ብእምነት ውላድ ዝርከበሉ 'ናይ ጸባ በዓቲ' ኣብ ቤተልሄም

እቲ ብልስሉስ ንፋስ ዝተዓጀበ ክርስቶስ ናብ ዝተወለደሉ ቦታ ዝወስድ ኣብ ቤተልሄም ዝርከብ መገዲ በቶም ንመዘከርታ ዝኾኑ ቅርጻ ቕርጺ ዝሸጡ ሰባት ብዘስምዕዎ ዋዕዋዕታ ወትሩ ምስተዓጀበ እዩ።

በቲ ከባቢ ንዝሓልፉ በጻሕቲ ዓዲ ብእንግሊዝኛ፣ ስጳኛ፣ ፖሊሽን እናተደሃዩ ካበየነይቲ ሃገር ከምዝመጽኡ ክግምቱ ይፍትኑ።

ኣብዚ እዋን ግን ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ልክዕ ከምተን ኣብ ምሸት ዝኽደና ኣዒንቲ ደቂሰብ፡ እተን ሹቓት’ውን መሳኹተን ተዓጻጽዩ’ሎ።

ኣነ ናብቲ ‘ሚልክ ግሮቶ’ [ናይ ጸባ በዓቲ] ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ናይ ካቶሊክ ቤተ ጸሎት ኣብ ዝበጻሕኩሉ እዋን፡ ኩሉ ምንቅስቓስ ጸጥ ዝበለ ነይሩ፤ እቲ ቐደም ግን እታ ንኢሽተይ ቤተክርስትያን በቶም ናብ ቅድስቲ ሃገር ዝውሕዙ በጻሕቲ ዓዲ ተዕለቕልቕ ነይራ።

ንዓይ እቲ ከምዚ ዝበለ ጸጥታ ዝሰፈኖ ህዱእ ኩነታት’ዩ ዝምቸወኒ፤ ልክዕ ከም ነታ መለኮታዊት ኣደ ዝኾነት ድንግል ማርያም ዝተወፈየ።

ግን ከኣ ነዓይ ጥራይ ኣይኮነን። “እዚ ነዓይ ዘተባብዕ እዩ” ትብል ሓንቲ ካብ ደናግል ዝኾነት ናኦሚ ዚመርማን።

ንሳ ምስ ሓደ ንማሕበረሰብ ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ክትሰርሕ’ያ ኣብ 1990ታት ናብቲ ቦታ መጺኣ።

“እዚ ቦታ ወትሩ ነዓይ ብተኣምራት ዝመልአ ምዃኑ ብጣዕሚ ይገርመኒ” ትብል ብተዘክሮ ኣዒንታ እናኸፈተት።

“ኣብዚ ናይ ህይወት ተኣምራት ኣለዉ፤ ምስ ጥዕና ህጻናት ከምአ’ውን ደቂኣንስትዮ ዝተሓሓዙ። ሓደ ካብ ዝመርጾም ቦታታት’ዩ” ብምባል ንስምዒታ ትገልጽ።

“እቲ ዝዓበየ ህያብ” ድንግል ማርያም ንወዳ ሓቚፋ እናጥበወቶ ዘርእይ ቅርጺ ኣብ መእተዊ እቲ በዓቲ ጸባ [ ሚልክ ግሮቶ] ይረኣይ።

ንጉስ ሄሮዶስ ጅምላዊ ቅትለት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን ማርያም ምስ ወዳ ዘዕቖበትሉ ቦታ ከምዝኾነ ይዝረብ።

ማርያም ጸባ ጡባ ምስ ኣንጠብጠበትሉ እቲ ሓመድ ዝመስል ዝነበረ በዓቲ ናብ ጻዕዳ ሕብሪ ከምዝተቐየረ ይዝንቶ።

ንነዊሕ ዓመታት ድማ ካብቲ “ሕሩጭ ጸባ” ከምዝተሓወሶ ዝዝረበሉ ጸበል ወሲዶም ዝሰተዩን ኣብ ማርያም ዝኣመኑን ሰባት ካብ ጸገማት ጥዕና ከምዝተናገፉ ይእመነሉ።

ብፍላይ ምስ ወሊድ ብዝተሓሓዝ ጸገም ዘለዎም ሰባት ፈውሲ ከምዝረኸቡ ይዝረብ። ኣብ ቤተልሄም ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት ምስ ሚልክ ግሮቶ ዝተሓሓዝ ታሪኽ ኣለዎም።

ንዓመታት ቆልዓ ክትረክብ ፈቲና ክሰምረላ ዘይከኣለ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ በዓል ገዝኣ ኮይኖም ጸሎት ምስ ኣብጽሑ ኣብ ጊዜ በዓል ልደት [‘ክሪስትማስ’] ምውላዳ ትሕብር።

”እቲ ዝዓበየ ህያብ” ምንባሩ ድማ ገሊጻትለይ።

ሱኣድ ስፊየር ዝተበሃለት መራሒት ዑደት ብወገና “ብቐረባ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት እውን ተመሳሳሊ ነገር ረኺቦም ነይሮም። ኣብ ኣሜሪካ እትነብር መሓዛይ 25 ዓመታት ኣብ ሓዳር ጸኒሓ ክትወልድ ንዘይከኣለት ሓትነኣ ካብቲ ሕሩጽ ወሲዳላ” ኢላትኒ።

ኣስዒባ ድማ “ብድሕሪ ዓመት ናብዚ ምስተመለሰት ናይ ንኢሽተይ ቖልዓ ስእሊ ሒዛትለይ መጺኣ” ክትብል ገሊጻትለይ።

“ተኣምራዊ ህጻን”

ኣብ ሓደ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከብ ንእሽተይ ቤት ጽሕፈት ብዙሓት ስእልታት ተጠቂዖም ይረኣዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝተልኣኹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ምስክርነት ደብዳበታት’ውን ኣለዉ።

ህንዳውያን መጻምዲ፡ ስእሊ ብፍሽኽታ ዝተዓጀበት ንኢሸተይ ጓሎም ምስ ሓጺር መልእኽቲ ጠቂዖም ርእየ።

ክልተ ጊዜ ምንጻል ጥንሲ ምስ ኣጋጠሞም’ዮም ነቲ ሕሩጭ ጸባ ወሲዶም። “ሎሚ ሕጉሳት ኢና” ይብል እቲ ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቶም።

“ብጣዕሚ በኽየ ንብዓተይ ከኣ ንጸሎተይ ይውክሉ ነይሮም” ትብል ቆልዓ ንምርካብ ክትጽልይ ናብቲ ቦታ መጺኣ ዝነበረት ፈረንሳዊት ሰበይቲ።

ክልተ ወርሒ ምስጸንሐት ነብሰ ጾር ከምዝኾት ከኣ ትገልጽ።

ክትወልድ ከምዘይትኽእል ዝተነገራ ካልእ ብራዚላዊት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ተኣምር ብተሌቪዥን ሰሚዓ እቲ ሕሩጭ ኣምጽኡለይ ምስበለት፡ ገብርኤላ ዝተበሃለት "ተኣምር” ክትብል እትገልጻ ቆልዓ ምርካባ ትዛረብ።

ናብቲ ቤተክርስትያን ክኣትው ከለኹ ካብ ሞንጎ ሽምዓ ዝውልዓ ዝነበራ ኣንስቲ ሓንቲ ኣስላመይቲ ነባሪት እቲ ከባቢ ርእየ።

ኣብ ጥቃ እቲ ናይ ማርያም ስእሊ ከኣ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብጸጥታ ተዓጂበን ኮፍ ኢለን ተዓዚበ።

“ተስፋ ዝህብ’ዩ”

እቲ ቤተክርስትያን ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ መዓልታዊ ንጉሆ ንቑሩብ ሰዓታት ጥራይ እዩ ዝኽፈት።

ቡትሮስ ምስዝተበሃለ ፈላሲ ነቲ ቤተክርስትያን ክዓጽው ኣብ ዝዳለወሉ ሰዓት ተራኺብና።

መልእኽቲ ንዝለኣኹሉ ቆልዑ ዘይብሎም ደቡብ ኣሜሪካውያን’ዩ ጸሎት ክገብረሎም ጸኒሑ።

“ቆልዓ ክትወልድ ዘይምኽኣል ብጣዕሚ ከቢድ ነገር’ዩ። ውላድ ናብ ህይወትካ ፍሉይ ቃና ሒዙ እዩ ዝመጽእ” ኢሉኒ።

“ማርያም ኣዴና እያ። ትሰምዓናን ናብ ልብና ትኣቱን'ውን ከኣ” ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹለይ።

"ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ ክሰርሕ ብምኽኣለይ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ሓጎስ ዝርከበሉ ቦታ እዚ እዩ። ተስፋ እዩ ዝህበካ” ኢሉኒ ብፍሽኽታ ተዓጂቡ።