እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆርጅ ዊሃ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተሳዒሩ
ፕረዚደንት ላይቤርያ ጆርጅ ዊሃ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ እታ ሃገር ተዓዋታይ ንዝዀነ መቐናቕንቱ ጆሴፍ ቦካይ ብምድዋል ዮሃና ኢልዎ።
ንሱ ንህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ህዝቢ ላይበርያ ተዛሪቡ ኣሎ ድምጹ ድማ ሰሚዕናዮ ኣለና” ኢሉ።
ሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ ጆሴፍ ቦካይ ብ 28 ሽሕ ድምጺ ብምምራሕ ተዓዋቲ ኰይኑ ኣሎ።
ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃ ካብ 2018 ጀሚሩ እዩ ፕረዚደንት ላይበርያ ኰይኑ ከገልግል ጸኒሑ። ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ድማ ካብ መዝነቱ ክወርድ እዩ።
ብዙሓት መንእሰያት ኣድመጽቲ ብዝፈጠርዎ ማዕበል ናብ ስልጣን ዝመጽአ ጆርጅ ዊሃ፡ ኣብ ልዕሊ መወዳድርቱ ጆሴፍ ቦካይ ብዓብይ ኣፈላላይ ተዓዊቱ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ንብልሽውና፡ ናህሪ ዋጋታትን ቍጠባዊ ጸገማትን እታ ሃገር ክምክቶ ብዘይምኽኣሉ ንምስሉ ደዊንዎ።
ስዕረቱ ዝተቐበለ ዊሃ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ “ሃገርና ንዘንበረቶ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ልዑል ክብሪ ኣለኒ” ኢሉ።
ንሱ፡ ነቲ ዝተዓወተ “ምሩጽ ፕረዚደንት'' ቦካይ ከም ዘዘራረቦ'ውን ሓቢሩ።
ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ፡ ወዲ 78 ዓመት ነባር ተቓላሳይን ፖለቲከኛን ቦካይ 50.89%፡ ፕረዚደንት ዊሃ ድማ 49.11% ድምጺ ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጡ እዩ።
250 ሽሕ ሰባት ዝሞትሉ ኵናት ሕድሕድ እታ ሃገር ቅድሚ 20 ዓመት እዩ ኣብቂዑ።
ኵናት ሕድሕድ ላይበርያ ካብ ዝዛዘም ኣብታ ሃገር ፕረዚደንታዊ መረጻ ክካየድ እዚ ንራብዓይ ግዜ እዩ።
ተዓዘብቲ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ፡ እቲ መረጻ ሰላማዊ ምንባሩ ከም ዝኣምኑ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።