እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን ብምቅዋም ስርሑ ዝገደፈ ሩስያዊ ዲፕሎማት
ቦሪስ ቦምዳሬቭ ዝተባህለ ሩስያዊ ዲፕሎማት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኣወጀ ኲናት ብምቅዋም ስርሑ ከም ዝገደፈ ገሊጹ።
"ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወልዖ ደማዊ" ኲናት ይቃወም ኢሉ።
እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ጀኔቫ፡ ልኡኽ ሩስያ ከም ዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያኡ ዘስፈሮ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ዲፕሎማት ስርሑ ከም ዝገደፈ ንቢቢሲ ከረጋግጽአ እንከሎ፡ "ድሕሪ ሕጂ ሩስያ ከም ባንዳ እያ ትርእየኒ። እቲ ኲናት ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይንን ሩስያን ዝፍጸም ገበን እዩ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ዝኾነ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይፈጸምኩን፤ ዝተሰምዓኒ ተዛሪበ ስርሐይ ገዲፈ ኣለኹ። ንድሕነተይ ግን እሰግእ'የ" ክብል ተዛሪቡ።
ሩስያ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት 'ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት' ብምባል እያ ትጽውዖ።
ነዚ ንዝቃወሙ ወይ ዝነቕፉ ሰባት ድማ ሓያል ስጉምቲ ትወስድ።
እንተኾነ፡ እቲ ዲፕሎማት ን20 ዓመታት ዘገልገለሉ ስራሕ ንምግዳፍ ከም ዝወሰነ ኣብ ማሕበራዊ ሜዲያ ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ ኣፍሊጡ።
"ድሕሪ ሕጂ፡ ኣካል እዚ ትርጉም ዘይብሉ ደማዊ ኲናት ክኸውን ኣይደልን። ዕላማ እዚ ኲናት ዝወልዑ ሰባት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ'ዩ፤ ሕልሞም ንኸዐውቱ ድማ ህይወት ብዙሓት ንምጥፋእ ድሉዋት'ዮም። ሕጂ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዩክሬናውያንን ሩስያውያንን ሞይቶም ኣለው" ይብል።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ኣብዚ ደብዳበ ክንቀፉ እንከለው፡ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ክንዲ ዲፕሎማሲ "ብሓሶትን ጽልእን" ተመሪዙ'ዩ ክብል ነቒፉ።
ዝኾነ ሩስያዊ በዓል መዚ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ንመራሕቲ ክነቅፍ ልሙድ ኣይኮነን። ንዝሓለፉ ኣዋርሕ'ውን ነዚ ኲናት ዝድግፉ እምበር ዝነቕፉ ድምጽታት ብዙሕ ኣይተሰምዑን።
እቲ ስርሑ ዝገደፈ ዲፕሎማት፡ "ሕጂ'ውን ለውጢ ክመጽእ'ዩ ብዝብል ዘይኮነ፡ ነቲ ዓቢይ ሓጹር ዝፍትን ቅሩብ ስጉምቲ እየ ወሲደ ዘለኹ" ክብል ተዛሪቡ።
ብጾቱ፡ ንወራር ሩስያ ከም ዝድግፉ ዝጠቅስ እቲ ዲፕሎማት፡ እቲ ኲናት ብሰንኪ ዝስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው ግን ጥርጣረ ከም ዝሓደሮም ሓቢሩ።
"መብዛሕትኦም ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮም ጓህሪ ዘይኮነ ዝሕል ኢሎም ሰላማውያን ኮይኖም'ዮም ምባል ይከኣል" ኢሉ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ብወግዒ ስርሑ ዝገደፈ በዓልመዚ ምህላው ኣይፍለጥን።