ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተጠርጠረት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብሰንኪ ስግኣት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፈረንሳ ንመዓልታት ተኣሲሮም ዝነበሩ
ኣማኢት ዜጋታት ህንዲ ዝጸዓነት ነፋሪት ናብ ህንዲ ኣትያ።
ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኒካራጓ ብቻርተር ትበርር ነይራ ዝተባህለት ኤርባስ ኤ340 ዝዓይነታ ነፋሪት
መጓዓዝያ ነዳዲ ትመልእ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ጥርጣረታት ከምዝተፈጠረ ተገሊጹ።
276 ተሳፈርቲ ሒዛ ናብ ህንዲ ክትብገስ ከላ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 25 ሰባት ግን ዑቕባ
ብምሕታቶም ኣብ ፈረንሳ ተሪፎም ኣለዉ።
ክልተ ጥርጡራት ኣሰጋገርቲ እውን ንተወሳኺ መርመራ ኣብ ፈረንሳ ክጸንሑ ዝተገበረ ኮይኑ ጽኒሑ ግን
ክልቲኦም ቤት ፍርዲ ነጻ ኣፋንይዎም።
እታ ብመንገዲ ኣየር ሌጀንድ እትውነን ነፋሪት ከኣ ብኣቆጻጽራ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሙምባይ ህንዲ ዓሊባ።
ሰበስልጣን ፈረንዳ ገለ ካብቶም ተጓዓዝቲ "ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት" ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓበሬታ
ድሕሪ ምርካቦም፡ እታ ነፋሪት ካብቲ ካብ ፓሪስ ኣስታት 130 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ
ሻሎንስ-ቫትሪ ብሓሙስ ከይትወጽእ ተኸልኪላ ከምዝነበረት ኣኽበርቲ ሕጊ ፓሪስ ይገልጹ።
መብዛሕትኦም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኣብ ኢማራት ዓረብ ክሰርሑ ዝጸንሑ ህንዳውያን ምዃኖም ይግመት።
ሲሶ ካብቶም ተጓዓዝቲ ድማ ካብ ምዕራባዊት ግዝኣት ህንዲ ጉጃራት ምዃኖም ይግለጽ።
ሰበስልጣን ፈረንሳ እቶም ተጓዓዝቲ ናብ ኣመሪካ ወይ ካናዳ ክኣትዉ ንምፍታን ናብ ኒካራጓ ይኸዱ ነይሮም
ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጥርጣረ ከምዝነበሮም ይግለጽ።
ሰብመዚ እታ ነፋሪት ናብ ህንዲ ክትብገስ ቅድሚ ምፍቃዶም ዝኾነ ገበን ተፈጺሙ ድዩ ኣይተፈጸመን ዝብል
ብዘየማትእ መንገዲ ኣብ መደምደምታ ብዛዕባ ምብፅሖም ኣይተነጸረን።
እታ ነፋሪት ኣብ ክንዲ ናብ ኒካራጓ ዝነብራ ጉዕዞ ትቕፅል ስለምንታይ ናብ ህንዲ - ሙምባይ ከም ዝኸደት
እውን ንጹር ኣይኮነን።
መንገዲ ኣየር ሌጀንድ ኣብ ሮማንያ ዝርከብ ናይ ቻርተር በረራታት ኣገልግሎት ዝህብ መንገዲ ኣየር ከምዝኾነ
ትካል ፍላይትራዳር ሓቢሩ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







