ህጻናት ብ 'ፖስታ’ ይለኣኹ ከም ዝነበሩ ትፈልጡ’ዶ?

ህፃን ዝሐዓቖፈ ሰራሕተኛ ቤት ፖስታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ኣመሪካ ቤት ፖስታ ደብዳበታት ጥራይ ዝለኣኸሉ ግዜ ነይሩ።

ኣብ 1 ጥሪ 1913 ግን ዓበይቲ ጥቕላላትን ዕሹጋት ኣቑሕትን ምልኣኽ ብዕሊ ተጀሚሩ።

እቲ ሓድሽ ኣገልግሎት ሃንደበት ብዙሕ ረብሓታትን ዕድላትን ኣስዒቡ’ዩ።

ኩባንያታት ናብ ብዙሓት ገጠራት ማሕበረሰባት ኣመሪካ ክበጽሓ ክኢለን፤ ጠለብ ፍርያተን እውን ኣዝዩ ወሲኹ። ሚልዮናት ኣመሪካውያን ርሑቕ ከይተጓዙ ብቐሊሉ ኹሉ ዓይነት ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ክረኽቡ ጀሚሮም።

ዳርጋ ብኡንብኡ ግን ገለ ካልእ ዘይተሓሰበ ሳዕቤን ተራእዩ።

ገጠራት ነዚ ዕድል ምሉእ ብምሉእ ተጠቒሞምሉ።

ብፖስታ እንታይ ዓይነት ኣቕሓ ምስዳድ ከም ዝከኣል ዝምልከቱ ንጹር ደንብታት ስለዘይነበረ፡ ሰባት ደርሆ፣ እንቋቑሖ፣ ሕጡብ፣ ተመንን ካልኦት ዝደለይዎም “ዕሹጋትን” ክልእኹ ጀሚሮም።

ብሓቂ ሰባት ብዙሕ ዘይተለምዱ ነገራት ይልእኹ ነይሮም።

እቲ ንምእማኑ ዘጸግም ግን ህጻናት ብፖስታ ምልኣኾም እዩ። እወ፡ እዚ ሓቂ እዩ፤ ኣብቲ እዋን ኣመሪካውያን ወለዲ ደቆም ብፖስታ ልኢኾም እዮም።

ብቴክኒካዊ መዳይ ኣንጻር እዚ ዝተጠቐሰ ዝዀነ ናይ ፖስታ ደንቢ ኣይነበረን።

ወለዶም ኣብ ኣገልግሎት ፖስታ ኣመሪካ እምነት ስለዝነበሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብትሑት ዋጋ ደቆም ከጓዓዕዙ ስለ ዝደለዩ’ውን እዩ።

ንገለ ወለዲ ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ምጉዓዝ ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ሓዱሽ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ፖስታ ከም ኣማራጺ ክጥቀሙሉ ሓሲቦም።

ጸሓፊት ታሪኽ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ፖስታ ናንሲ ፖፕ፡ ዕሹግ ኣቕሓ ብበት ፖስታ ምልኣኽ ምስተጀመረ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ወለዲ ደቆም ክልእኹ ከም ዝጀመሩ ትገልጽ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ እቶም መጀመርታ ግዜ ከም ዝለኣኹ ዝፍለጡ ኣብ ግለን ኢስት፡ ኦሃዮ ዝነብሩ ጄሲ ቢውዥን ብዓልቲ ቤቱን እዮም።

እዞም ወለዲ፡ ወዲ 8 ወርሒ ውላዶም ብቤት ፖስታ ኣቢሎም ናብ ዓባዩ ከም ዝለኣኽዎ እታ ጸሓፊት ታሪኽ ትገልጽ።

ኣስታት 5 ኪሎ ግራም ዝመዝን ወዶም፡ 50 ዶላር ንመድሕንን ገይሮም 0.15 ዶላር ከፊሎም እዮም ልኢኾምዎ። ብሰላም ድማ ናብ ዓባዩ በጺሑ።

እዚ ታሪኽ ብኡ ንብኡ ኣብ ጋዜጣታት ወጺኡ፤ ብድሕሪኡ ዝተፈላለዩ ወለዲ ደቆም ብቤት ፖስታ ክልእኹ ጀሚሮም።

እቶም ህጻናት ብቤት ፖስታ ክለኣኹ እንከለዉ፡ ተጠቕሊሎም ወይ ብፖስታ ተዓሺጎም ኣይነበሩን። ሰራሕተኛታት ኣብ ሕቑፊ ተሸኪሞም ወይ ድማ ብእግሮም እዮም ዘብጽሕዎም ነይሮም።

ሻርሎት ሜይ ፔርስቶርፍ ዝተበሃለት ህጻን ግን፡ ብ1914 ብሓንቲ ናይ ናይ ባቡር ፖስታ መኪና ቴምብር ተለጢፉላ እያ ተላኢኻ።

እዛ ህጻን ኣዝያ ተፈላጢት ምዃና ስዒቡ፡ “ሜይሊንግ ሜይ” እትብል ናይ ህጻናት መጽሓፍ ተጻሒፉላ እዩ።

 ሻርሎት ሜይ ፔርስቶርፍ

ምንጪ ስእሊ, NATIONAL POSTAL MUSEUM

መግለጺ ስእሊ, ሻርሎት ሜይ ፔርስቶርፍ

ጓል ሓሙሽተ ዓመት ሜይ ምስታ ኣብ ኣረጊት ኣኽራናት ኣይዳሆ ብዙሕ ርሒቓ እትነብር ዓባያ ክትራኸብ ሃረርታ ነይርዋ።

ሜይ ፒርስቶርፍ ኣብ ግራንጅቪል ዓባያ ድማ ኣብ ሌዊስተን እየን ዝነብራ ነይረን።

ስድራቤት ሜይ ግን ድልየታ ንምፍጻም ዓቕሚ ኣይነበሮምን።

ንትኬት ባቡር ዝኽፈለ ዋጋ፡ ዳርጋ ናይ ምሉእ መዓልቲ ደሞዞም’ዩ ዝኸውን። እታ ንእሽቶ ጓል ልባ ምስተሰብረ ግን ከም ኣማራጺ መፍትሒ ብቤት ፖስታ ክልእኽዋ ወሲኖም።

ምኽንያቱ፡ ብቤት ፖስታ ከም ኣቕሓ ክትለኣኽ ከላ ዝኽፈል ዋጋ ካብቲ ከም ሰብ ክትለኣኽ ዝኸፈል ኣዝዩ ትሑት’ዩ ነይሩ።

ሜይ ኣብቲ ናይ ፖስታ ክፍሊ ተቐሚጣ ከም ዝተጓዓዘት ድማ ይንገር።

ድሕሪ እዚ ፍጻመ፡ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ኣመሪካ ብዘይካ ንህቢ፡ ንሓደ መዓልቲ ዝዕድሚአን ጫቚታትን ካልኦት ኣናእሽቱ ነገራትን ንኹሎም ደቂ ሰባትን ህያዋን እንስሳታት ብፖስታ ከይለኣኹ ከልኪሉ።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ’ቲ ክልከላ’ውን ህጻናት ብቤት ፖስታ ምልኣኽ ንዝተወሰነ ግዜ ቀጺሉ ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።