እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጻውዒት ክተት ፑቲን ነጺጕ ቁሪ ኣብ ዝበዝሖ ጫካ ዝተሓብአ ኣዳም
ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መስከረም ዝሓለፈ ዓመት (2022) ብኸፊል ንደቂ ተባዕትዮ ሩስያ ከም ዘሰልፍ ምስ ኣፍለጠ፡ ኣዳም ካሊኒን - ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን - እቲ ዝበለጸ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ናብ ጫካ ምግዓዝ ምዃኑ ንኽውስን ሓደ ሰሙን ጥራይ’ዩ ወሲዱሉ።
እቲ ክኢላ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (IT) ዝዀነ መንእሰይ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኣወጀ ኲናት እዩ ነይሩ።
ኣብ መንደቕ ናይቲ ዝነብረሉ ህንጻ ድማ፡ "ኣይፋል ንኲናት" ዝብል ወረቓቕቲ ብምልጣፍ ተቐጺዑ፣ ክልተ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ’ዩ።
ስለዚ ሩስያ ኣብቲ ትኸስረሉ ዝነበረት ኲናት ነገራት ንምቕያር ክሕግዙ 300 ሽሕ ሰብኡት ከኸቱ ምስ ጸውዐት፡ ካሊኒን ኣንጻር ዩክሬናውያን ናብ ቅድመ ግንባር ንኽለኣኽ ንነብሱ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ኣይደለየን።
እንተዀነ ዘይከምቶም ካልኦት ኣማኢት ኣሽሓት ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣይደለየን።
ኣብ ሩስያ ክጸንሕ ዝገበርዎ ሰለስተ ነገራት’ዮም፤ ኣዕሩኽቱ፡ ፋይናንሳዊ ጸገማትን እቲ ዝፈልጦ ምግዳፍን እዮም።
ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ካሊኒን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ካብ ሃገር ምውጻእ ካብ ምቹቕ ናብራይ ዘውጽኣኒ ከቢድ ስጕምቲ ምዀነ ነይሩ። ኣብዚ'ውን ብልክዕ ምቹእ ኣይኰነን፡ ግን ብስነ ልቦናዊ መዳይ ካብ ሃገር ምውጻእ ናይ ብሓቂ ከቢድ ምዀነ” ኢሉ።
ስለዚ ድማ ነቲ ዘይተለምደ ስጕምቲ ክወስድ እንከሎ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ተፋንዩ ናብቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዳስ ዝነብረሉ ጫካ ኣቕነዐ።
ኢንተርነት ንምርካብ ኣብ ገረብ ዝተኣስረ ኣንቴና፣ ንጸዓት ድማ ፓነላት ሶላር ይጥቀም።
ክሳብ -11 ዲግሪ ሴልሲየስ (12 ፈረንሃይት) ዝበጽሕ መጠን ዛሕሊ ተጻዊሩ ሰበይቱ ብቐጻሊ እተምጽኣሉ መግቢ በሊዑ ይነብር ኣሎ።
እዚ፡ ካብቲ ኣዋጅ ክተት ንምህዳም እቲ ዝበለጸ ክሓስቦ ዝኽእል መንገዲ ምዃኑ ይዛረብ። ሰበስልጣን ብኣካል እንተዘይረኺቦምዎ ድማ ናብቲ ኲናት ክኣቱ ክግደድ ኣይክእልን እዩ።
“ብኣካል ኢደይ ሒዞም ናብ ቤት ጽሕፈት ምምዝጋብ ክወስዱኒ እንተዘይክኢሎም፡ እዚ 99 ሚእታዊት ብሓይሊ ናብ ኲናት ካብ ምኻድ ዝከላኸለሉ መገዲ’ዩ” ኢሉ።
ብገለ መገዲ ካሊኒን ከም ቀደሙ ህይወቱ ይቕጽል’ዩ ዘሎ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓታት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ይሰርሕ። ገሊኦም መሳርሕቱ፡ ሕጂ ኣብ ካዛኪስታን ኣለዉ።
እዚኦም፡ እቲ ክተት ምስተጀመረ እዮም ካብ ሩስያ ወጺኦም። ካሊኒን፡ ብመገዲ ኣብ ገረብ ጽሕዲ ዝተኣስረ ኣንቴና ነዊሕ ርሕቀት ዘለዎ ርክብ ኢንተርነት ኣቢሉ ክኣ ምስኦም ቀጻሊ ርክብ ኣለዎ።
ካሊኒን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕረፍቱ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ቴንዳታት ሰሪሑ ኣብ ደገ እዩ ዘሕልፎ ነይሩ።
ንሓዋሩ ናብ በረኻ ክግዕዝ ምስ ወሰነ፡ ዝበዝሕ ዘድልዮ ናውቲ ገዚኡ’ዩ ጸኒሑ።
ኣብ ሓድሽ ዓመት ናብቲ ሕጂ ዘለወሉ ቦታ ዝበጽሐት በዓልቲ ቤቱ፡ ኣብቲ ጫካ ብህይወት ንኽጸንሕ ዓቢይ ተራ ኣለዋ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሰሙን ዝተፈላለዩ ቀረባት ሒዛ ናብቲ ንሓጺር እዋን ብኣካል ክራኸቡ ዝኽእሉሉ ቦታ ትኸይድ።
ብድሕረኡ ነቲ ቀረብ ናብ ውሑስ ቦታ ወሲዱ ይዕቅቦ፤ ዕንጸይቲ ኣንዲዱ ክኣ መግቢ ይሰርሕ።
"ኦትስ፡ ቡክዌት፡ ሻሂ፡ ቡን፡ ሽኮር ኣሎኒ። ብርግጽ እኹል ፍሩታታትን ኣሕምልትን የለን፤ ግን ብዙሕ ሕማቕ ኣይኰነን" ይብል።
መጀመርታ ኣብ ጫካ ምስ በጽሐ፡ ናይ ሓሙሽተ ደቓይቕ ርሕቀት ዘለዎም ክልተ ዳሳት’ዩ ሰሪሑ፤ እቲ ሓደ ንስራሕ ዝጥቀመሉ ኢንተርነት ዘለዎ ቦታ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ መደቀሲኡ እዩ።
ክረምቲ እናቐረበን ኵነታት ኣየር እናዘሓለን ምስ ከደ ግን፡ ንኽልቲኡ ከባቢታት ኣኪቡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ቴንዳ ክነብርን ክሰርሕን ጀሚሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኵነታት ኣየር እታ ሃገር ናብ -11 ዲግሪ ሴልስየስ ወሪዱ ስለ ዝነበረ፡ ልዑል ዛሕሊ ነይሩ።
ካሊኒን፡ ብቐጥታ ናብ ግንባር ክኸትት'ኳ ጻውዒት እንተዘይቀረበሉ፡ እቲ ኵነታት ብቐጻሊ ይቕየር ከም ዘሎን ኣብ መጻኢ ክጽዋዕ ይኽእል’የ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎን ይዛረብ።
ከም በዓል ኣዳም ዝኣመሰሉ ክኢላታት ኮምፒዩተር ካብቲ ክተት ነጻ ኰይኖም፡ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ውሳነታት ዕሽሽ ከም ዝተባህሉ ዝገልጹ ብዙሓት ጸብጻባት ኣለው።
ዩክረይን ኣብ ዞባ ካርኪቭ በርቃዊ መልሰ መጥቃዕቲ ፈጺማ ኣሽሓት ትርብዒት ኪሎ ሜትር መሬት ካብ ወተሃደራት ሩስያ ድሕሪ ምምላሳ’ዩ ፕረዚደንት ቭላድሚር ብ21 መስከረም 2022 ኣዋጅ ክተት ኣዊጁ።
እቲ ኣዋጅ ክተት ስዒቡ፡ ድኹም ኣጽዋርን ውሑድ ስልጠናን ክወስዱ ብምግባር ብርክት ዝበሉ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ቅድመ ግንባር ተዋፊሮም።
እንተዀነ፡ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተቓዊሞምዎ። ሃገራት ምዕራብ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳታት ገይሮም’ዮም።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ህዝባዊ ተቓውሞታት ሳሕቲ እዩ ዝረአ፤ ካሊኒን ግን ሰባት ስለ ዝሰግኡ ከም ዝዀነ ይዛረብ።
"ኣዝዩ ሓያል ዝዀነ ምልካዊ መንግስቲ ኣሎና። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዘይእመን ናህሪ ብዙሓት ሕግታት ኣምጺኦም እዮም። ሕጂ ሓደ ሰብ ኣንጻር እቲ ኲናት እንተተዛሪቡ፡ እቲ መንግስቲ ክስዕቦ'ዩ።”
ካሊኒን ኣብ ጫካ ዝነበሮ ህይወት፡ ኣብ ኢንተርነት ዝተወሰነ ደረጃ ተፈታውነት ኣምጺኡሉ'ሎ፤ መዓልታዊ ኣብ ተሌግራም ዝህቦ ሓድሽ ሓበሬታ 17 ሽሕ ሰባት ይከታተልዎ።