ብጌጋ ኣብ ፖስታ ተዓሺጋ ዝተለኣኸት ድሙ መወዳእታኣ እንታይ ኰነ?

ጋሌና ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ፖስታ ተዓሺጋ ልዕሊ ሽሕ ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Carrie Clark

መግለጺ ስእሊ, ጋሌና ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ፖስታ ተዓሺጋ ልዕሊ ሽሕ ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዩታህ እትርከብ ሓንቲ ስድራቤት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ጋሌና ዝተበሃለት ድሞም ብምጥፋኣ ተሻቒላ ወሪሓ።

እታ ስድራቤትን ጐረባብትን ነታ ተፈታዊት ድሙ ንምርካብ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ሰፊሕ ኣለሻ ኣካይዳ።

እታ ድሙ ግን ክትርከብ ኣይከኣለትን፤ ርእየያ ዝብል ሰብ እውን ኣይተረኸበን።

ምኽንያቱ እታ ድሙ ኣብቲ ከባቢታት ኣይኰነትን ጠፊኣ።

ጋሌና፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ካሊፎርንያ እያ ነይራ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እታ ድሙ፡ ብጌጋ ኣብ ፖስታ ተዓሺጋ ስለዝተለኣኸት እዩ።

ወናኒት እታ ድሙ ዝዀነት ካሪ ክላርክ፡ ጋሌና ካርቶን ወይ ሳንዱቕ ነገራት ከምእትፈቱ ኬኤስኤል ቲቪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

ኰይኑ ድማ እታ ድሙ፡ ሰብ ከይረኣያ ናብታ ስድራቤት ክትልእኮም ካብ ዘዳለዎቶም ካርቶናት ናብቲ ሓደ ዘሊላ እትያ።

እታ ስድራ ጋሌና ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓደ ዕሹግ ከምዘላ ከይፈለጠት፡ እቶም ካርቶናት ናብ ካሊፎርንያ ተላኢኾም።

እታ ድሙ ኣብቲ ጽምዲ ናይ ስራሕ ጫማ ዝሓዘ ዕሹግ ባኮ እንከላ ናብ ካሊፎርንያ በጺሓ።

ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰሙን ድማ ኣብ መወዳእታ ሓደ ሰራሕተኛ ኣማዞን ምስ ረኸባ ናብ ሓኪም እንስሳታት ወሲድዋ።

ኣብኡ ጋሌና ስድራቤታ ዝገበሩላ ማይክሮቺፕ ምስ ተፈተሸ ኣድራሻ ናይ ካሪ ክላርክ ተረኺቡ። እታ ሓኪም እውን ናብ ኬሪ ክላርክ ደዊላ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ኣፍሊጣታ።

ነዚ ስዒቡ እታ ስድራቤት ምስታ እትፈትዋ ድሙ ዳግማይ ተራኺባ ኣላ።

ጋሌና ብዘይ ማይን መግቢን ንመዓልታት’ኳ እንተጸንሐት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ትርከብ።

ካሪ ክላርክ፡ እቲ ዜና "ኣብ መላእ ዓለም ዝገርምን ዕብዳንን" ክትብል ገሊጻቶ።

ወሲኻ፡ "ኣብ መጀመርታ [ነታ ሓኪም] ኣይኣመንኩዋን፡ ላግጺ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ" ኢላ።

ብድሕሪኡ ኬሪ ክላርክን በዓል ቤታን ንጋሌና ከምጽኡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜተር ናብ ካሊፎርንያ ነፊሮም።

"ዘገርም ዳግማይ ምርኻብ እዩ ነይሩ! ጋሌና ክሓቝፋ ከለኹ ምንቅጥቃጥ ኣቋሪጻ።"

ከም ዕድል ኰይኑ እታ ድሙ ዝነበረትሉ ካርቶን ክፉት ቦታ ስለ ዝነበሮ ከተስተንፍስን ኣየር ክትረክብን ብምኽኣላ ልዕሊ ዓቐን ሙቐት ኣይገጠማን።

ኬሪ ክላርክ፡ ኣብታ ድሙ ካብ ዘጋጠመ "ዘሕዝን" ተመኵሮ ተበጊሳ፡ ኵሉ ሰብ ንዝፈትዎም እንስሳቱ ማይክሮቺፕ ክገጥመሎምን ዝላኣኹ ዕሹግ ካርቶናት ድማ ደጋገሚሞም ብምፍታሽ ከረጋግጹን ትላቦ።