ጥንስን ኣደነትን ነጀው ዝብላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ

ብደረጃ ዓለም፡ ቁጽሪ ቈልዓ ክወልዳ ዘይደልያ ደቂ ኣንስትዮ ይወስኽ ኣሎ፤ ዓለማዊ መጠን ወሊድ ክኣ ይንኪ።

ናብዚ ምርጫታት ዝወስደን ዘሎ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እዩ።

ካብ ክሊማዊ ጭንቀታት ክሳብ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ከምኡ’ውን ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ዘለው ስግኣታት፡ “ብምርጭአን ቈልዓ ዘይብለን” ክዀና ይደልያ ኣለዋ።

እንተዀነ፡ ማሕበራዊ ቕቡልነት ይስእናን ሓሓሊፉ ስምዒት ተነጽሎ ይፈጥረን ከም ዘሎን ይስትውዓል።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ልዕሊ 500 ኣባላት ዘለውዎ ቈልዓ ክወልዳ ብዘይደልያ ደቂ ኣንስትዮ ዝተጣየሸ ማሕበራዊ ጉጅለ ኣሎ።

እዚ፡ ‘ብሪስቶል ቻይልድፍሪ ውመን’ ይብሃል።

ካሮላይን ሚሸል ሓንቲ ካብኣተን እያ፤ ካብ ቀደማ ቈልዓ ከም ዘይትደሊ ትፈልጥ ነይራ።

ጓል 46 ዓመት ካሮላይን፡ ኣብ ብሪስቶል ምስ በዓል ቤታ ትነብር።

ንሳ፡ ንእስቲ እንከላ ብዛዕባ ቈልዓ ምውላድ ተጨኒቓ ከም ዘይትፈልጥ፡ ክሳብ እቲ መሓዙታን ካልኦት መቕርባታን ቈልዓ ክወልዱ ምስ ጀመሩ እሞ ሕቶታት ክቐርበላ ምስ ጀመረ ኣቕሊባትሉ ከም ዘይትፈልጥ ትዛረብ።

“ብኡ ምኽንያት ግርምቢጥ ዝዀንኩ መሲሉ ተሰሚዑኒ፤ ናተይ ኣጠማምታን ተሞኩሮን ቕቡል ከም ዘይኰነ ተሰሚዑኒ”።

ንሳ ከም እትብሎ እንተዀይኑ፡ እቲ ማሕበረሰብ ንኣዶነት ተባሂሉ ዝተሰርዐ እዩ።

“ካብ ብዙሕ ማሕበራዊ ህይወት ክንደየናይ ትግለል ከም ዘለኻ ትግንዘብ። ንዓይ ሰባት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ፤ ምኽንያት መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደገ ኣፌት ቤት ትምህርቲ ወይ ክለባት ኣዴታት ኢኻ ትረኽበን” ትብል።

ካሮላይን፡ ሓሓሊፉ ቈልዓ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ “ዓለም” ቈልዓ ንዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ እያ ትምችእ ኢለን ከም ዝኣምና ትዛረብ።

መብዛሕትአን መሓዙታ ቈልዓ ኣለወን። ኰነ ኢለ ሕማቕ ክስምዓ’ኳ እንተዘይገበራ፡ ንሰን “ሓደ ነገር ይገብራ” ምህላወን፤ ንሳ ድማ ካልእ ነገር ትገብር ምህላዋ “ኣዝዩ ኣጸጋሚ” ከም ዝነበረ ገሊጻ።

ንሳ፡ ብምርጭኣን ውሳንኣን “100 ርግጸኛ” ከምኡ’ውን “ኣመና ምችእቲ” እኳ እንተዀነት ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግን ውሳንኣ “ከም ዝጓሃየትን” ኣይሓብአትን።

እዚ ድማ፡ ካብቲ ቅኑዕ ተባሂሉ ዝውሰድ “ባህላዊ ትጽቢታት” ዝምንጪ ከም ዝዀነን ጓል ኣንስተይቲ እንተዀይንካ ቈልዓ ምውላድ “ክትገብሮ ዝግብኣካ ተፈጥሮኣዊ ነገር” እዩ ተባሂሉ ስለ ዝሕሰብን ምዃኑ ገሊጻ።

ሜጋን ስታንሊ፡ “ጽንፈተ ጽጊያ” እትርእየሉ መዓልቲ ኣዝያ ትናፍቕ።

ኣብ 2022 ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ብዝሒ ቈልዓ ከይወለዳ 30 ዓመት ዝመልአን ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ወሰኽ ከም ዘርኣየ የመልክቱ።

ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ 1990 ዓ.ም ኣብ ኢንግሊዝን ዌልስን ዝተወልዳ ልዕሊ ፍርቂ ደቂ ኣንስትዮ (50.1 %) ብ2020 ዓ.ም፡ 30 ዓመት ክመልአን እንከሎ ቈልዓ ኣይነበረንን።

ሜጋን፡ ብዛዕባ ቈልዓ ኣይወልድን ዝብል ውሳንኣ ርግጸኛ ስለ ዝነበረት፡ ጓል 19 ዓመት እንከላ ኣትሒዙ ክትመክን ትፍትን ነይራ።

ብርቱዕ ቃንዛ ዘሎ ወርሓዊ ጽጊያ ኣብ እትርእየሉ እዋን፡ “ሰብነትካ ወርሓዊ ብቓንዛ ክሓልፍ ምርኣይ ጭካነ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓካ። ምምኻን ወርሓዊ ጽጊያ ደው ከም ዘየብሎ ይፈልጥ እየ፤ ግን ንቀንዲ ምልክታት የፍዅሶም’ዩ” ትብል።

እንተዀነ፡ እዛ ጓል 31 ዓመት መንእሰይ ብተደጋጋሚ ንኻልኦት ብድሆታት ተቓላዒት ኰይና።

“ሓኻይም፡ ወትሩ ‘ጌና ኢኺ’ ወይ ‘ምናልባት ሓሳብኪ ክትቕይሪ ትኽእሊ ኢኺ’ ይብሉኒ” ትብል።

ጓል 29 ዓመት ምስ ኰነት ምስ ሓደ ክኢላ መጥባሕቲ ቈጸራ ገይራ።

“ኵሉ ነገር ኣዳሊየ - ዝነበረኒ ናይ ሕክምና ሰነዳት፣ ምኽንያተይ ብሙሉኡ ኣዳልየ። ካብ ናይ ስነ-ልቦና ኣማኻሪየይ እንከይተረፈ ምስክር ኣዳልየ”።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ክኢላ ማህጸን መጻምዲ ኣለኪ’ዶ የብልንክ ኢሉ ምስ ሓተተ፡ ኵሉ ነገራት ተቐይሩ።

“ኣብቲ እዋን፡ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኸውን ምስቲ መጻምደይ ርክብ ጀሚረ ነይረ” ኢላ።

መጻምዳ’ውን ቈልዓ ከም ዘይደልን ድሮ መጥባሕቲ መትረብ ዘርኢ ከም ዝገበረን ነቲ ዶክተር ነጊራቶ።

‘ሰብነተይ’ዩ’

ድሕሪኡ፡ እቲ ክኢላ መጻምድኺ መጥባሕቲ መትረብ ዘርኢ እንተገይሩ ‘ንስኺ ምምኻን ኣየድልየክን፤ የድልየኪ ድዩ?’ ከም ዝበላ ትዛረብ።

ኣብዚ ግዜ፡ ሜጋን እቲ ዝሓሰበቶ ክትገብር ኣይክኣለትን፤ “ኣብ ሰብነተይ ዝኸውን ነገር ስለ ምንታይ ምስ ናቱ (መጻምዳ) ክራኸብ ተገይሩ? ሕጂ ዘለኒ ኣማራጺ ንጽንፈተ ጽግያይ ምጽባይ ጥራይ እዩ፤ ንዕኡ’የ ዘመዓዱ ዘለኹ” ኢላ።

ካሮላይን፡ ብሰንኪ ምርጫኣን ውሳንኣ ምስቲ “ንቡር ማሕበረሰብ” ዝብሃል ክትወሃሃድ ከም ዝኸብዳ እያ ትገልጽ፤ ሓሓሊፉ “ዝተፈለኹ” ምዀንኩ ኢለ ይምነ ትብል።

“ብገለ መልክዑ ህይወተይ ቀሊል ምዀነ”።

ፊዮና ፖውሊ፡ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ሓላፊት ጉጅለ ቈልዑ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ብሪስቶል ኰይና ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።

ኣዲኣ፡ ቈልዑ ኣብ ምዕባይ እትሓልፎ ዝነበረት ብድሆታት ብምርኣይ ጌና ጓል 12 ዓመት እንከላ ኣትሒዛ ቈልዓ ከም ዘይትወልድ ምውሳና ትዝክር።

“ኣዶነት ብዙሕ ምዝናይ ዘለዎ ነገር ኣይመስለንን”።

ጓል 49 ዓመት ፊዮና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምልክታት ጽንፈተ ጽጊያ ክትርኢ እኳ እንተጀመረት፡ ኰን ዶዀን ምወለድኹ ምሓሸኒ ዝብል ጣዕሳ የብላን።

“ኣዝዩ ምቹእ ይመስል” ትብል።

'ስስዕቲ'

ሕጂ ኰይና ክትሐስቦ እንከላ፡ ፊዮና ‘ንፍዕቲ ኣደ ምወጸኒ ነይሩ’ ዝብል ስምዒ’ኳ እንተሃለዋ፡ “ብዙሕ ግን እትደልዮ” ነገር ኣይኰነን።

ይኹን’ምበር፡ ልክዕ ከም ካሮላይንን ሜጋንን ምስ ሓደሽቲ ሰባት ክትራኸብ እንከላ፣ ቈልዓ ዘይምውላድ ከም ዝመረጸት ክትነግሮም እንከላ ብኣሉታ ከም ዝርእይዋ ትገልጽ።

“ክትጥዓሲ ኢኺ ይብሃል፤ ምንባርኪ እንታይ ትርጕም ኣለዎ? ቈልዓ እንተዘይሃልዩኪ ከም ጓል ኣንስተይቲ ትርጉም የብልክን እብሃል” ትብል ፊዮና።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት “ስስዕቲ” ተባሂላ እያ፤ ገሊኦም’ውን ምስ ኣረግኺ መን’ዩ ክናብየኪ ኢሎምዋ።

ግን፡ “ንሳቶም’ውን ምርጫ ከም ዘለዎም ስለ ዘይፈለጡ’ዩ ዝኸውን” ትብል።

ገለ ሰባት ድማ፡ “ቈልዑ እትጸልእ” ወይ “ስስዕቲ ሰብ” ኢኺ ብምባል ይነቕፉዋ።

“ቈልዑ ዘይምድላየይ፡ ምስ መንነተይ ዝተኣሳሰር ባህሪ ይመስለኒ” እትብል ፊዮና፡ ሰባት ቈልዓ ንዘይምውላድ ክውስኑ ዝገብሩዎም ብዙሓት ምኽንያታት ከም ዘለው ትገልጽ።

ናታ ምኽንያት፡ “ምናልባት ዘይጥዑይ” ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢላ ትሓስብ፤ ግን ድማ “ሃንደበት ምስ ኣረግኹ ዝጥዓሰሉ” ኣይኰነን ትብል።

ካሮላይን፡ “ሓራቕ ኣደ’የ ክኸውን ነይረ” ብምባል ቈልዓ ዘይምውላዳ ግን ምስ መጻምዳ ኣብ ዘለዋ ርክብን እትፈትዎም ነገራትን ከተትኩር ግዜ ክትረክብ ከም ዘኽኣላ ትዛረብ።

ሜጋን በዚ ትሰማማዕ።

“ቈልዑ ብዘይምህላዎም እትረኽቦ ብዙሕ ሓጐስ ኣሎ። እዚ ብዛዕባ ናጽነትን ገንዘብን ኣይኰነን፤ ምርጫ እዩ”።