ላይቤርያ፡ ርክብ ኣርሰን ቬንገርን ጆርጅ ዊያን ካበይ'ዩ ዝጅምር?

ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊያ ነቲ ኣብ እንግሊዛዊት ክለብ ሞናኮ ኣሰልጣኒኡ ዝነበረ ኣርሰን ቨንገር ናይታ ሃገር ዝለዓለ ኒሻን ክሽልሞ መደብ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ።

እቲ እንኮ ኣፍሪቃዊ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ክኸውን ዝበቕዐ ጆርጅ ዊያ በቲ ኣብ 1998 ኣሰልጣኒ ክለብ ሞናኮ ዝነበረ ቨንገር ተገዚኡ ናብታ ክለብ ተጸምቢሩ።

ኣርሰን ቨንገር ድሕሪኡ ኣሰልጣኒ ክለብ ኣርሰናል ኮይኑ ን22 ዓመታት ድሕሪ ምስርሑ ኣብ ግንቦት 2018 ካብታ ክለብ ተሰናቢቱ።

ቬንገር ንሓያሎ ኮኾብ ተጻወትቲ ክኾኑ ዝበቕዑ ኣፍሪቃውያን ብሓልዮት ከም ዘሰልጠነ ይንገረሉ።

ጆርጅ ዊያ ኣብ 2003 ካብ ኩዕሶ ዓለም ምስተኣልየ ኣተኩሮኡ ናብ ፓለቲካ ሃገሩ'ዩ ጌሩ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገብረ ምርጫ ድማ ብገፊሕ ተዓዊቱ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

ኣርሰን ቬንገር ነቲ ሽልማት ንምቕባል ዝመጽእ ዓርቢ ናብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ሞንሮቪያ ክኣቱ ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ሚኒስተር ዜና ላይበርያ ዩጂን ናግበ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም በታ ሃገር ዝለዓለ ሽልማት ዝተዋህቡ ሰባት ብምዃን እቲ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽመት'ውን ክወሃቦ'ዩ- 'ናይት ግራንድ ኮማንደር ኦፍ ዘ ሁማነ ኦርደር ኦፍ ኣፍሪካን ሪደምሽን'።

እንተኾነ ግን እቲ ጉዳይ ኣብ ላይበርያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ገለ ሰባት እቲ ሽልማት ሓደ ውልቀሰብ ነቲ ፕረዚደንት ብውልቂ ዝገበረሉ ውዕለት ንምክሕሓስ ክወሃብ የብሉን ይብሉ።

እቲ ሚኒስተር ዜና ከም ዝብሎ ግን እቲ ሽልማት ነቲ ኣብ መንጎ ጆርጅ ዊያን ኣርሰን ቨንገርን ዘሎ ምትእስሳር ዝዋሃብ ዘይኮነስ፡ ቨንገር ኣብ ስፓርት ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ዕድል ዝሃበ ብምዃኑ'ዩ።

ቬንገር ኣብ ኣርሰናል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጥራይ ንኣይቮሪኮሳዊ ኮሎ ቱረ፡ ካሜሩናዊ ሎረንን ናይጀርያዊ ንዋንኮ ካኑን ዝርከብዎም 16 ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኣሰልጢኑ'ዩ።

ናብ ሞናኮ ኣብ ዝተጸምበረሉ እዋን "ቨንገር ከም ወዱ'ዩ ሓብሒቡኒ" ይብል ፕረዚደንት ዊያ። "ብድሕሪ ኣምላኽ፡ በዘይ ደገፍ ኣርሰን ኣብ ኣውሮጳ ክዕወት ኣይምኻኣልኩን ነይረ" ብምባል ነቲ ቬንገር ዝገበረሉ ውዕለት ይዝክር።

ቬንገር ብወገኑ፡ ታሪኽ ሂወት ፕረዚደንት ጆርጅ ዊያ፡ "ተኣምር'ዩ" ብምባል ይገልጾ።

"ኣብ ሞናኮ ንመጀመርያ ጊዜ ዝመጻሉ እዋን ትዝ ይብለኒ። ነገራት ድንግርግር ኢሎምዎ፡ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበሮን፡ ከም ተጻዋታይ ዝነበሮ ብቕዓት'ውን ዝፈልጠሉ ሰብ ኣይነበረን። ደሓር ድማ ኣብ 1995 ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ኮይኑ። ሕጂ ድማ ፕረዚደንት ሃገሩ" ብምባል ኣብ ጆርጅ ዊያ ዘለዎ ኣድናቖት ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።

ሸውተ ነገራት ብዛዕባ ጆርጅ ዊያ፡

  • ብ1 ጥቅምቲ 1966 ኣብ ርእሰከተማ ሞንሮቪያ ዝርከብ ሻውል (ናይ ድኻታት ከባቢ) ተወሊዱ
  • ቨንገር ካብ ካሜሩናዊት ክለብ ቶነረ ያውንደ ናብ ክለብ ሞናኮ ኣምጺእዎ
  • ኣብ 1987 ንመጀመርታ እዋን ምስ ሞናኮ ተጻዊቱ፡ ብሕሪኡ ድማ ምስ ኤሲ ሚላን፡ ፓሪስ ሰንት ጀርሜንን ቸልሲን ተጻዊቱ
  • እንኮ ኣፍሪቃዊ ብሉጹ ተጸዋታይ ዓለም ክኸውን ዝበቕዐ'ዩ- ኣብ 1995
  • ኣብ 2005 ንመጀመርታ እዋን ፕረዚደንት ንምዃን ተወዳዲሩ፡ በታ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚት ጓል-ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ክትከውን ዝበቕዐት ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ተሳዒሩ
  • ኣብቲ ዘይተዓወተሉ ምርጫ እኹል ትምህርቲ የብሉን ተባሂሉ ስለዝተዘርበሉ፡ ካብ ሓደ ናይ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ብናይ ንግዲ ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ
  • ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2017 ዝተገብረ ምርጫ 62 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ፕረዚደንት ላይበርያ ኮይኑ ተመሪጹ

ቬንግር ኣብታ ሃገር ምስ ኣተወ ድማ ደገፍቲ ክለብ ኣርሰናል 'ቺፍ' (ሓለቓ) ክገብርዎ መደብ ከም ዘሎ እቲ ሚኒስተር ዜና ተዛሪቡ'ሎ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቶጎ ክላውደ ለ ሮይ እውን እቲ ብሃገር ደረጃ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ሽልማት ክሽለም ምዃኑ ተፈሊጡ።

ንሱ ኣብ 1988 ኣሰልጣኒ ጋንታ ካሜሩን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ቨንገር ነቲ ኣብቲ እዋን ምስ ካሜሩናዊት ክለብ ቶነረ ያውንደ ዝጻዋት ዝነበረ ጆርጅ ዊያ ክገዝኦ ከም ዘማኸሮ ይንገር።