ንኽምርዓዋ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ ኢራን ድንግልና ንብዙሓት ኣዋልድን ስድራቤተንን ቅድሚ መርዓ ኣገዳሲ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ነቲ ተግባር ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት እዩ ክብል እንተነቐፎ’ኳ ሓደሓደ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ክጠልቡ ይረኣዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ብዙሓት ሰባት ኣንፃር እቲ ልምዲ ተቓውሞ ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

በዓል ገዝኣ ንሜሪ ኣብታ ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙላ መዓልቲ "ድንግል ስለ ዘይኮንኪ ኣታሊልኪ ክምርዓወኪ ጌርክኒ። እቲ ሓቂ እንተዝፍለጥ ዝምርዓወኪ ሰብ ኣይምሃለወን" ከም ዝበላ ትዝክር።

ዋላ እኳ ኣብቲ ፆታዊ ርክብ ዝፈጸሙሉ እዋን ደም እንተዘይፈሰሳ ቅድሚኡ ጾታዊ ርክብ ዝብሃል ፈጺማ ከም ዘይትፈልጥ ክተረድኦ እያ ፈቲና።

ንሱ ግን ኣይኣመናን፤ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ክተምፅእ እውን ሓተታ።

እዚ ኣብ ኢራን ዘይተለምደ ኣይኮነን። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሕፀ ናብ ሓኪም ብምኻድ ጾታዊ ርክብ ፈጺመን ከምዘይፈልጣ ዘረጋግጽ መርመራ ክገብራ ይግደዳ።

ይኹን እምበር ውድብ ጥዕና ዓለም ምርመራ ድንግልና ሳይንሳዊ ረብሓ ከም ዘይብሉ እዩ ዝሕብር።

ኣብ ሜሪ ዝተርኣየ ምስ ድንግልንኣ እናሃለወት ናይ ዘይምድማይ ኩነታት፡ ብምኽንያት ኣቀማምጣ ድንግልንኣ ክትደሚ ከምዘይትኽእል እዩ ብሓኻይም ዝተወሃበ መረዳእታ ዘረጋግፅ።

"እዚ ኩነታት ንኽብረይ ዝጎድእ እዩ። ዝኾነ በደል ኣይፈጸምኩን፤ በዓል ቤተይ ግን ምጽራፍ ኣየቋረፀን" ትብል።

ነቲ ዘጋጠማ ክትፃወሮ ስለዘይከኣለት መድሓኒት ብምውሳድ ነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ፈቲና ነይራ።

ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ድማ ብህይወት ክትተርፍ ኪኢላ።

"ነተን ፀልማት እዋናት ፈጺመ ኣይርስዐንን። ኣብቲ ግዜ ካብ ክብደተይ 20 ኪሎ ነክየ ነይረ" ትብል።

እቲ ተግባር ንኽቋረፅ ዝፅውዑ ተቓውሞታት

ዛንታ ሜሪ ኣብ ህይወት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ዘጋጥም እዩ።

ቅድሚ መርዓ ድንግልና ዓቒብካ ምፅናሕ ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ኣዋልድን ስድራቤተንን ወሳኒ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።

ብፍላይ ኣብ ባህላዊ ዓቃባውነት ዓሚቝ ሰረት ኣለዎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግን ነገራት ክቕየሩ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መርመራ ድንግልና ደው ንኽብል ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ብኢንተርነት ዝተኻየደ ፊርማ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ኣስታት 25 ሽሕ ፌርማታት ክረክብ ኪኢሉ ነይሩ።

ኣብ ኢራን መርመራ ድንግልና ብብዙሓት ቅሉዕ ተቓውሞ ከጋጥሞ ከሎ ሽዑ ንፈለማ እዋን እዩ።

"እዚ ንውልቃውነት (ምስጢራውነት) ዝግህስን ንኽብሪ ዘዋርድን'ዩ" ትብል ኔዳ።

ንሳ ጓል 17 ዓመት ተማሃሪት እንከላ እያ ኣብ ቴህራን ብኣፍቃሪኣ ድንግልንኣ ከይዱ።

"ሽዑ ብጣዕሚ ሰንቢደ። ስድራይ እንተፈሊጦም እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ኣዝየ እየ ፈሪሔ ነይረ" ትብል።

በዚ ምኽንያት ኔዳ ንድንግልንኣ ክትጽግኖ ወሰነት።

ብርግፅ እዚ ኣገባብ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣይኮነን፤ ግን ድማ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሳዕቤናት ስለዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሆስፒታል ነቲ ተግባር ክፍጽሞ ኣይሰማማዕን።

ስለዚ ኔዳ ነቲ ፅገና ብሕቡእ ክፍፅመላ ዝኽእል ናይ ብሕቲ ክሊኒክ ደልያ ረኸበት፡ እቲ ዋጋ ግን ኣዝዩ ከቢድ ነበረ።

"ኩሉ ዝዓቖርክዎ ገንዘበይ ኣውጺአ፤ ላፕቶፐይ፣ ሞባይለይን ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ስልማተይን ሸይጠ" ትብል።

ኣብ ሞንጎ እቲ መስርሕ ፅገና ድንግልና ገለ ስሕተት እንተኣጋጢሙ ድማ ምሉእ ሓላፍነት ክትወስድ ፈረመት።

ብድሕሪኡ ሓንቲ መዋልዳን (መሕረሲት) ነቲ ስራሕ ፈጸመትላ።

ዝወሰዶ ግዜ ድማ 40 ደቓይቕ ነይሩ። ኔዳ ግን ንኽትሓዊ ብዙሕ ሰሙናት’ዩ ወሲድዋ።

"ብዙሕ ቃንዛ ነይሩኒ። እግረይ ከንቀሳቕስ ኣይከኣልኩን" ክትብል ትዝክር።

ንኹሉ ነገር ካብ ወለዳ ሓቢኣ እያ ኣሕሊፋቶ።

"ኣዝዩ ጽምዋ ተሰሚዑኒ። ንሳቶም ከይፈልጡ ነቲ ሽግር ፍታሕ ክረኽበሉ ምኽኣለይ ግን ነቲ ቃንዛ ክጻወሮ ዝሓገዘኒ ይመስለኒ" ትብል።

ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ኔዳ ዝፈጸመቶ ኩሉ ነገራት ንኸንቱ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ክምርዓዋ ምስ ዝደሊ ሰብ ተራኸበት።

ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፈጸሙሉ እዋን ግን ኣይደመየትን። እቲ ዝፈጸመቶ ጽገና ድንግልና ፈሺሉ።

"ኣፍቃሪየይ ኣታሊለ ናብ ሓዳር ከእትዎ ከምዝፈተንኩ ብምሕባር ከሲሱኒ። ሓሳዊት ከምዝኾንኩ ነጊሩ ገዲፉኒ ከይዱ" ክትብል ነቲ ዘሕለፈቶ ተዘንትው።

ጸቕጢ ካብ ስድራቤት

ውድብ ጥዕና ዓለም ንመርመራ ድንግልና ስነ-ምግባራዊ ከምዘይኮነን ሳይንሳዊ ረብሓ ከምዘይብሉን ብምግላፅ እኳ እንተኹነኖ፡ እቲ ተግባር ግን ክሳብ ሕጂ ኢንዶነዥያ፣ ዒራቕን ቱርክን ኣብ ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራት እዩ ዝፍጸም።

ትካል ሕክምና ኢራን፡ መርመራታት ድንግልና አብ ከም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ጉዳያትን ክስታት ዓመጽን ዝበሉ ፍሉይ ኩነታት ጥራሕ ክካየዱ ኣለዎም ዝብል መርገጺ ኣለዎ።

ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ናይ ድንግልና ምስክር ወረቐት ንምርካብ ዝቐርብ ሕቶታት ካብቶም ንኽምርዓዉ ዝሓሰቡ መጻምድቲ እዩ።

ምርጭኦም ድማ ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ክሊኒካት ይኾኑ።

መብዛሕትኡ ግዜ እተን ደቂኣንስትዮ ብኣዴታታተን ከይተረፈ ተዓጂበን ነቲ ምርመራ ከካይዳ ይግደዳ።

ሓካይም ማህጸን ወይ መዋልዳን ከኣ ነቲ መርመራ ብምክያድ ምስክር ወረቐት ይህቡ።

እቲ ምስክር ወረቐት ስም እታ ጓል ኣንስተይቲ፣ ስም ኣቦኣ፣ ቁፅሪ ሃገራዊ መለለዪ መንነታ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ስእላ ዝሓዘ ይኸውን።

ንኹነታት ድንግልና እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝገልጽ ኮይኑ፡ "እዛ ጓል ድንግል ትመስል" ዝብል መግለፂ’ውን የጠቓልል።

ኣብቶም ኣዝዮም ዓቃባውያን ዝኾኑ ስድራቤታት፡ ኣብቲ ሰነድ ኽልተ መሰኻኽር - ብፍላይ ኣዴታት ክፍርማ ይግበር።

ዶክተር ፋሪባ ሰርቲፊኬት ኣብ ምሃብ ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ። ንሳ ዘዋርድ ተግባር ምዃኑ’ያ ቅቡል ትገብር። ግን ድማ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ትሕግዝ ከምዘላ ትኣምን።

"ካብ ስድራቤተን ኣብ ዝበፅሐን ከምዚ ዝበለ ጸቕጢ እየን ዘለዋ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቶም መጻምድቲ ብቓል ክሕስዎም እየ። ብሓባር እንተ ደቂሶም ክምርዓዉ እንተደልዮምን፡ እታ ሰበይቲ ድንግል ከምዝኾነት እየ ኣብ ቅድሚ ስድራቤቶም ዝዛረብ" ትብል።

ንብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ግን ድንግል ንዝኾነት ምምርዓው ሕዚ እውን ወሳኒ ጉዳይ እዩ።

"ሓንቲ ጓል ቅድሚ መርዓኣ ድንግልናኣ እንተስኢና ተኣማኒት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ንሰብኣያ ገዲፋ ናብ ካልእ ወዲ ተባዕታይ ክትከይድ ትኽእል እያ" ይብል ወዲ 34 ዓመት ዓሊ።

ንባዕሉ ግን ምስ 10 ኣዋልድ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸመ ይዛረብ።

ዓሊ ኣብ ሕብረተሰብ ኢራን ንደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ብማዕረ ናይ ዘይርእይ ፀገም ከምዘሎ ይቕበል፡ እንተኾነ ግን ነቲ ልምዲ ንምስባር ምኽንያት ከምዘየድልይ ይዛረብ።

"ማሕበራዊ ስርዓታት እታ ሃገር ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ናጽነት ከም ዘለዎም እዮም ዝቕበሉ" ይብል።

ኣረኣእያ ዓሊ ብፍላይ ኣብ ገጠራትን ዓቃባውያንን ከባቢታት ኢራን ብዙሓት ሰባት ዝቕበልዎ እዩ።

ዋላ'ኳ ኣንጻር መርመራ ድንግልና ዝግበር ሰልፍታት እናወሰኸ ይመፅእ እንተሃለወ፡ እዚ ልምዲ ግን ኣብ ውሽጢ ባህሊ ኢራን ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሓት መንግስትን ኣውፃእቲ ሕግን ነቲ ተግባር ፈጺሙ ዝእግድ ሕጊ ኣብ ቀረባ እዋን ከውጽኡ ከምዘይክእሉ ይኣምኑ።

ተስፋ ኣብ መጻኢ

ሜሪ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ህይወታ ክተጥፍእ ድሕሪ ምፍታንን ምስቲ መጥቃዕቲ ዘብፅሓላ በዓል ቤታ ድሕሪ ምቕማጣን፡ ኣብ መወዳእታ ብቤት ፍርዲ ኣቢላ ፍትሕ ክትፍፅም ክኢላ’ላ።

"ንሰብኣይ ዳግማይ ክኣምኖ ኣዝዩ ከቢድ ክኾነኒዩ። ኣብ ቀረባ እዋን መሊሰ ክምርዖ ከምዝኽእል ኣይረኣየንን" ትብል።

ንሳ’ውን ልክዕ ከም ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ምሃብ ምስክር ወረቐት ድንግልና ደው ንምባል ብኦንላይን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ፊርምኣ ከምዝሃበት ትዛረብ።

ዋላ እኳ ኣብ ቀረባ እዋን ዝቕየር ነገር እንተዘይተጸበየት፡ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ዕድሚኣ እውን እንተዘይኮነ፡ ሓደ መዓልቲ ግን ደቂ ኣንስትዮ ሃገራ ማዕርነት ክረኽባ እየን ዝብል እምነት ኣለዋ።

"ሓደ መዓልቲ ከም ዝኸውን ርግጸኛ እየ። ኣብ መጻኢ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ በቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ ክትሓልፋ ከምዘይትግደድ ተስፋ እገብር" ትብል።

[ኣስማት ኩሎም ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ሰባት ንድሕነቶም ብዝብል ተቐይሩ’ሎ።

ኣብዚ ፅሑፍ ብዝተልዓሉ ዛዕባታት ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ዝተፀለውኩም እንተሃሊኹም ንደገፍ ናብ ቢቢሲ ኣክሽን ላይን ተወከሱ]