ኣልቓዒዳ፡ ሕጂኸ ናበይ?

ምንጪ ስእሊ, CNN VIA GETTY IMAGES
እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ ቕትለት መራሒ ኣልቓዒዳ፡ መጻኢ ዕጫ ኣልቓዒዳ እንታይ ክኸውን እዩ? ብሱሩ ኣልቓዒዳ እንታይ እዩ? ኣብ 2022 ከምቲ ቀደም ዝነበሮ ኣገዳሲ ድዩ? ዝብል ዘይተርፍ ሕቶ የልዕል ኣሎ።
ኣልቓዒዳ ብዓረብኛ "መሰረት" ማለት እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ረብሓታት ምዕራባውያን ንምጥቃዕን ኣብ መላእ ኤስያን ኣፍሪቃን ንዝርከቡ ንምዕራባውያን ዝቐረቡን እስላማዊ ዘይኰኑን መንግስታት ንምውዳቕን ዝተወፈየ ዘይሕጋዊ ግብረሽበራዊ ትካል እዩ።
ኣልቓዒዳ፡ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ዶባት ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ካብ ተረፍ መረፍ ናይቲ ንኣፍጋኒስታን ወሪሩ ጐቢጡ ንዝነበረ ሓይሊ ሕብረት ሶቭየት ክዋጋእ ዝኸደ ወለንተኛ ሰራዊት ዓረብ ኣወሃሂዱ ዝተመስረተ እዩ።
ቅድሚ ሓደ ወለዶ ኣልቓዒዳ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ዝተለምደ ስምን ኣብ ምዕራባውያን እቲ ኣብ ቍጽሪ ሓደ ዝስራዕ ስግኣት ጸጥታ ኰይኑ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ዝተሓላለኸን ዕዉትን መጥቃዕቲ ይፍጽም ስለ ዝነበረ፡ ብግዲኡ ዝያዳ ዓመጽቲ ሰዓብቲ ንኽስርዑ ኣነቓቒሑ።
ኣብ 1998 ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ብሓንሳብ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዝተቐትልሉ መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ።
ኣልቓዒዳ ኣብ 2000 ሓንቲ ብብርቱዕ ነታጒ ዝተዓሸገት ንእሽቶ ጃልባ ኣብ ወደብ ዓደን ምስ ዝነበረት 'ዩኤስኤስ ኮል' ክትላተም ብምግባር፡ 17 ባሕረኛታት ቀቲሉ። እታ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኣ መርከብ ውግእ እውን ተሰናኺላ እያ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ዕለት 11 መስከረም 2001 ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ "ዓለም ንዘልኣለም ተቐይራ"።
ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምስጢራዊ ውጥን፡ ኣባላት ኣልቓዒዳ ኣብ በረራ ዝነበራ ኣርባዕተ ነፈርቲ ኣሜሪካ ጨውዮም፡ ንኽልተ ካብአን ናብቲ ትእምርቲ ኒውዮርክ ዝዀነ ማእከል ንግዲ ዓለም ከም ዘቕንዓ ብምግባር፡ ነተን ክልተ ዓበይቲ ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ብሓዊ ሃልሃልታን ሓመድ ገበሩወን።
ካልእ ነፋሪት ናብቲ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ዝርከበሉ ፔንታጎን ክትወድቕ ከላ ኣብታ ራብዐይቲ ነፋሪትዝነበሩ ድማ እቶም ተሳፈርቲ ነቶም ጨወይቲ ምስ ሰዓርዎም ኣብሓደ ሜዳ ወዲቓ፤ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኵሎም ድማ ሞይቶም።
እታ ዳርጋ 3000 ሰባት ዝሞቱላ መዓልቲ ኣብ ኣሜሪካ "9/11" ተባሂላ ክትጽዋዕ ጀሚራ።
ብቐሊሉ ኣብ መሬት ኣሜሪካ ዝኸፍአ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ናይቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ኣካታዒ ዝዀነ "ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ" መበገሲ ኰይኑ።
9/11 ካብ መዓስከራት ኣልቓዒዳ ኣብ ኣኽራናት ኣፍጋኒስታን እዩ ተወጢኑ። እቶም ተሳተፍቲ ኣብኡ ብጣሊባን ተዓቚቦም ነይሮም። ስለዚ ኣሜሪካን እንግሊዝን ድሕሪኡ ነታ ሃገር ወሪረን ንጣሊባን ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ብምግባር ኣልቓዒዳ ካብታ ሃገር ክባረር ድፍኢት ገይረን።
ኣሜሪካ ነቲ ዘይርከብ መራሒ ኣልቓዒዳ ኦሳማ ቢንላደን ክትከታተሎን ክትቀትሎን ተወሳኺ 10 ዓመት ወሲዱላ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ግንቦት 2011 ተዓዊታ።
ስለዚ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እንታይ ተኸሲቱ? ሕጂ ኣልቃዒዳ ኣብ እንታይ ዓይነት ኵነታት ይርከብ?
ለውጢ መራሕቲን ሓድሽ ትንሳአን
ኦሳማ ቢንላደን በቲ ናይ ቀደም መምህሩ ዶክተር ኣይማን ኣ'ዘዋሂሪ ተተኪኡ። ዘዋሂሪ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብናይ ሲኣይኤ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።
እዚ ግብጻዊ ሓኪም መጥባሕቲ ዓይኒ ነበር፡ ክንዲ ናይ ቢንላደን ዝኸውን ሞገስ የብሉን።
እቲ ወትሩ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያንን መሻርኽቶምን መጥቃዕቲ ክግበር ዝጽውዕ ዝተቐድሑ ናይ ቪድዮ መልእኽትታቱ፡ ነዊሕን ኣሰልቻውን እዩ ነይሩ።
ንነብሱ እስላማዊ መንግስቲ ወይ "ኣይኤስኣይኤስ" ኢሉ ዝጽዋዕ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ዒራቕን ሻምን (ዓባይ ሶርያን) ከቕውም ዝደሊ ሓድሽ፡ ኣዝዩ ዓመጽ ዝመልኦ ሓድሽ ጉጅለ ተመስሪቱ ነይሩ።
ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣልቓዒዳ ኣባላቱ ናብቲ ሓድሽ ጕጅለ ክጽንበሩ ጀሚሮም። እቶም ሓደስቲ መጥቃዕትታት ንኽፍጽሙ ህንጡያት ዝዀኑ መናእሰይ ጅሃዳውያን፡ ብዙሕ ዘረባ ዝዛረብ ግን ኣብ ተግባር ዘየለ እናበሉ ኣብ መሪሕነት ኣልቓዒዳ ከባጭዉ ጀሚሮም።
ዝሓሸ ሓበሬታ፡ ውሑድ ዓወታት
መጥቃዕቲ 11 መስከረም ምልክት ውድቀት ስለያ ኣሜሪካ እዩ ነይሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ብኸፊል ዝተዓወተሉ ምኽንያት ሲኣይኤን ኤፍቢኣይ ምስጢራት ስለዘይለዋወጡ እዩ። እዚ ሕጂ ተቐይሩ እዩ። ትካላት ስለያ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ሕጂ ኣዝየን ዝሓሸ ሓበሬታ ይረኽባን ዝያዳ ይተሓባበራን ኣለዋ።
ካብ ውሽጢ ኣልቓዒዳን ዳዒሽን ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ዝህቡ ሰባት ምምልማሎም ድማ፡ እቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ክውሕድ ኣኽኢሉ እዩ።
ውሑስ መዕቈቢ ኣብ ኣፍጋኒስታን?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምዕራባውያን ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጻኦም ንኣልቓዒዳ ሓደገኛ ሓድሽ ዕድላት ከም ዝኸፈተሉ ግን ዝከሓድ ኣይኰነን።
ኣይመን ኣ'ዘዋሂሪ፡ ኣብ ካቡል ኣብ "ውሑስ ገዛ"፡ ምስ መሪሕነት ጣሊባን ምንባሩ ኣብ ውሽጢ ጣሊባን ዝርከቡ ኣኽረርቲ ጂሃዳውያን ምስ ኣልቓዒዳ ዘለዎም ርክብ ክብተኽ ከምዘይደልዩ ዘርኢ እዩ።
ኣፍጋኒስታን ንኣልቓዒዳ ፍሉይ ትርጕም ኣለዋ።
ኣብ 1980ታት እቲ ሃብታምን ርእዮተ ዓለም ዘለዎን ኦሳማ ቢንላደን፡ ንወረርቲ ሶቭየት ንምምካት ናይ ስድራኡ ናይ ምህንድስና ክእለት ሒዙ እዩ ናብኡ መጺኡ።
ኣብዚ እዩ ድማ ካብ 1996-2001 ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ጣሊባን ንሓሙሽተ ዓመት ዝነብር ዝነበረ። ኣብዚ ድማ እዩ ኣልቓዒዳ፡ ሕጂ ኣብ ጣሊባን ዘለዉ ፈተውቱ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሱ ዳግማይ ህላወኡ ንምምስራት ፍኒሕኒሕ ዝብል ዘሎ።
ኣፍሪቃ - ሓድሽ ጅሃዳዊ ግንባር
ኣብ ሓደ እዋን ኣልቓዒዳ ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ንእሽቶ፡ ማእከላይ፡ ስጡም ምትእስሳር ዝነበሮ ትካል እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ መላእ ዓለም መብዛሕትኦም ጽቡቕ ምሕደራ ኣብ ዘይብሎም ቦታታት ሰዓብቲ ዘለውዎ ዓለማዊ ትካል ኰይኑ ኣሎ።
ንኣብነት ኣብ ሶማል፡ እቲ ምስ ኣልቓዒዳ ዝተኣሳሰረ "ኣል-ሸባብ"፡ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ጂሃዳዊ ጕጅለ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ብፍላይ ከባቢ ሳሕለ-ሰሃራን ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃን ከም ኣልቓዒዳን ዳዒሽን ንዝኣመሰሉ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ሓዳስ መዋፈሪት መዋግኢት ኰይና’ላ ።
እዞም ጕጅለታት "ከሓዲ" ኢሎም ንዝፈረድዎ መንግስቲ ንምውዳቕ ጥራይ ኣይኰኑን ዝቃለሱ ዘለዉ፤ ነንሕድሕዶም እውን ይዋግኡ እዮም። ኣብ መንጐ እዚ ድማ ሲቪላት ይቕተሉ ኣለዉ።
ማእከላይ ምብራቕ
ኣልቓዒዳ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ቢንላደን ስዑዳዊ እዩ ነይሩ፣ ኣ’ዘዋሂሪ ድማ ግብጻዊ። ኣብቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ዘለው ዳርጋ ኵሎም ኣዕራብ እዮም። እዚ ጕጅለ፡ ኣብቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካን ወራራት ፍሉያት ሓይልታትን ዝቕጽለለኡን፡ በብእዋኑ ከም መሕብኢታት ተጠርጢሩ ብርቱዕ ደብዳብ ዝፍጽመሉ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ህላወኡ ቀጺሉ እዩ።
ድሕሪ ሞት ኣ’ዘዋሂሪ፡ ኣልቓዒዳ ብሓድሽ መራሕን ሓድሽ ስትራተጅን ዳግማይ ንኽትስእ ክውስን ይኽእል እዩ።
ካብዚ ጕጅለ ዝመጽእ ስግኣት ምስ መራሒኡ ሞይቱ ኢሉ ዝድምድም እንተሃልዩ ዓሻ ትካል ስለያ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







