እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሉፃት ምስልታት ኣፍሪካ
ካብ መላእ ኣፍሪካ ዝተኣኻኸቡ፡ ሕሩያት ምስልታት ኣፍሪካ እዚ ሰሙን። ከምኡ'ውን ኣፍሪካውያን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ኣብዚ ሰሙን።
ሳንድራ ኮኣዲዮ፡ በዚ ኣሰራርሓ ፀጉራ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣየቮሪ ኮስት - ኣቢጃን ሸናዕ እንትትብል...
ኣብ ከተማ ኣቢጃን ዝነብር ሰራሕ ጸጉሪ ሳይመን ኬንዶህ ዓማዊሉ እንትፅበ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ዴሞክራቲክ ኮንጎ - ኬንሻሳ ንዝተዳለወ ቅነ ፋሽን፡ ንዝቐርብ ስራሕ ዝዳለው ዘለው ሞዴላት
ገለ ኪኢላታት ንምፅብባቕ፡ መብራህቲ ሞባይል ስልኮም ይጥቀሙ ነይሮም።
ካብ ኮንጎ ብዝመፀት ዲዛይነር ዝቐረበ ስራሕ ዘቕረበት ሞዴል።
ፈረሰኛታት ተዋጋእቲ ሞሮኮ ኣብ ምዕራብ ካዛብላንካ - ከተማ ኤል ጀዲዳ ባህላዊ ምርኢት እንተቕርቡ
እቶም ፈረሰኛታት መስርዖም ሓልዮም ብሓባር ብምኻድ እዮም ምርኢቶም ዘቕርቡ። ብማዕረ ናህሪ እናጋለቡ ብዝሓዝዎ ጠመንጃ ናብ ሰማይ ይትኩሱ።
ባህላዊ ተላሃይቲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ - ደርባን፡ ንባህላዊ በዓል ህንዲ 'ዳዋሊ' ዘድምቕ ትልሂት ንምቕራብ እንትዳለዋ።
ሳዕሳዕቲ ኣቢጃን - ኣብ ጉባኤ ኣንስቲ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ምርኢት ኣቕሪቦም። እቲ ጉባኤ ትሕቲ ዕድመ ሸቅሊ ንምቅላስ ዝዓለመ እዩ።
ህፃናት ተምሃሮ ላያቤርያ፡ ኣብ ከተማ ሞኖሮቪያ ማዕርነት ፆታ ዝገልፅ መልእኽቲ ኣብ ግምባረን ኣሲረን ይርኣያ። እታ ሃገር መዓልቲ ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ ተኽብር እያ።
ኣብ ላይቤርያ ጋዜጣ ንምግዛእ ዓቕሚ ዘይብሎምን ሞባይል ኢንተርኔት ዘይጥቀሙን ዜጋታት፡ ውፅኢት መረፃ ሃገሮም ኣብ ፀሊም ሰሌዳ ካብ ዝጥቃዕ ሓበሬታ ይከታተሉ።
ጋቦናዊ ኣጥቃዓየ ፒየረ-ኤምሪክ ኡባሚኣንግ፡ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ጀርመን ንጋንትኡ ዶርትሙንድ ድሕሪ ዘመዝገባ ሸቶ፡ ታሕጓሱ ብኸምዚ ገሊፁ።