ላይቤርያዊ ሚንስትር ንበዓልቲ ቤቱ ብህያብ ዘቕረባ መኪና ንብዙሓት ኣቖጢዓ

ኣብ ላይቤሪያ ሓደ ሚንስትር ንበዓልቲ ቤቱ ብመልክዕ ህያብ መዓልቲ ልደታ ዘቕረባ መኪና ንብዙሓት ደገፍቲ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ከምዘቖጠዐት ተገሊጹ።

እቲ ሹመኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝኾነ ሓጋዚ ሚንስትር፡ ነታ ብኽቡር ዋጋ ዝተዓደገት መኪና ዝለዓለ ዋጋ ዝተኸፈሎ ሻምፓኝ መስተ እናነጸገ ንሰበይቱ ከወፍየላ ዘርእይ ቪድዮ ምዝርግሑ ስዒቡ’ዩ ንደገፍቲ ውድብ ኮንግረስ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ [‘ኮንግረስ ፎር ዴሞክራቲክ ቻንጅ’] ዘቖጠዐ።

ክንፊ መናእሰይ እቲ ውድብ ነቲ ጀምስ ኢማኑኤል ፖተር ዝተበሃለ ሹመኛ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈጸሞ ተግባር “ግዱስነት ዘይተመልኦ ምርኢት ሃብቲ” ብዝብል ነቒፉ።

እቲ ውድብ ንዝቖመሉ መትከላትን ስነ-ሓሳባትን ከምዝጻረር ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ሎጂስቲክስ ዝሰርሕ እቲ በዓል መዚ ንነባራዊ ኩነታት እታ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝኾነት ላይቤርያ ዝጻባእ ተግባር ከምዝፈጸመ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ንሱ ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ነቐፌታ ኣመልኪቱ ብፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፤ ዘሕጉሶ ኩሉ ነገር ንምፍጻም ዘኽእሎ መሃያ ክረኽበሉ ኣብ ዝኽእል ስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ “ብዙሓት ኣብ ዝተጸገሙሉ ኩነታት ፖተር ንበዓልቲ ገዝኡ መኪና ገዚኡ ብኣዝዩ ክቡር ሻምፓኝ ነጺጉ’ሎ። እዚ ግን ንድኻ ምሕጋዝ’ዶ ይኸውን?” ክብል ንተግባር እቲ ሓጋዚ ሚንስትር ነቒፉ።

ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ “ብናይቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ድኻ ህዝቢ ወጻእታት ኣዝዩ ምችው ናብራ ይነብሩ” ኢሉ።

ነቲ ሚንስትር ዝደገፉ’ውን ኣይተስኣኑን። ሓደ ካብኣቶም “ሰብኣይ ንበዓልቲ ገዝኡ መኪና ምግዝኡ ዓብይ ነገር ኣይኮነን። ይሰርሕ ስለዘሎ ነዛ ንኢሽተይ መኪና ክገዝእ ዘኽእሎ ኣታዊ ከምዝረክብ እምነት ኣለኒ። ነዚ ጽልኣትኩም ደው ኣብሉ” ክብል ገሊጹ።