ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብኸመይ ኣብ ቀጽሪ ቫቲካን ልዕሊ 500 ዓመት ዝገበረ ንብረት ኣጥርያ?

ኣብ ቀጽሪ ቫቲካን ዝርከብ ቤት-ክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ ዝስራሕ 544 ዓመት ገይሩ’ሎ።

እታ ንእሽቶ ቫቲካን፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ዘለዉዋ ቀንዲ መናሃርያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እያ።

ኣብቲ ፍርቂ መሬት ናይታ ንእሽቶ ከተማ ቫቲካን ዝሽፍን ቀጽሪ ብዘይካ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ናተይ እትብሎን ትውንኖን ዝዀነ ይዅን ንብረት የሎን።

ኣብቲ ቀጽሪ ልዕሊ 540 ዓመት ከም ዝገበረ ዝንገረሉ ናይ ኣቢሲንያ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቤተ ክርስትያንን 104 ዓመት ዝገበረ፡ ኮሌጅ ጳጳሳት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያዊ ይርከብ።

እቲ ኮሌጅ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ እንኮ ትምህርታዊ ትካል እዩ። እዛ ቤተ-ክርስትያን ካብ ኵለን ሃገራት ዓለም ተፈልያ ኣብ ቫቲካን ብኸመይ እያ ንብረት ከተፍሪ ክኢላ? ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብ ሮማ ተጓዒዞም ሓቲቶም ኣለው።

ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ሓጎስ ጣቕዒትን ጭብጨባን ደሚቑ ኣሎ። ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኻኺቦም ኣለው።

ብዙሓት ተሳተፍቲ ነቲ በዓልን ፍጻሜን ብካሜራታቶም ይቐርጹዎ ነይሮም። ጻዕዳ ጨርቂ ዝተገብረሎም ድንድል ንመተሓላላፊ ሰባት መስርዕ ኣትሒዞም ይርከቡ።

ምስቲ መጋረዲ ምልክታት፡ ምእመናን ዝሓዙዎም ባንዴራታት ይረኣዩ። ኣብቲ መገዲ ሓደ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዝመላለስ። ሓደ ጻዕዳ ተሽከርካሪ ጥራሕ ከኣ ይንቀሳቐስ።

እታ ፍልይቲ ክፍትቲ መኪና ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንሓደ ኣገዳሲ ሰብ ጥራሕ እያ ትሕዝ።

እቶም ሰብኣይ ጳጳስ ፍራንሲስ ይብሃሉ።

እቶም ብብዙሕ ሃይማኖታዊ ስራሕ እተጸምዱ፡ ኣዝዮም ጸላዊ ኣቡን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከቡ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ምእመናን ካቶሊክ መንፈሳዊ ኣቦ እዮም። ውሳነኦም ንህይወት ቢልዮናት ሰባት ይጸሉ።

እቶም ኣቡን ናይ ሃገረ ቫቲካን መራሒ እውን እዮም። ከምቲ ገሊኦም ዝበልዎ ከኣ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ፡ ሃገረ ቫቲካን ደረት ዘይብሉ ስልጣን ኣለዎም።

ናብ ቡራኬ ንመለስ!

እቶም ኣቡን ኣብ ርእሲ እቲ ጻዕዳ ሃይማኖታዊ ክዳውንቶም ጻዕዳ ካቦት ደሪቦም ኣለው። ቆቢዖም እውን ጻዕዳ እዩ ።

ጸሊም ጸምሪ እተኸድኑ ብርክት ዝበሉ ሓያሎ ሓለውቶም ነተን ማካይን ዓጂቦምወን ይጓዓዙ። ኣዒንቶም ንደቒቕ እውን ትኹን ካብቲ እኩብ ህዝቢ ኣይእለያን እየን።

ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ናይ ጥዕና ጸገም ከምዘለዎም ብንጹር እዩ ዝረአ። ብማእከል እቲ ሰብ እናሓለፉ ብድሙቕ ፍሽኽታ ኢዶም እናልዓሉ ነቲ ምእመን ይባርኹዎ።

ሽዑ እቶም ምእመናን፡ ብኽቱር ሓጎስ ውዕውዕ ጣቒዕትን ጭብጨባን የንጐድጉዱዎ። እቲ ቦታ ብሓጐስ ይምላእ።

ሓያሎ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ብኢድ ጳጳስ ክባረኹን ጸሎት ክግበረሎምን ይጽዕሩ። ገሊኦም ወለዲ፡ ንደቆም ሓፍ ኣቢሎም እቶም ጳጳስ ከምዝርእዩዎም ይገብሩ። እቲ ዝተረፈ ምእመን ከኣ ነቲ ፍጻሜ ብጣቕዒት የድምቖ።

ኣብታ ቦታ ዝተረፈ ዓሌት ወዲ ኣዳም ዘሎ ኣይመስልን። መላእ ዓለም እተወከለትሉ ኣደባባይ እዩ ዝመስል ።

ህጻናት፣ ኣረጋውያን ፣ ጸሊም ፣ ጻዕዳ - ኩሉ ኣሎ ።

ኩሉ ሰብ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብሃንቀውታ ኽጽበያ ዝጸንሐ’ዩ ዝመስል ።

ኸመይሲ፡ እቲ ፍጻሜ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ’ዩ ዝግበር ዘሎ። ቅድሚኡ ከምኡ ዓይነት በዓል ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰሙን ረቡዕ - ረቡዕ እዩ ዝካየድ ነይሩ ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ወዲ 87 ዓመት ሃይማኖታዊ ኣቦ ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ካብቲ ዓይነት ስርዓተ ኣገልግሎት ርሒቐም እዮም ጸኒሖም።

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓንሳእ ናብ የማን፡ ካልእ ግዜ እውን ናብ ጸጋም እናዞሩ ነቲ ህዝቢ ይባርኹዎ።

ገሊኦም ምእንቲ ነቶም ኣቡን ክርእዩ ብኣጻብዕቲ አእጋሮም ተመጢጦም ክብርኹ ይፍትኑ። ገሊኦም ከኣ ኣብቲ ኣደባባያት ተሰቒሉ ብዝነበረ ዓብዪ ስክሪን ቴሌቪዥን ይከታተሉ።

ባርኾቶም ምስ ወድኡ ብድሙቕ ዓጀባ ኣብ መቓምጦኦም ኮፍ በሉ። ሓጺር ጸሎት ምስ ተገብረ ከኣ ናብ ካልእ ስርዓት ተሰግረ።

እዚ ኵሉ ስርዓተ ባርኾትን ጸሎትን ዝካየደሉ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስን ካቴድራልን ዕረፍቲ የብሉን ።

ኣብዚ ናይ ካቶሊካውያን ቤተክርስትያን ዓለም ቀንዲ መናሃሪ ዝዀነ ቫቲካን፡ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካልእ ዝዀነት ትኹን ሃገር ዘይትውንኖ ንብረት ኣለዋ ።

እስከ ናብኡ ነምርሕ

ካብ ቅዱስ ጴጥሮስ ካቴድራል ወይ ብናቶም ኣጸዋውዓ ብድሕሪ ባሲሊካ፡ ኣጸደ (ጀርዲን) ቫቲካን ይርከብ። ልዕሊ ፍርቂ ምድሪ ናይታ ንእሽቶ ሃገር እዚ ኣጸድ እዚ ሸፊኑዎ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቦታ ንዅሉ በጻሒ ክፉት ኣይኰነን ።

ነዚ ኣጸድ እዚ ልክዕ ከም ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኰነ ከም ኣደባባይ ቫቲካን ዝደለየ ሰብ ክበጽሖን ክኣትዎን ኣይፍቀድን’ዩ።

ናብኡ ክትኣቱ ፍሉይ ፍቓድ የድሊ።

ብስራሕ ናብቲ ቦታ ዝተላእኩ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ነቲ ፍቓድ ክረኽቡ ንመዓልታት ክጽበዩ ተገዲዶም።

እቲ ናይ ምብጻሕ መዓልቲ ሰንበት እዩ ነይሩ ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ኣቡን ኣብ ማእከል ሰባት ኣይዞሩን እዮም ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እትርከብ ፍልጥቲ ገበላ ኰይኖም ንምእመናን ይባርኹን ኣስተምህሮ ይህቡን።

እቲ ንሕና ዝበጻሕናዮ ስፍራ፡ ብድሕሪ እቲ ጸሎት ዝስመዓሉን ኣማእታት ሰባት ዝተኣኻኸቡሉን ኣደባባይ ቫቲካን እዩ ዝርከብ።

እቲ ብዝተፈለላየ ዕምበባታትን ኣትክልትን ዘጔጸ ኣጸድ፡ ሓያሎ መንጫዕጫዕታ ማይ (ፋውንቴናት) ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከቦም ንዝተፈላለዩ ቅዱሳን ዝውክሉ ሓወልትታትን፡ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ስርዓተ ኣምልኾ ዝካየደሎም ቦታታት፡ ኩሉ ተደማሚሩ ንቀጽሪ ቫቲካንን ኣዝዩ ሰሓቢ ቦታ ገይሩዎ’ሎ።

ቀጽሪ ቫቲካን መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካልእ ፍሉይ ኣገልግሎት ዝካየደሉ ሓያሎ ህንጻታት ኣለዎ ።

ኣብዚ ቀጽሪ እዚ ብዘይካ ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኮሌጅ ኢቶጵፒኮ ኩሉ ንብረት ናይ ቫቲካን እዩ ።

እዞም ትካላት ኣብ ቀጽሪ ቫቲካን ዝርከቡ ናይ ካልኦት ሃገራት ንብረት እዮም። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮሌጅ ኣብ ቫቲካን!

ናብቲ ኮሌጅ ኬድና ።

ኣብ መእተዊ እቲ ኮሌጅ፡ ነቲ ትካል ኣብ ምምስራት ዝለዓለ ተራ ዝነበሮም ጳጳስ ቤኔዲክት መበል 15ን ናይ ፖፕፒዮስ 11ን ምስልታት ኣብ የማነ ጸጋም ናይቲ በሪ ተሰቒሎም ኣለው።

ሰኑይ 28 ለካቲት 2016 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ካልኦት ኦሬንታል ኣብያተ-ክርስቲያንን ጾመ ኣርብዓ (ዓቢይ ጾም) ዝጀመረሉ ዕለት እዩ።

ኣብ ጣልያንን ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያን ምብራቕን ከኣ ፡ እዚ ጾም ካብ ዝጅመር ኣርባዕተ ሰሙን ገይሩ ነይሩ።

ኣብዘን ሃገራት በዓል ትንሳኤ ካብ ዝኽበር ድሮ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጾም ቅድሚ ምጅማሩ፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኢና ነቲ ኣብ ቀጽሪ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ጳጳሳት ዝመሃርሉ ኮሌጅ በጺሕናዮ።

ተማሃሮ እቲ ኮለጅ ነቲ ንጽብሒቱ ዝጅምር ጾም ኣርብዓ ኣብ ምድላው እዮም ነይሮም።

እቲ ኮሌጅ 104 ዓመት ገይሩ ኣሎ ። ብዘይካ እቲ ኮሌጅ ኣብ ቫቲካን ስሩዕ ዝዀነ ናይ ትምህርቲ ትካል የለን ።

ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝመጽኡ ካብ 22 ዘይበዝሑ ካህናት ይመሃሩሉ ኣለዉ ።

እቲ ህንጻ፡ ናይ ተምሃሮ መሕደሪ ፡ መመገቢ ፡ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ከምኡ እውን ስርዓተ ኣምልኾ ዝካየደሉ ንእሽቶ ቤተ መቕደስ ኣለዎ ።

እቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል ሮማ፡ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ዝርከብ ኣይመስልን እዩ ። ምስሉን መልክዑን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ቤተ ክርስትያናት እዩ ዝመስል።

ኣብቲ መእተዊ ፡ ብጻዕዳ መጋረጃታት እተሸፈነ ክፍልታት ቤተ መቕደስ ይረአ።

ኣብ ጸጋም ናይቲ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ስርወ መንግሰቲ ኣክሱም፡ ኣቡነ ሰላማ ወንጌል ዝሰበኹሉ ስእሊ ኣሎ።

ሶርያዊ ዜግነት ዘለዎም ኣቡነ ሰላማ "ኣብ ምድረ ኣቢሲንያ" ወንጌል ከምዝዘርግሑ እዩ ዝንገር።

ካብ ግብጺ ኣሌክሳንድርያ፡ ካብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጵጵስና ተቐቢሎም "ኣብ ኣቢሲንያ" ናይ መጀመርታ ጳጳስ ኰይኖም ተሸይሞም ።

እቲ ኣብ መቕደስ ቫቲካን ኮሌጅ ዝርከብ ስእሊ እውን ንዑኡ ዝዝክር እዩ።

ኣብ ርእሲ እቲ ስእሎም፡ ኣብ ሓደ ቢጫዊ መደብ "ቅዱስ እግዚኣብሄር ጸባኦት” ዝብል ብቐይሕ ቀለም ብግእዝ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ጐሊሑ ይረአ።

ኣብቲ ማዕዶ፡ ጸግዒ ናይቲ መቕደስ ከኣ “ኢትዮጵያ ታበጽህ እደዊሃ ሃበ እግዚኣብሔር።” ዝብል ብግእዝ ዝተጻሕፈ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ይረአ።

ኣብ ቅድሚ እታ መቕደስ ከኣ፡ ብግእዝ ዝተጻሕፉ ናይ ጸሎት መጻሕፍቲ ኣብ ክልተ ኣትራኖስ (መቐመጢ መጻሕፍቲ) ተዘርጊሑ ኣሎ ።

ኣብ የማነ ጸጋም ክልቲኡ ሸነኽ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝዝውተሩ ሓያሎ ናይ ቤተ ክርስትያን ከበሮታት ኣለው። ጸናጽልን መቐምያን እውን ኣለው።

እቶም ኣብቲ ኮለጅ ዝርከቡ ተማሃሮ መዓልታዊ ኣብቲ ቦታ ብግእዝ ይቕድሱን ይውድሱን።

ንሓንሳብ ከኣ ብጥልያን ስርዓተ ቅዳሰ ይፍጽሙ።

እዚ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ህንጻ፡ ናይ ተምሃሮ መሕደሪ ከምኡ እውን መመገቢ ጥራይ እዩ ።

እቶም ኣብኡ ዝሓድሩ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራውያንን ተማሃሮ፡ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጵጵስና ዘስተምህራ ዩኒቨርሲታት ስነ መለኮትን ካልእ ፍልጠትን ይመሃሩ።

እቶም ካህናት ተምሃሮ ካብ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊክ ዝመጽኡ እዮም።

እቶም ተማሃሮ ብእተፈላለየ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ድሕረ-ምረቓ ቀዳማይ ዲግሪ፡ ብማስተርስ ዲግሪ ተማሂሮም ይምረቑ።

እቲ ትምህርቲ፡ ናይ ዶግማ: ስነ-መለኮት፡ ናይ ምጽሓፍ ቅዱስን ስርዓተ-ኣምልኾ መጽናዕቲ ይርከቦ።

ጐድኒ ጐድኒ እዚ ከኣ፡ ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ መጻሕፍቲ ንኸጽንዑ ዝተፈለላየ ቛንቋታት ክመሃሩ ኣለዎም ።

እቶም ካህናት ተማሃሮ ናይ ላቲንን ግሪኽን ከምኡ እውን ናይቲ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ኣራማይስጢ ቋንቋታት ክመሃሩ ግዴታ ኣለዎም።

እዚ ናይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኮሌጅ መበል 100 ዓመቱ ክኽበር እንከሎ፡ ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ቡራኬ ሂቦም ነይሮም። መደረ እውን ኣስሚዖም እዮም ።

ቅድሚ 54 ዓመት ቀዳማይ ኃይለ-ስላሴ ነቲ ኮለጅ በጺሖሞ ነይሮም።

ሃይለ ስላሴ፡ ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፡ ንቫቲካን ከም ዝበጽሐ ኣብታ ህይወተይን ናይ ኢትዮጵያ ስጉምትን ክብሉ ዝጸሓፋዋ መጽሓፍ ጠቒሶሞ ኣለው።

ኣብቲ መጽሓፍ ሽዑ ንትምህርቲ ንጣልያን ዝኸዱ ሰባት ከምዘዘራረቡ ጠቒሶም ኣለው።

እቶም ንጉስ ኣብቲ ኮሌጅ ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ብራድዮ ቫቲካን ተቓሊሑ ነይሩ።

ቀዳማይ ኃይለ ስላሴ ብ1962 ዓ.ም. ኣብ ዝገበርዎ ናይ 7 ደቒቕ መደረ "ንሕና ነቲ ኰሌጅ ዝበጻሕና ናይ መጀመርታ ሰባት ኣይኰንናን" ክብሉ ይስምዑ።

ቅድሚ ናይ ንግስነት ዘውዲ ምድፋኦም፡ ኣቐድም ኣቢሎም እዮም ነዚ ኮሌጅ በጺሖምዎ።

"እዚ [ኮሌጅ] ካብ እተሃንጸ እዋን ኣትሒዞም ዝመጽኡ ደቂ ኢትዮጵያ ሓሳባቶም ጽኑዕ ብምዃኑ ስም ሃገሮም ዘጸውዑ ብምዃኖም ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኰነን" ኢሎም ።

ቀጺሎም፡ ኣብቲ እዋን ንዝተቐበሉዎም 6ይ ናይ ቫቲካን ጳጳስ ጳውሎስ ነቲ ኮሌጅ ዝገበርሉ ደገፍ ኣዝዮም ኣመስጊኖም።

እቶም ንጉስ ኣብቲ እዋን ንዝነበሩ ተመሃሮ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፡ “ ብመንፈሳዊ ትምህርቲ ምምኽናይ ጥራሕ ዘይኰነስ: ፍሉይ ትምህርትታት ተማሂርኩም ተመሊስኩም: ንሃገርኩም ከተገልግሉ ምሕሳብ ንወዲ ቁምነገረኛ ዘብሎ እዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ንጉስ ሃይለ ስላሰ ኣብ ርእሲ እቲ ኮሌጅ ፡ ኣብቲ ቀጽሪ ዝርከብ ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቤተ ክርስትያን እውን ምብጽሖም ኣብ መጽሓፎም ተጠቒሱ ኣሎ።

ካብቲ ኣብ ኮሌጅ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ወጺእና ናብ ካልእ ክፍሊ ኬድና ። ኣብቲ ቦታ ነቲ ኮሌጅ ናይ ዘመሓደሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣሳእል ተሰቒሉ ኣሎ።

ኣብ ማእከል እቲ ስእልታት፡ ዓይኒ ዝማርኽ ክሳብ ናሕሲ ዝተደርደረ ሳናዱቕ ኣሎ። እተን ክልተ ክፉታት እየን።

እቲ ሓደ ካብ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ዝመጽአ መስቀላት: ባህላዊ መሳሪሒታት: ናይ ብራና መጽሓፍ: ኣብ ሓደ ከቢብ ቈርበት ዝሰፈረ ስእሊ ዝሓዘ እዩ።

እቲ ስእሉ ኣቓልቦኻ ይስሕብ።

እቲ ስእሊ ምስ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣሰኣእላ ጥበብ ዝመሳሰል እዩ። ኣብቲ ስእሊ ሓደ ጻዕዳ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይን ሓንቲ ሕጻን ዝሓቖፈት ሰበይትን ኣቑሑ ዝተጻዕረ በቕልን ይረአ።

ኣብ ልዕሊኡ "ጉዕዞ ናብ ዕዳጋ" ዝብል ጽሑፍ ኣለዎ ።

ነቶም ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያንን ነቲ ኮሌጅን ዝመስረቱ ነጋዶ ዝዝክር ይመስል።

እቶም ነጋዶን ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስትያን እንታይ ኣራኺቡዎም?

ናይ ኣቢሲንያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቫቲካን

እቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ስጢፋኖስ ምስቶም ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር እዩ ።

ሓደ እዋን ካርዲናል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብጹእ ኣቡነ ብርሃነ ኢየሱስ ብዛዕባ ኣመሰራርታ እቲ ቤተ ክርስትያን ክዛረቡ እንከለው ነዚ መረዳእታ’ዚ ኣረጋጊጾም እዮም ።

ብናቶም ኣገላልጻ ኣብ መበል 15 ክ/ዘመን ኣብሲናውያን ክርስትያናት ካብ ሃገሮም ተበጊሶም በረኻታት ሱዳንን ኣጻምእ ግብጽን ሰጊሮም ኣብ ግብጺ እስክንድርያ ኣብ ዝርከብ መንበረ ማርቆስ ይሳለሙ ነይሮም።

ቀጺሎም፡ በረኻታት ሲናይ ሰጊሮም ን"ቅድስቲ ሃገር" ንእየሩሳሌም ይሳለሙ ነይሮም።

ጕዕዞኦም ብእኡ ደው ኣይበለን ። ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ጴጥሮስን መካነ-መቓብር ንክሳለሙ ናብ ሮማ ይጐዓዙ ነይሮም።

"ናብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቲና ንመቓብሩ ተሳሊምና ናይቲ ቤተ ክርስትያን ጽባቐ ርኢና ተመሊስና” ክብሉ ኣብ መጽሓፎም ዘካተቱዎ ንጉስ ሃይለ ስላሰ፡ ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ጴጥሮስን መካነ-መቓብር ንክሳለሙ ናፍቖት ዝነበሮም መነኮሳት ኢትዮጵያ ናብ ሮማ ይመጽኡ ምንባሮም ጠቒሶም ኣለው።

ኣስተብህሉ ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ጴጥሮስን መካነ-መቓብር ኣብ ድሕሪ ኮለጅ ኢትዮጵያን ኤርትራን እዩ ዝርከብ።

እዚ ባዛሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ወይ ኣብ ካቴድራል ዝርከብ መቓብር፡ ሎሚ እውን እንተኾነ ሚሊዮናት ሰባት እዮም ዝሳለምዎ።

ነቲ ቦታ ክንበጽሖ እንከለና ኣብቲ መቓብር ዝርከብ መንበረ ይሕደስ ነይሩ። ከምኡ ኢሉ እንከሎ ግን ኣብቲ መቓብር ዝሳለሙን ጸሎት ዘዕርጉን ሰባት ነይሮም።

እቲ ግዙፍ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብዙሓት ናይ ጸሎትን ስርዓተ-ቅዳሴን ክፍልታት ኣለውዎ ።

እቲ ካብ ኵሉ ዝኸበረ ግና፡ ኣብ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ከም እተሰርሐ ዝእመነሉ ቤተ መቕደስ እዩ።

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ከም በዓል ትንሳኤን ዕለተ ልደት (ልደት) ዝኣመሰለ በዓላት ክበዓል ከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ቤተ መቕደስ እዮም ዚቕድሱን ዝባርኹን።

ነቲ ግዙፍ ካቴድራል ንምህናጽ 120 ዓመታት ከምዝወሰደ እዩ ዝንገር። ሕጂ እቲ ካቴድራል 518 ዓመት ገይሩ ኣሎ።

እዚ ካተድራል ኣብ ተራ መዓልቲ እውን ብሰባት ዝመልአ እዩ ። ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ንቫቲካን ናይ ዝመርሑ ሓያሎ ኣቡናት መቓብር ኣሎ።

ኣብ መንጐ ሓደ ነገር ንኣቓልቦና ስሒቡዎ!

ኣብቲ ካቴድራል ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ብቐሊሉ ክንቀሳቐስ ዝኽእል ብዙሕ ክፍልታት ይርአ።

ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ክፍልታት፡ ቀይሕ መብራህቲ በሪሁ ይረአ። ኣብ ውሑድ ክፍልታት ከኣ ቀጠልያ መብራህቲ በሪሁ ይረአ።

ሕቶ ዝፈጥር እዩ ። እንታይ እዩ? ሓቲትና! ኣብቲ ኮለጅ ዝመሃሩ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣቦ "እዚ ናይ ንስሓ ክፍልታት እዩ” ኢሎምና።

ናይ ንስሓ ክፍሊ እንታይ እዩ? ስለምንታይ’ከ ቀጠልያን ቀይሕን መብራህቲ ኣሎዎ?

ናብቲ ቀጠልያ መብራህቲ ዘለዎ ክፍሊ እናመልከቱ “ ኣብቲ ቦታ ካህን ይረኣየኩም’ዶ ኣሎ?”

ኣማዕደና! "እወ"

"እቲ ካህን 'እቶም ክትንስሑ እትደልዩ ሰባት ናባይ ክትመጽኡ ትኽእሉ ኢኹም እዩ ዝብል ዘሎ። ምስ ካህን ክዘራረቡ ዝደልዩ ሰባት ናብኡ ይኸዱ። እቶም ካህን ከኣ ብቛንቋታት ኢንግሊዝን ጥልያንን ንስሓ ይቕበሉ” ኢሎሙና።

ዘበን ነጋዶ ሓበሻ

ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘበን ነጋዶ ሓበሻ ናብ ሮማ ይመጽኡ ምንባሮም ናይ ቫቲካን ወግዓዊ ናይ ዜና ምንጪ ዝዀነ ትካል ይሕብር።

ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ1481 ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ዘገልገሉ ኣቡነ ሲኪስተስ ራብዓይ ካብ ኣቢሲንያ ንዝመጹ ነጋዶ ረኺቦም ኣዘራሪቦምዎም ነይሮም።

ሽዑ ካብ ምድረ ሓበሻ ዝመጽኡ ነጋዶ ስለ ዝወሰኹ፡ ኣቡነ ሲኪስተስ ራብዓይ፡ ነቶም ነጋዶ መዕረፊ ክወሃቦም ኣዚዞም።

እቶም ኣቡን ነቲ ትእዛዝ ዘመሓላለፉሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሓደ ኣቢሲንያ ምስ ሮማ ጥቡቕ ምሕዝነት ንክህልዋ ኣብ ርእሲኡ ከኣ እቶም ሓበሻ ነጋዶ ንክርስትና ዘለዎም ተኣማንነት ንምምልካት ከምዝዀነ ቫቲካን ኒውስ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

እቲ ትእዛዝ ምስ ተዋህበ ድሕሪ ክልተ ዓመት ፡ "ናይ ኣቢሲንያ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቤተ ክርስትያን” ተሃኒጹ ተወዲኡ።

ብድሕሪኡ ሓደ ዓመት እቲ ቤተ ክርስትያን ንክህነጽ ዝኣዘዙን ዘተባብዑን ኣቡነ ሲኪስተስ ራብዓይ ዓሪፎም።

እቶም ጳጳስ ካብ ዝሞቱ፡ 539 ዓመት እኳ እንተ ገበረን ብድሕሪኦም ክሳብ ኣቡን ፍራንሲስ 265 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንተሓለፉን፡ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎቱ ይቕጽል ኣሎ።

ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንመካነ-መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽሳለሙ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጽኡ ካህናትን ምእመናንን እኳ እንተነበሩ፡ ከምዚ ዓይነት ቦታ ዝተዋህቦም ንሓበሻ ጥራሕ እዩ።

ቀዳማዊ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ብዛዕባ እቲ ቤተ ክርስትያን ክጽሕፉ እንከለው እቶም ናብቲ ቦታ ዝመጽኡ ዝነበሩ፡ ነጋዶ ጥራሕ ዘይኮነስ መናንያን መነኰሳት እዮም” ክብሉ ጽሒፎም።

መዓርፎ ስኢኖም ክሽገሩ ዝረኣዩ ሽዑ ዝነበሩ ኣቡን እዚ ገዳም ቅዱስ እስጢፋኖስ ንክህነጽን መዕረፊ መናንያን ሓበሻ ንኪኸውን ሂቦሞም” ክብሉ ከቲቦም ኣለው።

ብጀካ እቶም ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሃንጹ እንኮ ቤተ ክርስትያን፡ Stefano degli Abissini፡ ወይ ናይ ኣቢሲንያ ቅዱስ እስጢፋኖስ እዩ ።

እቲ ናይ ኣቢሲንያ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ እቲ ግዙፍ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ካቴድራል ቅድሚ 136 ዓመት እዩ ተሃኒጹ። ሕጂ እቲ ቤተ ክርስትያን 547 ዓመት ገይሩ ኣሎ።

ኣብቲ ቫቲካን ዝኸበባ ቀጽሪ ከምዚ ዓይነት ቤተ ክርስትያን የለን።

እቲ ቤተ ክርስትያን ዓመታዊ ኣብ 17 ጥሪ ኣገልግሎት ይህብ ።

እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ካቶሊኻዊት ቤተ-ክርስቲያን ከም "ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ" ዓመታዊ በዓል እያ ትኽበር።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኢትዮጵያንን ኤርትራውያን ኣገልገልቲ ብግእዝ፡ ሰዓታት ይቖሙ፡ ማህሌት የብጽሑ ከምኡ እውን ቅዳሰ ይቕድሱ።

'ዕድል ስለዘይገበርና’ ኣብቲ ዕለት ኣይተረኸብናን።

ሓደ ሓደ ግዜ ነበርቲ ከተማ ሮማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ይምርዓውን ይጥመቑን እዮም።

ሓደ እዋን ኣቡነ ፍራንሲስ ብዛዕባ እቲ ቤተ ክርስትያን ክዛረቡ እንከለው እዛ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓለም-ለኻዊነት እትምስክር ናይ ካቶሊኽ ዓለም እያ ኢሎም ።

ሽዑ፡ ሲኪስተስ ራብዓይ ነቶም ካብ ኣቢስንያ ዝመጹ ነጋዶ ፡ ኣብያተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዕረፊ ንኺረኽቡ ኣዚዞም።

እቲ መሕደር ኣጋይሽ በብቝሩብ እናዓበየ ብምኻድ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ኮለጅ ተቐይሩን ማዕቢሉን።

ቫቲካን ኒውስ ከምዝብሎ፡ ነዚ ኮሌጅ’ዚ ኣብ ምትካል ኣገዳሲ ግደ ዝነበሮም ክልተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - በነዲክት መበል 15ን ኣቡነ ፒዮስ መበል 11ን እዮም ።

እቲ ኮሌጅ ተማሃሮ ተቐቢሉ ክምህር ዝጀመረ ብ1911 ዓመተ ምሕረት እዩ። ካብታ ናይ ሽዑ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ተማሃሮ ንትምህርቲ መጺኦም። ይኹን እምበር፡ እቶም ምስቲ ክሊማ ናይቲ ቦታ ክለማመዱ ዘይከኣሉ ተማሃሮ ብሰንኪ ሓያል ዛሕሊ ህይወቶምን ሓለፈ። እቶም ዝተረፉ ከኣ ንዓዶም ተመሊሶም።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ከኣ እቶም ክልተ ጳጳሳት፡ እቲ ኮሌጅ ደረጅኡ ብዝሓለወ ኣገባብ ከምዝህነጽ ገይሮም።

ናይቲ ኣሳእል ነጋዶ ኣቢሲናንያ ዝረኣናሉ መዕረፍ ኣጋይሽ ምብጻሕ ምስ ኣጠናቐቕና፡ ኣባ ሃይለ ሚካኤል በራኺ መጺኦምና።

እዚ ኮሌጅ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ 18 መራሕቲ ተተኻኺኦምሉ ኣለው። ንኣባ ሃይለሚካኤል ሓዊስካ ካብቶም 18 ሓለፍቲ እቶም 8 ኤርትራውያን እዮም።

እቶም ዝተረፉ ከኣ ፡ 5 ኢጣልያውያን፡ 2 ሆላንዳውያን ፡ 1 ቤልጄማዊ ፡ ሓደ ድማ ኢትዮጵያዊ እዮም። እቶም ዝለዓለ ቁጽሪ ዝሕዙ 8 ኤርትራውያን እዮም።

እዞም ናይ ሕጂ ኣማሓዳሪ አባ ሃይለ ሚካኤል ብሕጉስ መንፈስ ተቐቢሎም መብርሂ ሂቦሙና። ንጽባሒቱ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝለዓለ ጾም ኣርብዓ ፡ (ሰኑይ 28 ለካቲት 2016 ብኢትዮጵያ) ከም ዝጅምር ኣዘኻኺሮም። ምሳሕ ንኽንበልዕ ዓዲሞሙና ።

ፍሽኽ እናበሉ ከኣ "ዕድለኛታት ኢኹም። ሎሚ እንጀራ እዩ ዘሎና” ኢሎሙና።

ኣብ ሮማ፡ ብዙሕ እንጀራ ግዲ ዘይርከብ ኰይኑ እዮም፡ “ ዕድለኛታት ኢኹም!” ዝበሉና፡

ቁሩብ ምስጸናሕና ናይ ምሳሕ ሰዓት ከምዝኣኸለ ዝሕብር ደወል ሰሚዕና ናብቲ መመገቢ ክፍሊ ኬድና ።

ግሩም እንጌራን ጥዑም ጸብሕን ነይሩ።

ኣባ ሃይለ ሚካኤልን ካልኦት ኣቕሽሽትን ኣብ ቅድሚት ተቐሚጦም። ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ከኣ፡ ካልኦት ተምሃሮ ነይሮም ። ኣብ ቅድሜና ናይ መመገቢ ጠረጴዛ ተዘርጊሑ።

ካብቲ ኣብ ማእከል እቲ ክፍሊ ዘሎ ዝተቐረበ መግቢ ዓዓቕምና እናወሰድና ተመጊብና። እቲ ግሩም መግቢ ሓበሻ ዘይኰኑስ ሰራሕተኛታት ቫቲካን ከም ዘዳለውዎ ተነግረና። ተመጊብና ምስ ወዳእና ቡን ቀሪቡልና። ቡንና ምስ ሰተና ናይ ምስጋና ጸሎት ተገይሩ መኣዲ ተላዒሉ።

እዚ ካብ ዝፍጸም 55 መዓልታት ገይሩ ኣሎ። ተኸተልቲ እቲ እምነት እቲ ሽዑ ዝተጀመረ ጾም ተጠናቒቑ ሎሚ ፋሲካ የብዕሉ ኣለው።

እቲ ልዕሊ 500 በዓላት ፋሲካ ዝረኣየ ቤተ ክርስትያን ኣቢሲንያ ግን ሎሚ እውን ከም ሓዲሽ ደሚቑ ኣሎ።