እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ደገፍ ታንክታት ምዕራባውያን፡ ድፋዓት ሩስያ ይሰብር ዶ?
ጥምረት ምዕራባውያን ሃገራት፡ መወዳእታኡ ዘመናውያን ታንክታት ውግእ ንዩክረይን ከቕርብ ፍቓደኛ ምዃኑ ዘረጋገጸሉ እዚ ሰሙን፡ እቲ ኲናት ብቕጽበት ንረብሓ ዩክረይን ዝተቐየረሉ እዩ ክበሃል ይከኣል ዶ ይኸውን? ብርግጽ እዚ እዋን ኣዝዩ ወሳኒ መድረኽ ኣብ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን እዩ።
ኣሜሪካ፡ ኤም-1 ኣብራምስ ዝዓይነተን ታንክታት ክትሰድድ ምዃና ክትገልጽ እንከላ፡ ጀርመን ታንክታት ‘ሊዮፓርድ-2’ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ። ብሪጣንያን ፖላንድን ታንክታት ኣብ ምልኣኽ ድሮ ጭቡጥ ቃል ክኣትዋ እንከለዋ፡ ካልኦት ሃገራት ድማ ክስዕባአን ትጽቢት ይግበር። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ እዚ ስጕምቲ ምዕራባውያን ሃገራት "ቀያሪ - ጸወታ" ክኸውን ከምዝኽእል ይግምግሙ።
ብሓቂ ኣብቲ ውግእ ንምዕዋት ግን እዚ እኹል ድዩ?
ኣብ ዓለምለኸ ትካል ስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት (ISS) ላዕለዋይ በዓል መዚ ዝዀነ ቤን ባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ታንክታት ምዕራባውያን ኣብቲ ኲናት ለውጢ ከምጽኣ ከም ዝኽእላ ይሕብር። እቲ ኣብ ሰራዊት ብሪጣንያ ብርጋዴር ጀነራል ዝነበረ በዓል ስልጣን፡ ግን እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኣተወ መብጽዓ ፍጹም ወሳኒ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘይብሉ ከኣ የዘኻኽር።
ኣብ ዘመናዊ ውግእ፡ ታንክታት ንመጥቃዕታዊ ስርሒታት፡ መስመራት ኣንጻር ወገን ንምጥሓስን መሬት ንምቍጽጻርን ኣገደስቲ መሳርሒ እየን።
ታንክታት ብኣድማዒ መገዲ ኣብ ጥቕሚ እንተውዒለን፡ ተንቀሳቓሲ ጕልበት ተዅሲ ኣብ ምውሳኽ፡ ንሓይሊ ምክልኻል፡ ተጻራሪ ሓይሊ ኣብ ምህዳድን ምርዓድን ጠቐምቲ እየን።
ብጻዕቂ ኣሰሊፍካ’ውን ንመስመር ምክልኻል ኣንጻር ወገን ክፍንቅላ ይኽእላ። እንተዀነ፡ ድፋዓት ምክልኻል ንምድኻም፡ ደገፍ ከቢድ ብረት፣ ብመሬት ንምድፋእን ቦታታት ንምቍጽጻር ከኣ ደገፍ ኣጋር ሰራዊት የድለየን።
ታሪኽ ውግኣት ዓለም ከምዘርእዮ፡ ታንክታት ጥራይ ዝተሰለፋሉ ውግእ ተዓዊቱ ኣይፈልጥን። ንኣብነት እንግሊዛውያን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሕዳር 1917 ኣብ ዘካየድዎ ‘ውግእ ካምብራይ’፡ ነቲ ቀዋሚ ድፋዓት ንምፍራስ ኣማኢት ታንክታት ኣሰሊፎም። ኣብ መጀመርታ ርኡይ ገስጋስ ኣመዝጊቦም’ኳ እንተነበሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ብዙሓት ታንክታት ተበታቲነን ተሪፈን፤ ጸረ መጥቃዕቲ ጀርመን ድማ ነቲ ዓወታት እንግሊዛውያን ብኡንብኡ ናብ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ቀይርዎ።
ታንክታት፡ ንምክልኻል እውን ይስለፋ እየን፤ ኣብ 1940 በቶም ካብ ‘ኣራስ’ ዝተበተኑ ሰራዊት እንግሊዝን ፈረንሳን ንሓይሊ ናዚ ጀርመን ንምዕጋት ኣብ ምክልኻል ብምስላፍ፡ ነቲ ካብ ዳንከርክ ዘንሳሕብ ዝነበረ ሰራዊት እንግሊዝ እኹል ሽፋን ብምግባር ክወጽእ ኣበርክቶ ገይረን እየን።
ዩክረይን ግን፡ ንዝዀነ ዝስዕብ መጥቃዕቲ ሩስያ ንምዕጋት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዝተታሕዘ መሬታ ንምምላስ መጥቃዕቲ ንምፍናው፡ ኣጽዋር ከም እትደሊ ብቕሉዕ ገሊጻ ኣላ።
ዩክረይን፡ ብኸመይ እያ ታንክታት ንሓድሽ መጥቃዕቲ ከተሰልፍ?
ዩክረይን ዘለዋኣ ታንክታታ ኣብ ልዕሊ 1,000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ግንባር ክትዝርግሐን እንተዀይኑ ትርጕም ኣይክህልዎን እዩ። መስመር ምክልኻል ሩስያ ንምስባር፡ ዩክረይን ሓይላ ኣብ ውሱን ከባቢ ከተጽዕቕ ከድልያ'ዩ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ኣብ ልዕሊ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 20 ኪ.ሜ ኣብ ዝዝርጋሕ ውሱን ግንባር ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ሮያል ሰራዊት ብሪጣንያ ኣሃዱ ታንክ ኮሎነል ዝነበረ ሃሚሽ ደ ብሬተን-ጐርደን፡ ሓደ ስርሒት ንምዕዋት ቍጽሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረብ።
ንዓቢ መጥቃዕታዊ ስርሒት ዝፍጽም ብርጌድ ከቢድ ብረት እንተወሓደ 70 ታንክታት የድልዮ፤ ስለዚ ልዕሊ 100 ታንክታት ምዕራብ ኣብቲ ውግእ ዓቢይ ለውጢ ከምጽኣ ይኽእላ እየን፡ ይብል።
ዩክረይን ልዕሊ’ዚ ዓቕሚ እንተለዋ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰሜንን ደቡብን ዝገበረቶ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት ብሓንሳብ መጥቃዕቲ ክትፍኑ ክትፍትን ትኽእል እያ።
ብድሕሪኡ፡ እቲ ብወተሃደራት ዓይኒ፡ "ዝተወሃሃደ መናውራ” ዝበሃል ክስዕብ ይኽእል።
ብሪጣንያ 14 ቻለንጀር ታንክታት ጥራይ ዘይኰነ፡ 30 ባዕለ-ተወንጫፊ መዳፍዓትን፡ ሰራዊት ንምጽዓንን ንምክልኻልን ዘገልግላ ድሩዓት መካይንን ንዩክረይን ትሰድድ ኣላ።
እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ደገፍ፡ ነተጕቲ ዝጸርጋን ድልድል ዝሰርሓን መካይን እውን የጠቓልል። ብኻልእ ኣዘራርባ ዝዀነ መጥቃዕታዊ ስርሒት ንምፍጻም ዘድልዩ ኣገደስቲ ዕጥቂታት ዘጠቓልል ማለት እዩ።
ኣሜሪካ ብወገና፡ ልዕሊ 100 ‘ብራድሊን ስትራይከር’ ዝዓይነተን ወተሃደራዊ መካይን፡ ጀርመን ድማ 40 ካብተን ‘ማርደር’ ዝተሰምያ መካይን ኣጋር ሰራዊት ከምኡ'ውን ታንክታት፡ ንዩክረይን ይልእካ ኣለዋ።
ታንክታት ከም ርእሲ ኲናት፡ ኣብ ቀላጥ መሬት ብቕልጡፍ ክንቀሳቐሳን ንቕድሚት ክሕንበባ ዝኽእላን እየን። ቻለንጀር-2፡ ሊዮፓርድ-2ን ኤም-1 ኣብራምስን ልዕሊ መብዛሕትአን ታንክታት ስርሓት ሩስያ ዝቐልጠፋ ኮይነን፡ ኣብ ዘይምቹእ ቅርጺ መሬት ልዕሊ 40 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ፍጥነት ኣሎወን።
ብቕልጡፍ ቦታታት ንምሓዝ፡ ሃንደበትነት ብምጥቃም ከድምዓ ግን፡ ካብቲ ንመጥቃዕቲ ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝዀናሉ ከተማታት ክርሕቃ የድልየን። ሩስያ ኣብቲ ንኪቭ- ርእሰከተማ ዩክረይን - ንምኽባብ ዘካየደቶ ፍሹል ፈተነ፡ ናይዚ ኣብነት እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ሩስያ ብቀላጥ ጽርግያ ዘሰለፈቶ ነዊሕ መስርዕ ኣሃዱ ታንከኛ ብቐሊሉ ዒላማ ብምዃን ተወቒዑ እዩ።
ሚስተር ባሪ፡ ካብ ኣይኤስኤስ ከም ዝብሎ፡ ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ርእሲ-ኲናት፡ ንድኹም ወይ ስሑው መስመር ምክልኻል ጸላኢ ከም ዝምዝምዝ ይዛረብ።
ኣተሓሒዙ፡ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ንመከላኸሊ መስመራት ኣብ ምድልዳልን፡ መጻወድያ ታንክታት ኣብ ምድላውን ከምዘሕለፈቶ ግን ምግንዛብ ከም ዘድሊ የጠንቅቕ።
ታንክታት ምዕራብ ምስተን ስርሓት ሩስያ እንክነጻጸራ ብኣስታት 20 ቶን ይኸብዳ። ስለዚ፡ እዚ ተወሳኺ ዕጥቂ ምዕራብ ዝሓሸ ረብሓ ምክልኻል ዝህብ’ኳ እንተዀነ፡ እዘን ታንክታት ከበድቲ ካብ ምዃነን ዝተላዕለ፡ ንገለ ግዝያውያን ድልድላት ኣብ ምስጋር ክጽገማ ይኽኣላ እየን።
ሩስያን ዩክረይን ወተሃደራዊ ገስጋስ ንምዝሓል ድልድላት የዕንዋ እየን፤ ብኡኡ እዩ ድማ ንቕድሚት ንምግስጋስ ግዚያዊ መሰጋገሪ ድልድላት ምህናጽ ዘድሊ።
ኣብ መጥቃዕቲ ለይቲ
እቲ ንሓደ ጋንታ ቻለንጀር ታንክ ብሪጣንያ ዝእዝዝ ዝነበረ ደ ብሬተን ጐርደን፡ ሓደ ካብቲ ዓቢ ብልጫታት እዘን ታንክታት ስርሓት ምዕራብ፡ ብለይቲ ናይ ምውጋእ ዓቕመን ምዃኑ ይዛረብ።
እቲ ኣብ ለይቲ ንምርኣይ ዝሕግዝ፡ ‘ተርማል ኢሜጂን ካሜራ’ ደረጃኡ ዝሓለወ እዩ። ኣብ ናይ ለይቲ ውግእ፡ እተን ዝማዕበላ ታንክታት ሩስያ፡ T-90 ዝኣመሰላ ጥራይ እየን ዓቕሚ ዘለወን። ጸልማት/ለይቲ ንሃንደበትነን ጸላኢ ንምግራህን ኣገዳሲ ባእታ ውግእ ምዃኑ ወተሃደራዊ ክኢላታት ይገልጹ።
እንተዀነ ንዩክረይን እቲ ዝዓበየ ብድሆ፡ ሎጂስቲክስ፡ ቀረብ ነዳዲ፡ ተተኮስትን መለዋወጢ ኣቝሑትን ምዃኑ ይግለጽ።
ዩክረይን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዘመነ ሶቭየት ዝኸዘነቶ ኣረጊት ኣጽዋር ክትዕቅብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ እዚ ብምዕራባውያን ዝቐርብ ዘሎ ኣጽዋር እናተሓላለኸ ዝኸይድ ዝርዝራትን ኣተሓሕዛኡን ኣጠቓቕማኡን’ውን የጨንቓ እዩ።
ንኣብነት ታንክታት ብሪጣንያ ቻለንጀር-2፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ሊዮፓርድን ኣብራምስን ደረጃታት ኔቶ ዘለዎ ተተኮስቲ ኣይጥቀማን እየን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ቻለንጀር-2 ካብ ፍርያት ወጻኢ ስለዝዀና፡ ሰራዊት ብሪጣንያ’ውን ንባዕሉ፡ ካብተን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀና ታንክታት’ዩ ገለ መለዋወጢ ኣቝሑ ክጥቀም ዝግደድ ዘሎ።
ሚስተር ባሪ ከም ዝብሎ፡ መሃንድሳት ዩክረይን ብዛዕባ ጽገና ሞተር ናፍታ፡ ንከም ሊዮፓርድን ቻለንጀርን ኣፍልጦ ከምዝህልዎም ይግምት።
እንተዀነ እተን ስርሓት ኣሜሪካ ዝዀና ኣብራምስ ግን ዝያዳ ብዝተሓላለኸ ሞተር ተርባይን ጋዝ ከምዝሰርሓ ይዛረብ። ኣብ ርእሲኡ፡ ምስተን ስርሓት ጀርመን እንክነጻጸራ ልዕሊ ዕጽፊ ነዳዲ ዝበልዓ እየን።
ዝዀነ ዀይኑ፡ መብጽዓ ምዕራባውያን ግብራዊ እንተዀይኑ፡ ዕጥቂ ሓይልታት ዩክረይን ብልዕሊ 100 ሓደስቲ ታንክታት ክብ ክብል ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ እዚ’ውን ካብቲ ብወተሃደራዊ እዚ ዩክረይን ዝተሓተተ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ዩክረይን ነቲ ኣብዚ ዓመት ክተካይዶ ወጢና ዘላ መጥቃዕቲ ተወሳኽቲ 300 ታንክታት፡ 700 መካይን ኣጋር ሰራዊት፡ 500 መዳፍዓት ከምዘድልያ፡ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዝኒ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ዝተረኽበ ግን ፍርቁ ጥራይ እዩ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ነቲ ኣጽዋራት ንምምላኽ ዝድለ ስልጠና እውን ግዜ ክወስድ እዩ፣ ኣዋርሕ እንተዘይኰይኑ ኸኣ ሰሙናት። እዚ ዅሉ መሳርሒታት መዓስ ከም ዝኣቱ ድማ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።
ኣሜሪካ፡ እተን ኤም-1 ኣብራምስ ዝዓይነተን 31 ታንክታታ ብውሑዱ ነዚ ወርሒ’ዚ ድልዋት ክዀና ከምዘይክእላ ኣመልኪታ ኣላ።
ብዘይካ’ዚ ዩክረይን፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ዘቕረበቶ ሕቶ ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእ ምላሽ ምዕራባውያን ሃገራት ትጽበ ኣላ፤ ብመሬት ዘጥቅዕ ኣጋር ሰራዊት ብነፈርቲ ሽፋን ምክልኻል ከድልዮ እዩ።
ምዕራባውያን፡ ኣብዚ ወቕቲ ጽድያ’ዚ ዩክረይን ተቐላጢፋ ናብ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክትኣቱ ተተስፍዮም ነይሮም።
ሩስያ ኣብዚ እዋን፡ መተካእታ ዝተወቕዐ ሓይልታታ ንምምልማልን ዳግማይ ንምህናጽን፡ ከምኡ’ውን ነቲ እናጐደለ ዝመጽእ ዘሎ ቀረብ ተተኮስቲ ንምምላእ ትቃለስ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ዩክረይን፡ እቲ ዕድል መዝሚዛ ክትጥቀመሉ እያ ዝብል እምነት ኣንቢሮም ጸኒሖም።
ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ እዋን እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ግምታት ግጕይ ምዃኑ ከተረጋግጽ ክኢላ እያ፤ እንተዀነ ሓይልታት ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ካብ ግዝኣታ ኣውጺኣ ዓወት ከተረጋግጽ እንተዀይና፡ ሕጂ'ውን ዝያዳ ደገፍ ምዕራባውያን ከም ዘድልያ ኣየማትእን።