ላይቤርያ፡ ሕጽረት ናይ ወረቐት ገንዘብ ኣጋጢሙዋ

ኣብ ባንኪታት ኣቕራሽ (ባጤራ) ክረኽቡ ዘይከኣሉ ላይቤርያውያን ኣብ ገንዘብ መውጽኢ መሽናት ተሰሊፎም ነዊሕ ሰዓታት የሕልፉ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ኣብ ንግዳዊ ባንኪታት እታ ሃገር እኹል ናይ ወረቐት ገንዘብ ከምዘየለ ዝገለጸ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር፡ ጠንቂ ናይቲ ጸገም ሰባት ገንዘቦም ኣብ ገዝኦም የቐምጡ ምህላዎም እዩ ኢሉ።

እታ ሃገር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ባጤራ ዝተሓሓዝ ጸገማት ከጋጥማ ብምጽንሑ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብቶም ባንኪታት እምነት እናሰኣነ ምምጽኡ ይንገር።

ኣብ 2018 ብሚልዮናት ዝቑጸር ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተሓተመ ዶላር እታ ሃገር፡ ኣብ ወደብ ምስተራገፈ ኣብ ማእከላይ ባንኪ ከይበጸሐ ጠፊኡ እዩ።

ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ላይቤርያ ድማ ብዝምልከቶ ኣካል ከይጸደቐ ክሕተም ከምዝተገበረ ይንገር።

ኢኮኖሚ (ቁጠባ) ላይበርያ የንቆልቁል ከምዘሎን ሸርፊ ዶላር ላይቤርያ ብመጠን ዶላር ኣመሪካ፡ ካብ ካሊእ እዋን ንላዕሊ ደኺሙ ከምዘሎን ተገሊጹ።