ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳብ በዓል ትንሳኤ

ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዝዀኑ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ሎሚ ሎሚ ሰንበት 05 ግንቦት (27 ሚያዝያ ኣ.ግ) የኽብሩ ኣለው።

ትንሳኤ፡ እየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ምትንስኡ ዝጽንብል ዓብዪ በዓል ሰዓብቲ ክርስትና እዩ።

ይኹን’ምበር ኣመንቲ ክርስትና ነዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ እዮም ዘኽብርዎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና፡ በዓል ትንሳኤ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ'ዮም ኣኽቢሮም።

ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ዝርከቡ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ግን፡ ሎሚ የኽብሩ ኣለው።

ንምዃኑ በዓለ ትንሳኤ ስለ ምንታይን ብኸመይን’ዩ ዝኽበር? ሰሙነ ሕማማት’ከ እንታይ ማለት’ዩ?

በዓል ትንሳኤ ስለ ምንታይ'ዩ ዝኽበር?

ትንሳኤ ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ኣመንቲ ክርስትና እዩ።

ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብሎ እየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ተሰቒሉ ድሕሪ ሰልሰተ መዓልቲ ዕለተ ሰንበት ካብ ሞት ተንሲኡ።

ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዓብዪ ጾምን ንስሓን ዝጸንሑ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና እዚ በዓል ክርስቶስ የብዕሉ።

ትንቢታት ብሉይ ኪዳን ዝተፈጸመላን እግዚኣብሔር ነዛ ዓለም ዘድሓነላን እትውክል’ያ ኢሎም’ውን ይኣምኑ።

ብመሰረት ትውፊታት ክርስትና ትንሳኤ ማለት፡ እየሱስ ንሞት ስዒሩ ኣመንቲ ካብ መከራ ናብ ክብሪ፡ ካብ ባርነት ናብ ዘለአለማዊ ነጻነት፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከምኡ’ውን ካብ ሓጢኣት ናብ ጽድቂ ዘሰጋገረሉ ዕለት ማለት እዩ።

ትንሳኤ መልእኽቱ ዓብዪን ዓሚቕን ብምዃኑ ድማ ልዕሊ ካልኦት በዓላት ጸብለል ኢሉ ይኽበር።

ኣመንቲ ክርስትና፡ “'ወዲ ኣምላኽ ክንሱ፡ ድኹም ስጋ ኣዳም ለቢሱ፡ ኣብ ምድሪ ከም ሰብ ተመላሊሱ፡ መከራን ስቓይን ምድሪ ቀሚሱ፡ ንሰለስተ ዓመት ወንጌል ሰቢኹ፡ ን40 መዓልቲታት ብሰይጣን ተፈቲኑ፡ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ሞይቱ - ተቐቢሩ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ስዒሩ ተንሲኡ”' ብምባል ብኽብርን ምስጋናን የኽብሩ።

ዋላ’ኳ ሓሓሊፉኣብ ኣተረጓጉማ ጽሑፋት ቅዱሳት መጽሓፍቲ ፍልልያት እንተሃለዎም፡ ኣብዛ ምድሪ ዘለዋ ኣስታት 200 ዝዀና እምነታት ክርስትና ኣብ ስቕለትን ትንሳአን ክርስቶስ ግን ሓባራዊ ኣረዳድኣ ከም ዘለወን መዛግብቲ የመልክቱ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን በዓለ ትንሳኤ ከም ኵሉ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ መንጐ ምእመናን ክርስትና ፍሉይ ክብሪ ኣለዎ።

እቶም ን55 መዓልታት ኣብ ጾምን ጸሎትን ዝጸንሑ ምእመናን ውሉደ ክህነትን “ክርስቶስ ተንስኣ እም-ሙታን” ብማለት ጾመ-ሉጓም ፈቲሖም፡ ከከም ዓቕሚ ነብሶም፡ ሕሩድ ሓሪዶም፡ መዋጽኢ ክዳኖም ለቢሶም፡ ፈጣሪ ንዓመታ እዚ እዋን ከየሽረፈ ከየጉደለ ከጽንሖም፡ ዝወለዱዎም ከዕብየሎም፡ ዝዘርእዎ ከፍርየሎም ሰላምን ጥዕናን ክህቦም ብምትስፋው ንመዓልቲ ብፍቕርን ምስጋናን ከብዕሉዋ ይስትውዓል።

በዓል ትንሳኤ ድሒረን ዘኽብራ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ እምነታት ክርስትና ኰይና፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰዓብቲ ከም ዘለውዋ ይእመን።

ብ1582 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግሪጎሪ መበል ዓሰርተ ሰለስተ፡ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ንኽትዘውር ዝወስደላ 365.2425 መዓልቲታት ካብቲ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ጁልየስ ዝግለጽ ቁሩብ ምትዕርራይ ከም ዘድልዮ ብምውሳን፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ንወርሒ ለካቲት ሓንቲ መዓልቲ ብምውሳኽ፡ ምትዕርራይ ስለ ዝገበረ፡ እዚ ሎሚ ምዕራብ ዓለም ዝጥቀመሉ ዘሎ ዓውደ ኣዋርሕ ማዕቢሉ።

ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ናይ ዓውደ ኣዋርሕ ምትዕርራይ ከኣ፡ ኣብያተ ክርስትያናት ካቶሊክን ኣርቶዶክስን ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ሩስያ፡ ግሪኽ፡ ዩክረን፡ ሩመንያ፡ ሊባኖስ ዝኣመሰላ ሃገራት ድሒረን በዓለ ትንሳኤ የብዕላ።

ብዝተረፈ ኩለን እምነታት ክርስትና ኣብ ልደትን ጥምቀትን፡ ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስን ወንጌላዊ ኣስተምህሮኡን ሓባራዊ ኣረዳድኣ ከም ዘለወን ሊቃውንተን ይገልጹ።

ዓውደ ኣዋርሕ ግሪጎሪ ክእወጅ እንከሎ ኣብ መላእ ዓለም ሓባራዊ ተቐባልነት ስለ ዘይነበሮን፡ ኩለን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ስለ ዘይበጽሓን ዝተፈላለያ ሃገራትን እምነታትን ነቲ ዝተኸተልኦ ዓውደ ኣዋርሕ ብምስዓብ በዓላተን የኽብራ።

ሰሙነ ሕማማት እንታይ እዩ?

ሰሙነ ሕማማት ኣብ መወዳእታ ናይ ዓቢይ ጾም ማለት ሓደ ሰሙን ቅድሚ ትንሳኤ ዘለዋ መዓልቲታት እየን።

ኣብዚ ሰሙን፡ እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ኣዳም ካብ ባርነት ዲያብሎስ ሓራ ንምውጻእ ሕማምን ሞትን ዘይግብኦ ክነሱ ብፍቓዱ ዝተቐበሎ መከራ፡ ስቓይን ሞትን ይዝከር።

ምእመናን ነተን ሰሙን ቅድመ በዓለ ትንሳኤ ዘለዋ ሓሙሽተ መዓልታት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ንዘሕለፎ ስቓይን መከራን ብምዝካር "ሕማማት" ኢሎም ይሰምዩወን።

ኣብተን ዕለታት ከኣ ውሉደ ክህነት ጥራሕ ዘይኮኑ ኩሎም ምእመናን ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ንዘሎ ሰዓታት ምግቢ ከይለኸፉን ማይ ከይሰተዩን ብጸሎት የሕልፉዎ።

ብተወሳኺ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ እየሱስ ዘሕለፎ መከራ እናዘከሩ ስለ ሕድገት ሓጢኣቶም ይበኽዩ፡ ይሓዝኑን ከምኡ’ውን ይሰግዱ።።

እታ ክርስቶስ ኣብ መንጐ ክልተ ገበነኛታት እተሰቕለላ ዕለተ ዓርቢ፡ ክሳብ ግብኣተ ጸሓይ ይጾሙን፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኰነ ኣባይቶም ብቋንቋ ግሪኽ ኪራላይሶን ("ጐይታይ፡ ምሓረና") እናበሉ ይሰግዱ።

ኣብ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብዘይካ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ (ሓሙስ ጽግቦ) ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ።

ጥምቀተ ክርስትና፡ ስርዓተ ፍትሓት ከምኡ’ውን ስርዓተ ተክሊል ኣይፍጸምን። ብተወሳኺ ብመስቀል ምብራኽን ኑዛዜ ምሃብ እውን ኵልኩል እዩ።

ኣብ ድሮ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዘላ ቀዳም ለይቲ ድማ ቀንዲ ስርዓተ ጸሎት ይግበር፤ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዙሓት ሰባት ነዛ ለይቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን እዮም ዘሕልፍዋ።

ትንሳኤ ብኸመይ ይኽበር?

ካህናት ካብ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣትሒዞም ብከበሮን ጸናጽልን "ተንስኣ እምነ ሙታን!' ብምባል ዋዜማ ቆይሞም ይውድሱን ይምጉሱን።

ካህናት ንዝክረ ትንሳአ ክርስቶስ ናብ ሰንበት ዘውግሕ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ቅዳሰ ይኣትው።

ምእመናን ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ክርስትያንን ኣብ ቀጽርታተንን ብውሉደ ክህነት ተመሪሖም ጥዋፍ ኣብሪሆም " ተንስኣ እም-ሙታን" ካብ ምውታን ተንሲኡ እናበሉ እናዘመሩ ሰለስተ ሳዕ ይዞሩ።

ፍርቂ ለይቲ ምስ ቀረበ፡ መዓጹ መቕደስ ይኽፈቱ፡ መጋረጃ ይቕንጠጥ፡ እቶም ካህናት ተር ኢሎም ኣብ ዙርያ መሰውኢ ይስርዑ፣ ትንሳኤ ክርስቶስ ከኣ የበስሩ።

ሽዑ እቶም ምእመናን ብመዝሙር ተሰንዮም ሽምዓ ወሊዖም ንቤተክርስትያን እቲ ቐጽርን ጥዋፍ ኣብሪሆም "ክርስቶስ ተንስኣ እም ሙቷን" እናበሉ ሰለስተ ሳዕ ይዞሩዎ።

ጣቕዒት ይስማዕ፣ ከበሮ ይህረም፣ ዕልልታ ይፍኖ፡ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኣኸለ ከኣ ኣመንቲ፡ በዓል ዓብዪ ሓይሊ ወስልጣን ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግኣዞ ለኣዳም፡ ሰላም እምእዝየሰ፡ ኮነ ፍስሃ ወሰላም" ኢሎም ተባሪኾም መስቀል ተሳሊሞም ነናብ ቤቶም ይኸዱ።

ህዝቢ ንሓድሕዶም "እንቋዕ ጾመ-ልጓም ፈትሓልኩም፤ እንቋዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ኣብጽሓኩም" እናበሉ ትንሳኤ ንምብዓል ንቤቶም ይጐዓዙ።

መብዛሕትኦም ሰዓብቲ እዚ እምነት ብፍላይ ድማ ዝጾሙ ኣመንቲ፡ ፈለማ ብእንጣጢዕ ወይ ድማ ልስልስ ዝበሉ ምግብታት እዮም ዝበልዑ።

ድሕሪ እዚ ጸብሒ ደርሆ ይስዕብ። በዓል ትንሳኤ ብዝተኸሸነ ጸብሒ ደርሆ ምቁዳስ ልሙድ እዩ።

ካብኡ ከከም ባህሉን ከባቢኡን ከምኡ’ውን ዓቕምን፡ ናይ በጊዕ ስጋ፡ ዱለት፡ ጥብሲ፡ ክትፎ፡ ሕብሽቲ፡ ስዋን ሜስን ይስዕብ። እቲ መዓልቲ ብጸሎተ-ምስጋናን ምዝንጋዕን ጥራይ ዘይኰነስ ብብላዕ-ዎስተ እዩ ዝልለ።

ጎረቤትን ፈታውን ዘመድን ተኣኪቡ ብሓባር ነዚ በዓል ብሓጎስ የሕልፍዎ።