እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብደቂ ኣንስትዮ ዝዕቀቡ ዘለዉ ጥንታዊ ገዳማት
ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝተሃንጹ ገዳማት ቲበት ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።
ነበርቲ ቲበት ድማ ነቶም ገዳማት ንምድሓን ይጽዕሩ።
ኣብ ዶብ ቲበትን ኔፓልን ኣብ ጎቦታት ዳላጊሪ ዝርከብ ገዳም ካግ ኮዴ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሓደ እዩ።
ታሺ ኩንጋ ንኣፈ ታሪኽ ናይ ሓደ ሪንፖቸ ዝበሃል መራሒ ሃይማኖት (ጉሩ) የዘኻኽር።
ብመሰረት እቲ ኣፈ ታሪኽ ሰይጣን ኣብ ገዳም ቲበት ቅልውላዕ የስዕብ። እቲ መራሒ ነቲ ጋኔን ናብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኔፓል ዝርከብ ከባቢ ይሰጐ።
ናይ ሰይጣን ሬሳ ድማ ኣብቲ ከባቢ ከረን ይቐብሮ። ኣብ ጥቓ እቲ ሙስታግ ዝበሃል እምባ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ሰይጣን ተቐቢሩሉ ዝተባህለ ከባቢ የኽብርዎ እዮም።
“ሎ ማንታንግ ኣብቲ ልቢ ሰይጣን ዝርከበሉ ቦታ እዩ ተሃኒጹ። እዚ ኣብ 1380 ዓ.ም እዩ" ይብል ታሺ ኩንጋ።
ኣብዚ ከባቢ ብዙሓት ገዳማት ኣለዉ።
ነበርቲ’ቲ ከባቢ ቀዳሞት ማሕበረሰባት ሎባስ ይበሃሉ ነበሩ። ንዘመናት ኣብ ኣኽራናት ቲቤት ዝነብሩ እዮም።
እዚ ጎንፓስ ዝብልዎ ኣኽራናዊ ከባቢ፡ ኣዝዩ ዝኽበር ቦታኦም እዩ።
ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝተሃንጹ ገዳማት ኣለዉ። እዞም ገዳማት ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ክህሰዩ ጀሚሮም ኣለዉ።
ጠንቂ ጉድኣት ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
ካብ መጠን ንላዕሊ ህቦብላን ዝናብን ነቲ ሓመድ ክሽርሸርን ነቶም ገዳማት ክሃስዮምን ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ናሕሲ ገዳማት ከፈስስ ጀሚሩ’ዩ።
ታሺ፡ ብመሰረት ሃይማኖት ቡድሃ ኣብ ገዳማት ዝርከቡ ስእልታትን ቅርስታትን ከም ኣማልኽቲ ከም ዝቑጸሩ ይዛረብ።
“እዚ መሰረታት እምነት እዚ ይሽርሸር ኣሎ። ንዝተጎድኡ ኣማልኽቲ ክንሰግድ ኣይንኽእልን ኢና።"
“ንሕድሪና ክጽግን ዝኽኣለ ሰብ የለን። ኣማልኽቲ በዚ ከምዝተቖጥዑ ንኣምን" ክብል ይውስኽ።
እዞም ገዳማት ቡድሃ፡ ሓድጊ ቅርስታትን ማእከል ባህሊ ቲበት እዮም።
ይኹን እምበር ለውጢ ክሊማ ነዞም ጥንታዊ ቅርስታት የዕንዎም ኣሎ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣግን ብ ምሕላው ቅርስታት ክእለት የማዕብሉ ኣለዉ። ነቶም ስእልታት እውን ክሕድስዎም እናፈተኑ ይርከቡ።
ናሕስታት ዳግማይ ከየፍስሱ ድማ ብዕንጨይቲ ይጽገኑ ኣለዉ።
ሓላፊ ጽገና እቶም ቅርስታት ሉዊጂ ፊጌኒ እዩ። ሓረስቶት እቲ ከባቢ ናብ ጸገንቲ ቅርስታት ይቕይሮም ከም ዘሎ ይዛረብ።
እቶም ሓረስቶት ብራሽ ምስ ካንቫስ ኣራኺቦም ዘይፈልጡ እኳ እንተኾኑ፡ ድሕሪ ነዊሕ ስልጠና ናብ ጽገና ኣትዮም ኣለዉ።
“ቅድሚ መበል 15 ክፍለ ዘመን ዝተሰርሑ ስእልታት ንምጽጋን ግዜ ወሲዱሎም። ኣብ መወዳእታ ግን ውጽኢት ረኺቡ” ይብል ሉዊጂ።
ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዋሕዚ በጻሕቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ሓድግታት ምዕቃብ ኣገዳሲ’ዩ።
10 ሰባት ተኣኻኺቦም እዮም ኣብ ምጽጋን ቅርስታት ክሳተፉ ጀሚሮም። ሕዚ 45 በጺሖም ኣለዉ። መብዛሕትአን ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ክሳዕ ደሓር እታ ጉጅለ ኣብ መጀመርታ ደቂ ኣንስትዮ ኣክሳተፋ ፍቓደኛ ኣይነበረትን፤ ብመሰረት ባህሊ እቲ ከባቢ ደቂ ኣንስትዮ ቅዱሳት ነገራት ክትንክፋ ኣይፍቀደለንን።
ሉዊጂ፡ "ንዓመታት ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብዝገበርናዮ ዝርርብ ደቂ ኣንስትዮ ከነዋፍራ ክኢልና ኣለና" ይብል።
ሓዳር ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ከም ምብሳልን ምጽራይን ዝኣመሰሉ ናይ ገዛ ሓላፍነታት ይወሃበን።
ጓል 40 ዓመት ታሺ ማንግሞ፡ ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ምጓስ ከብትን ኣብ ምእካብ ተኽልን እያ እተሕልፎ። ኣታዊኣ ብዙሕ ኣይነበረን።
ትምህርቲ ጽገና ቅርስታት ክወሃብ ምስ ጀመረ ተመዝጊባ።
“ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዕዮ ገዛ ንኸነውጽኣ ኣኽኢሉና። ኣብዚ ስራሕ እንተዘይንኣቱ ህይወት ደው ምበለ ነይሩ" ትብል።
ጓል 42 ዓመት ዶልማ ተስሪንግ እውን ምጽጋን ስነ-ጥበብን ቅርስታትን ተማሂራ እያ። ንሳ ቅርስን ባህልን ቲበት ካብ ምዕቃብ ብተወሳኺ ካብዚ ስራሕ መንፈሳዊ ረብሓ ከም እትረክብ ትኣምን።
“ዝተሃሰዩ ምስልታት ኣማልኽቲ ምጽጋን ዋጋ ናይቲ ከባቢ ክብርኽ ዝገብር’ዩ። ክሳብ ክንደይ ንጽዕር ከም ዘለና ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም።"
ለውጢ ክሊማ ሕዚ’ውን ንኣከባቢ ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ። ሂማላያ ካብቶም ንሙቐት ዓለም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሃገራት እዩ።
ዝናብ እውን ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ድርቂ እውን ይርአ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ዝናብ ሩባታት ይመልኡ ኣለዉ።
ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ድማ ንዝሓሸ ናብራ ናብ ከተማ ይስደድ ኣሎ።
ታሺ ጉሩንግ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ጸኒሖም ሕድሪ ክጽግኑ ዝመረጹ እዩ።
ሕዚ ወናኒ ማእከል ስነ-ጥበብ ኮይኑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ቅርስታት ቡድሃ የቕርብ።
ካብ መሸጣ ስነ-ጥበብ ብዝረኽቦ ኣታዊ ንደቁ የምህር።
"እዘን ገዳማት እንተዘይህልዋ ነይረን ኣነ’ውን ከም ኣዕሩኽተይ ናብ ወጻኢ ሃገር ምተሰደድኩ ነይረ" ይብል።
መብዛሕትአን ኣብ ምጽጋን ቅርስታት ዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ከባቢ ብስርሐን ይሕደስ ከምዘሎ ይኣምና።
ካምቲ ብኣፈ ታሪኽ ዝንገር፡ ኣብቲ ከባቢ ሰይጣን ጥራይ ዘይኰነ፡ ለውጢ ክሊማ እውን ጸላኢ እዩ።
ነዚ ድማ እዮም "ባህልና ከነድሕን እንተድኣ ኣለና ገዳማት ንምድሓን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና" ዝብሉ።