እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዓል ትንሳኤ፡ ሃገራት ዓለም ንምንታይ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ የኽብራ?
ምናልባት ንስኹም፡ ንበዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ዝኸውን ምግብን መስተን ትዕድጉን ነዚ ኣውደ-ዓመት ትሸባሸቡን ኣለኹም ትኾኑ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና፡ በዓል ትንሳኤ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ዮም ኣኽቢሮም።
ይኹን'ምበር ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ድማ በዓል ትንሳኤ (ፋሲጋ) ፅባሕ ሰምበት ንምኽባር ኣብ ድሮ በዓል ይርከባ።
ኣብ ኣውሮጳ፣ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ዝርከቡ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ኣብ ምዕራብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰዓብቲ ክርስትና ዶንግዮም'ዮም ነዚ በዓል ዘኽብርዎ። ንምዃኑ እዚ ንምንታይ ኮይኑ?
በዓል ትንሳኤ (ፋስጋ) ናይ ክርስትያን በዓል እንትኾን፡ ሰዓብቲ እዚ እምነት እየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ዝተንሰአሉ ዕለት ዘኪረሞ ይውዕሉ።
እዚ በዓል ድማ ትንሳኤ ተባሂሉ ይፅዋዕ። እዚ በዓል ኣብ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዓብይ በዓል እዩ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዓለም፡ እዚ በዓል ን40 መዓልታት ብዝፀንሕ ፆም እዩ ዝጅምር፤ እዚ ፆም ብንፅህቲ ሰኑይ (ክሊን መንደይ) ጀሚሩ ኣብ ናይ ፋስጋ ቀዳም ይዛዘም።
ንፅህቲ ሰኑይ ኣመንቲ ብፆም ኣርብዓ ካብ ሓጥያቶም ምፅራዮም ተመልክት እያ። ካብ ትንሳኤ ሸሞንተ መዓልታት ቅድም ኢላ ዘላ ቀዳም ፆም ኣርብዓ ምዝዛሙ ትሕብር።
ይኹን'ምበር እቲ ፆም ክሳብ በዓል ትንሳኤ እዩ ዝቕፅል።
በዓል ትንሳኤ ቅድሚ ምኽባሩ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ቀዲማ ትርከብ ሰንበት ድማ ስየ ዝእሰረላ በዓል እያ። ኣብዛ መዓልቲ ሰባት ኣብ ኢዶም ካብ ስየ ዝተሰርሐ ቀለበት ኣሽዑና (ሆሳእና)፣ ኣብ ግምባሮም ድማ ስየ ብምእሳር እየሱስ ክርስቶስ ናብ እየሩሳሌም ዝኣተወላ ዕለት ዘኪሮም ይውዕሉ።
ካብኡ ሰሙነ ሕማማት ስዒቡ ቀፂሉ፡ ሰምበት ብበዓል ትንሳኤ (ፋሲጋ) ይዛዘም።
እዚ በዓል ዝኽበረሉ መዓልቲ ንምንታይ ዝተፈላለየ ኮይኑ?
ኣብ ዓለም በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት'ዩ ዝኽበር። በብዓመቱ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣይኽበርን። እዚ ማለት ከም በዓል ልደት ፍሉጥ ዕለት የብሉን።
ከም ሃገራት ግሪክ፣ ቆጵሮስን ሮማኒያን ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ጁሊያን ተደሪኸን እየን በዓል ትንሳኤ ዘኽብራ።
ኣቆፃፅራ ዘበን ጁሊያን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብ45 ብጁሊየስ ቄሳር ዝተዳለወ እዩ። እዚ ኣቆፃፅራ ዘበን፡ ፀሓይ ንመሬት ንምዛር ኣብ ዝወሰደላ ግዘ ተደሪኹ ዝተሰርሐ እዩ።
ኣቆፃፅራ ግሪጎሪያን ድማ፡ ብጳጳስ ግሪጎሪ ብ1582 ዝተዳለወ እንትኾን፡ መፅናእቲ ኣስትሮኖሚ ትኽክለኛ እናኾነ ብምምፅኡ ኣብ አቆፃፅራ ዘበን ጁሊያን ዘለዉ ሓደሓደ ግድፈታት ንምስትኽኻል ዝተሰርሐ እየ።
ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 1752 ዘበን ኣቆፃፅርኣ ናብ ግሪጎርያን ቀይራ።
ስለዝኾነ ድማ ሃገራት ዓለም፡ ነዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ዘኽብርኦ ዘለዋ መዓልቲ ኣቆፃፅረአን ስለዝፈላለይ እምበር ካልእ ምኽንያት የብሉን።
ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እዚ በዓል ብኸመይ ይኽበር?
ሰዓብቲ እዚ እምነት ናብ ቤተ-ክርስትያን ከይዶም ብምጽላይ፣ ብምስጋድ፣ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ብምስማዕ የኽብርዎ። እቲ ወሳኒ ዝኾነ እዋን ድማ ካብ ዓርቢ ስቕለት ይጅምር።
ቀንዲ ስርዓተ ጸሎት ዝግበር ድማ ኣብ ድሮ ትንሳኤ ኣብ ዘላ ለይቲ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዙሓት ሰባት ነዛ ለይቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እዮም ዘሕልፍዋ።
ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደወል ይድወል፣ እየሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ዝተንሰአሉ ንምኽባር ድማ ርችት ይትኮስ።
ድሕሪ እዚ፡ ፆም ምስተፈትሐ ዘለዉ ከይዲ ኣበዓዕላ ግና ዝበዝሕ ግዘ ኣብ ምግቢ ዘድሃቡ'ዮም።
ኣብ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ መብዛሕትኦም ሰዓብቲ እዚ እምነት ብፍላይ ድማ ዝፀሙ ኣመንቲ፡ ፈለማ ብእንጣጢዕ ወይ ድማ ልስልስ ዝበሉ ምግብታት እዮም ዝበልዑ። ድሕሪ እዚ ፀብሒ ደርሆ ይስዕብ። በዓል ትንሳኤ ብዝተኸሸነ ፀብሒ ደርሆ ምቁዳስ ልሙድ እዩ።
ካብኡ ከከም ባህሉን ከባቢኡን፡ ናይ በጊዕ ስጋ፣ ዱለት፣ ጥብሲ፣ ክትፎ፣ ሕብሽቲ፣ ስዋን ሜስን ይስዕብ።
ጎረቤትን ፈታውን ዘመድን ተኣኪቡ ብሓባር ነዚ በዓል ብሓጎስ የሕልፍዎ።
ኣብ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግሪክ ድማ፡ ብባህላዊ መገዲ ዝተጠበሰ ናይ በጊዕ ስጋ ጥዑም ሕብሽቲ ፋሲጋን ይምገቡ።
ፆሞም ዝፈትሑ ድማ፡ ማግሪቲሳ ብዝበሃል ባህላዊ ምግቢ'ዩ።
ማግሪቲሳ ካብ ስጋ በጊዕ፣ ሩዝን ቅመማትን ዝተዳለወ መረቕ ኮይኑ፡ ቅድሚ ካልእ ምግቢ ምብልዖም ዝምገብዎ ዓይነት ምግቢ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እንጣጢዕን ካልኦት ልስልስ ዝበሉ ምግብታትን ከምዝብላዕ ማለት እዩ።
ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ሰርብያ ድማ፡ ሽውሃት ምግቢ ብዝኸፍቱ ካብኡ ድማ ብዝተጠበሰ ስጋ፣ ቺዝ፣ ዝበሰለ እንቋቑሖን ቀይሕ ነቢትን ፆሞም ይፈትሑ (ይፍስጉ)።
ኣብ ሰርቢያ ካብ ደርሆ ዝተሰርሐ ኑድል ወይ ካብ ናይ በጊዕ ስጋን ኣትኽልትን ዝተሰርሐ መረቕ ቀንዲ ምግብታት ፋሲካ እዮም።
ኣብ ክርስተያን ኦርቶዶክስ ሩስያ ከኣ፡ ብባህላዊ ፓስካ ኬክ እዮም ፆሞም ዝፈትሑ።
ኣብ ምዕራብ ዓለም፡ እንቋቁሖ ምልክት ትንሳኤን ሓድሽ ሂወትን እዩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ዕለተ ትንሳኤ ንድሕነት ደቂሰባት ክብል ኣብ መስቀል ንዝፈሰሰ ደም እየሱስ ክርስቶስ ንምውካል እንቋቁሖ ቀይሕ ቀለም ይልከ።