እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ድሕሪ 80 ዓመት፡ ዳግማይ ምስ ታንክታት ጀርመን ንገጥም ኣለና' - ፑቲን
ቭላድሚር ፑቲን ንመበል 80 ዓመት ምዝዛም ውግእ ስታሊንግራድ ንምዝካር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ምስቲ ኣንጻር ናዚ ጀርመን ዝተኻየደ ኲናት ኣነጻጺሩዎ።
ጀርመን ናብ ዩክረይን ታንክታት ንምልኣኽ ዝወሰደቶ ውሳነ ብምጥቃስ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ታሪኽ ይድገም ከምዘሎ ገሊጹ።
"ዘይእመን ግን ሓቂ'ዩ። መሊስና ብ‘ሊዮፓርድ’ ታንክታት ጀርመን ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ኣለና።"
ጀርመን ሓንቲ ካብተን ዩክረይን ንግዝኣታ ክትከላኸል ዝሕግዛ ዘለዋ ብዙሓት ሃገራት እያ።
ሩስያ ቅድሚ ዳርጋ ሓደ ዓመት ደማዊን ምሉእን ወራር ምክያዳ፡ ሃገራት ምዕራብ ናብ ዩክረይን ኣጽዋርን ሓገዛትን ክሰዳ ደሪኽወን።
ፑቲን ኣብታ ስታሊንግራድ ብዝብል ትፍለጥ ዝነበረት ሕጂ ቮልጎግራድ ብዝብል ትጽዋዕ ከተማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዘይልሙድ ኣጽዋር ከበገስ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
እቲ ወዲ 70 ዓመት መራሒ፡ "እቶም ንሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ክስዕሩዋ ተስፋ ዝገብሩ፡ ዘመናዊ ኲናት ምስ ሩስያ ንዓኣቶም ኣዝዩ ዝተፈልየ ከም ዝኸውን ኣይተረድኦምን ይመስል" ኢሉ።
"ታንክታትና ናብ ዶባተን ኣይንሰድድን፡ ግን መልሲ ክንህበን ዘኽእል መገዲ ኣለና። ኣብ ኣጠቓቕማ ዕጥቃዊ ሃርድዌር ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ኩሉ ሰብ ክርድኦ ኣለዎ።"
ንዝኽሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ውግእ ስታሊንግራድ ንምዝካር ኣብ ቮልጎግራድ ዝነበረ ፑቲን፡ ኣብቲ ዓቢ ነጥበ መቐይሮ ውግእ፡ ሰራዊት ሶቭየት ኣስታት 91 ሽሕ ወተሃደራት ጀርመን ከም ዝተማረኹ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ጠፊኡ - ካብቲ ግጭት እቲ ኣዝዩ ደማዊ ነይሩ።
እታ ሕዚ ቮልጎግራድ ትባል ከተማ ነቲ ዝኽሪ ንምዝካር ንሓንቲ መዓልቲ ዳግማይ ስታሊንግራድ ብዝብል ተሰይማ - ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ድማ ናይ መራሒ ሶቭየት ነበር ጆሴፍ ስታሊን ሓድሽ ቅርጺ ርእሲ ተቐልቂሉ።
ካብ 1924 ክሳብ 1953 ንሕብረት ሶቭየት ዝመርሐ ስታሊን፡ ኣብ መንጎ 1932-33 ኣብ ዩክሬን ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሙ ተባሂሉ ይኽሰስ።
እቲ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝግመቱ ሰባት ዝቐተለ ፍጻመ ብዩክሬናውያን ሆሎዶሞር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ቡልጋርያ ከም ምጽናት ዓሌት ኣፍልጦ ረኺቡ ኣሎ።
ፑቲን፡ ኣብ ምሉእ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝተኻየደ ኲናት፡ ንወራር ሩስያ ኣንጻር ሃገራውያንን ናዚን ዝካየድ ውግእ ገይሩ ብሕሶት ከቕርቦ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ።
ኣብ ምሉእ መደረኡ ድማ ናብቲ ቴማ ተመሊሱ።
"ሕጂ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ስነ-ሓሳብ ናዚዝም ድሮ ብዘመናዊ መልክዑ፡ ብዘመናዊ መርኣያኡ፡ መመሊሱ ንጸጥታ ሃገርና ቀጥታዊ ሓደጋታት ከም ዝፈጥር ንርኢ ኣለና" ኢሉ።
"ደጊምና ንሐበራዊ መጥቃዕቲ ምዕራባውያን ክንዋጸኦ ኣለና።"
ንሱ፡ ሩስያ መሊሳ ብታንክታት ጀርመን ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ምህላዋ "ዘይእመን ግን ከኣ ሓቂ" እኳ እንተኾነ፡ ሞስኮ ንዝኾነት ዘስግኣ ሃገር መልሲ ከም እትህብ ተሓንዩ።
በርሊን 14 ታንክታት ሊዮፓርድ 2 ናብ ዩክሬን ክትሰድድ ተሰማሚዓ ኣላ።
እዚ ድማ ሩስያዊ ኩባንያ ፎረስ - ኣብ ኡራልስ ዝመደበሩ ናይ ጸዓት ኢንዱስትሪ ትካል - ንሓንቲ ካብተን ታንክታት ቀዲሙ ዘዕነወ ወይ ዝማረኽ ፈላማይ ወተሃደር ሩስያ ሓሙሽተ ሚልዮን ሩብል (58,250 ፓውንድ) ሽልማት ክመባጻዕ ደሪኽዎ።
እዚ ከምዚ'ሎ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ምርኢታት ብሰማይን ብምድርን ተራእዩ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንዩክሬን ብምሕጋዘን ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ሃገራት "ሕነ ንምፍዳይ" ትዳሎ ከምዘላ ገሊጹ።
"ሕጂ ሩስያ ሓይላ ኣኻኺባ ኣላ። እዚ ኩላትና ንፈልጦ ኢና። ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ሓራ ኣውሮጳን ሓራ ዓለምን ሕነ ክትፈዲ ክትፍትን ትሸባሸብ ኣላ" ክብል ሚስተር ዘለንስኪ ኣብ ኪቭ ገሊጹ።
ዘለንስኪ፡ ምስ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ ዝሃብዎ መደረ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ቁጠባ ሩስያ ተወሳኺ ገደብ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።
ድሒሩ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ‘ሃገራዊ ጸሎት’ [ብቪድዮ ሊንክ] ኣብ ዘስመዖ መደረ ድማ፡ ዘለንስኪ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንዝገበርዎ ደገፍ ብምምስጋን ሓይልታት ዩክሬን ኣብ መጻኢ ዓመት ንወራር ሩስያ ክምክት ቃል ኣትዩ።
"ኣብ ዝመጽእ ዓመት - ኣብ ቀዳመይቲ ሓሙስ ወርሒ ለካቲት - ካብ’ቲ ሰይጣናዊ ወራር ወጺእና፡ ብምስጋና ክንጽሊ ምእንቲ ክንክእል ዝከኣለና ኩሉ ብሓባር ክንገብር ኣለና" ኢሉ ፕረዚደንት ዘለንስኪ።