣትን ስቓይን ክመልስ ዝኽእል ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ንግዳያትን መጻምድቶም ንዝሰኣኑን ንምሕጋዝ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና’’ ኢሉ፡፡
እቲ ዝተበከለ ደም ንሕሙማት ብምሃብ ዝተፈጸመ ነውሪ ኣብ ታሪኽ ኣገልግሎት ሃገራዊ ጥዕና ብሪጣንያ (ኤን ኤች ኤስ) ዝቲ ዝኸፈአ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡
ካብ 1970ታት ጀሚሩ ሄሞፊልያን ካልኦት ሕማማት ደምን ንዘለዎም ሰባት ብዝተውሃበ 'ፋክተር 8' ዝተባህለ ሓድሽ ሕክምና ብዙሓት ንዝገደደ ሕማም ተቓሊዖም እዮም።
ኣብቲ እዋን እቲ መድሃኒት ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ኮይኑ፡ ካብ እሱራት ዝርከቡዎም ዝተኸፈሎም ሰባት ዝተኣከበ ደም ዝተዳለወ እዩ ነይሩ፡፡
በዚ መሰረት ሓደ ለጋሳይ ደም'ውን ይኹን ብኤችኣይቪ ወይ ሄፓታይተስ ዝኣመሰሉ ብደም ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝተለኸፈ እንተኔሩ፡ ኣብቲ ዙር ዝፈረየ መድሃኒት ኩሉ ክብከል ይኽእል እዩ፡፡
ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ብሪጣንያውያን ሕሙማት እውን ኣብ እዋን ወሊድን ድሕሪ መጥባሕትን ብዘተገበረሎም ናይ ደም ምምሕልላፍ ንሕማማት ሄፓታይተስ ቢ ን ሲ ን ተቓሊዖም እዮም፡፡
ኣብ 1970ታትን 80ታትን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ዝተሓከሙ ብውሑድ 2,400 ሰባት ብኤችኣይቪ ወይ ሄፓታይተስ ቢ ሞይቶም እዮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተሓተመ ዘይሻራዊ መጽናዕቲ፡ ግዳያት ንዝበጸሖም ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ካሕሳ ክኽፈሎም ከምዝግባእ ዘመልከተ ኮይኑ፡ መጻምዲ፣ ደቂ፣ ኣሕዋትን ወለድን ግዳያት ካሕሳ ክወሃቦም ሓሳብ ኣቕሪቡ፡፡
መንግስቲ ንምኽረ ሓሳብ እቲ መጽናዕቲ እንተተቐቢሉ ብጠቕላላ ዝወሃብ ካሕሳ ካብ ሓደ ቢልዮን ፓውንድ ንላዕሊ ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግመት፡፡