እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብምኽንሻብ ዝተጐድአ ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ ብሕክምና ይፍወስዶ?
ሻምሳ ሻራዌ፡ “ዳግማይ ብበሊሕ ነገር ምቝራጽ ዝብል ሓሳብ ኣመና ኣፍሪሑኒ ነይሩ። ሕጂ ግና ብድሌተይ ስለዝዀነ ንጥዕና ኣእምሮይ ክብል ክገብሮ ከም ዘለኒ ወሲነ” ትብል።
ሻምሳ፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ገና ህጻን እንከላ ብዘይ ድሌታ ተኸንሺባ ነይራ።
እቲ ጓል ሽድሽተ ዓመት እንከላ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ምኽንሻብ፡ ንዝበዝሕ መራብሒ ክፍሊ ኣካላታ ብምጕንዳብ ኣወጊድዎ።
ሻምሳ ኣባል ኣብ ዝዀነትሉ ማሕበረሰብ ሶማል፡ ብኣብዝሓ እቲ ‘ምትልታል ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምኽንሻብ ጓልኣንስተይቲ ዝውቱር እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዩኒሴፍ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 230 ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ዝተፈላለየ ዓይነት መጠን ዘለዎ ምኽንሻብ ኣብ ልዕሊአን ተፈጺሙ’ዩ።
140 ሚልዮን ደቂኣንስትዮ ኣፍሪቃ በዚ ዘስካሕክሕ ምኽንሻብ ሓሊፈን እየን።
ምኽንሻብ ጓልኣንስተይቲ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ኤስያን ደቡብ ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ሃገራት’ውን ይፍጸም።
ሶማልያ፡ ጊኒን ጂቡቲን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ክዀና እንከለዋ፡ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝርከባ ደቂኣንስትዮ፡ ከቢድ ምኽንሻብ ይፍጸመን።
ብፍላይ ኣብ ከም ሶማልያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ምኽንሻብ ድንግልና ጓልኣንስተይቲ የረጋግጽ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎ። ንጓልኣንስተይቲ ምኽንሻብ ምስ ክብሪ ቤተሰብ ምሕላው’ውን የተኣሳስርዎ።
ኣብዚ ማሕበረሰብ ዘይተኸንሸባ ደቂኣንስትዮ፡ “ትሑት ሞራል ወይ ንጾታዊ ርክብ ልዑል ድሌት ዘለወን” ተገይረን ይውሰዳ። እዞም ባህርያት ድማ ንክብሪ ቤተሰብ ዘራኽሱ ጌርካ ይሕሰብ።
ሻምሳ፡ ብሰንኪ እዚ ምኽንሻብ ወርሓዊ ጽግያታ ብዝመጽአ ቁጽሪ ከቢድ ስቓይ ከም ዝስመዓ ትገልጽ።
እዛ ጓል 30 ዓመት መንእሰይ፡ “ስቓይ ይኣኽለኒ” ትብል።
ኣብ መወዳእታ 2023፡ ነዚ ስቓይያ ብመጥባሕቲ ንምግታእ ዘለዉ ኣማራጺታት ክትርኢ ጀሚራ።
ኣብ ብሪጣንያ ትነብር ሻምሳ፡ ምኽንሻብ ጓልኣንስተይቲ ደው ንኽብል ብትሪ ትሓትት።
“ብዛዕባ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ መጥባሕቲ ብዙሕ ሓበሬታ የለን። ንኻልኦት ኣብነት ንምዃን እየ ነዚ ክገብር ወሲነ” ትብል።
ብሰንኪ ምኽንሻብ ዝተበላሸወ ጾታዊ ኣካል ጓልኣንስተይቲ ንኽምለስ ዝፍውስ መጥባሕቲ፡ ንተድላ ዘይኰነስ ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ መሰረታዊ ስርሑ ንኽዓምም ዝዓለመ’ዩ።
ሰብሞያ፡ እዚ መጥባሕቲ ብምኽንሻብ ንዝመጽአ ሕማም ከምዝኣልን ህይወት ጾታዊ ርክብ ጓልኣንስተይቲ ከም ዘመሓይሽን ይገልጹ።
ኣብ ሓደ ሓደ መጥባሕትታት፡ ብሰንኪ ምኽንሻብ ዝጸበበ ብልዕቲ ናብ ተፈጥርኣዊ መጠኑ ንኽምለስ ይግበር።
ሻምሳ፡ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕቲ ዝሐሸ መጥባሕቲ ንምርካብ ናብ ጀርመን ክትኸይድ ወሲና። ነዚ ሕክምና ዘድሊ 31 ሽሕ ዶላር ድማ ብሓገዝ ኣኪባ።
ጠቕላላ 37 ሽሕ ዳላር ወጻኢ ብምግባርን ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ዶላር ኣብ ዕዳ ብምእታውን መጥባሕቲ ገይራ።
“ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ፡ ንዶክተር ንምርካብ ተመሊሰ ክኸይድ ነይሩኒ። እንተዀነ ገንዘብ ስለ ዘይብለይ ዳግማይ ናብ ጀርመን ኣይከድኩን” ትብል።
“ኣነ ባዕለይ ንዘይፈጠርክዎ ጸገም ገንዘብ ምኽፋል ግቡእ ኣይኰነን።”
ዓይነታት ምኽንሻብ ዝተፈላለዩ እዮም። እቲ ፈላማይ ክሊቶሪዲክቶሚይ (Clitoridectomy) ይበሃል። እዚ ጭንቅራ ንዝበሃል ክፍሊ ብልዕትን ኣብ ከባቢኡ ንዝርከብ ረቂቕ ኣካልን ብምሉእ ወይ ብክፋል ምውጋድ ማለት እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ ኤክሲሺን (Excision) ዝበሃል ኰይኑ፡ ንውሽጣዊ ከንፈር ምሉእ ብምሉእ ወይ ብክፊል ዘውግድ ዓይነት ምኽንሻብ እዩ።
እቲ ሳልሳይ፡ ኢንፊቢዩሊሽን (Infibulation) ይበሃል።
እዚ ማለት ንጭንቅራን ከንፈራት ብልዕትን ቆሪጽካ ብምውጻእን ብልዕቲ ብምስፋይን፡ ጾታዊ ርክብ ምቹእ ከይከውን ምጽባብ ማለት’ዩ። እዚ ተግባር ከቢድ ቃንዛ ዘስዕብ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንረኽሲ የቃልዕ።
እቲ ራብዓይ ዓይነት ምኽንሻብ ድማ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። እዚ ንዅሉ ክፋል ብልዕቲ ብምቝራጽ፡ ዝተረፈ ረቂቕ ክፋል ምስፋይ ዘለዎ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከቡ ሰብሞያ መጥባሕቲ ፕላስቲክ፡ ብምኽንሻብ ንዝተጐድኡ መራብሒ ኣካላት ደቂኣንስትዮ መሊስካ ንምጽጋን ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖም።
ኣብ ከም ቤልጂየም፡ ጀርመን፡ ፈረንሳይ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድን ስዊዘርላንድን፡ ብምኽንሻብ ዝተጐድአ መራብሒ ክፍሊ ጓልኣንስተይቲ፡ ብወጻኢታት መንግስቲ ምስትኽኻል ይከኣል።
ብሰንኪ ምኽንሻብ ብዙሕ ጸገም ናይ ዘጋጠመን ደቂኣንስትዮ ማእከል ዝዀነት ኣፍሪቃ ግን ነዚ ዕድል ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኬንያን ግብጽን ጥራሕ እዩ ሕክምና መጥባሕቲ ፕላስቲክ ምግባር ዝከኣል።
ነዚ እውን ግዳያት ልዑል መጠን ገንዘብ ክኸፍላ ግድን እዩ።
ሃጃ ቢልኪሱ ብሰንኪ ምኽንሻብ ብዝወረደን ጉድኣት፡ ብዙሕ ናይ ፕላስቲክ መጥባሕቲ ሕክምና ክገብራ ካብ መንጐ ዝተገደዳ ሓንቲ እያ።
ሃጃ ጀርመናዊት’ኳ እንተዀነት መበቆላ ግን ሴራሊዮን’ዩ። ሃጃ ኣብ 2022 ናብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስ ተወሰደት እያ ግዳይ ምኽንሻብ ኰይና።
ደቂኣንስትዮ መፅናዕቲ ብምክያድ መጥባሕቲ ሕክምና ክገብራ ተተባብዕ ሃጃ፡ “መጥባሕቲ ሕክምና ንገብር ብምኽንሻብ ንዝተበላሸወ ኣካልና ንምስትኽኻል ጥራሕ ኣይኮነን። መብዛሕትአን ዝተኸንሸባ ደቂኣንስትዮ በሰላ ኣለወን። እዚኦም በሰላታት ብኸመይ ምጥፋእ ከም ዝከኣልን፡ ኣካልና ምውጣር ዝኽእል እንተኾይኑን ምስ ዶክተር ምዝርራብ የድልይ” ትብል።
ሃጃ ምኽንሻብ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ጥራይ ዘይኮነስ ቈልዓ ንምውላድ’ውን ከቢድ ከም ዝገብሮ ትገልጽ።
ዶክተር ሪሃም ኣዋድ፡ ኣብ ግብጺ ኣብቲ ብምኽንሻብ ዝተጐድአ መራብሒ ክፍሊ ጓልኣንስተይቲ ንምምላስ ዝተመስረተ ክሊኒክ ሓኪም እያ።
እታ ሓኪም፡ ሕክምና መጥባሕቲ ፕላስቲክ ኣብ ህይወት እታ ግዳይ እወታዊ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ሓደሓደ ግዜ ግን ድሕሪ ምኽንሻብ ዝስዕብ ከቢድ ጉድኣት ለውጢ ከምጽእ ከም ዘይክእል ትገልጽ።
“ኵሉ መጥባሕቲ ፕላስቲክ ምላሽ ይህብ እዩ ኢለ ኣይሓስብን” ትብል። እታ ዶክተር ከም ትብሎ፡ ካብ መጥባሕቲ ሕክምና ወጻኢ ናብ ብልዕቲ እታ ጓልኣንስተይቲ ደም ዝኸደሉ ኵነታት ብምፍጣር ሕክምና ከም ዝወሃብ ትዛረብ።
ሓድሽ ኣካል
ደቂኣንስትዮ ብከቢድ ምኽንሻብ ዝተጐድአ ብልዕተን ብመጥባሕቲ ሕክምና ምስ ተስተኻኸለ ክሳብ ዝለምዳኦ ግዜ ይወስደለን’ዩ።
ሻምሳ “ንፈለማ እዋን ንብልዕተይ ኣብ ዝረኣኽሉ እዋን ብጣዕሚ’የ ሰንቢደ ነይረ። ናተይ ኣካል ክመስለኒ ስለ ዘይከኣለ ብጣዕሚ ተጸጊመ ነይረ። ህጻን እንከለኹ ስለ ዝተኸንሸብኩ እዚ ኣካል ፍጹም ኣይዝክሮን” ትብል።
ሕጂ ካብቲ መጥባሕቲ ሕክምና ኣብ ምሕዋይ ትርከብ ሻምሳ፡ “ምስ ሓወኹ ምስዚ ሓድሽ ኣካለይ ከመይ ክነብር ከም ዘለኒ ክለምድ ኣለኒ” ብምባል፡ ሕጂ ግን ምልእቲ ሰበይቲ ከም ዝዀነትን ክብሪ ከም ዝስመዓን ትዛረብ።
ሓደሓደ ሃገራት፡ እዚ ኣብ ጥዕናን ህይወትን ደቂኣንስትዮ ከቢድ ጽልዋ ዘለዎ ዘስካሕክሕ ምኽንሻብ ጓልኣንስተይቲ ንምግታእ ሕጊ'ኳ እንተውጽኣ፡ ምኽንሻብ ኣካል ባህሎምን እምነቶምን ገይሮም ዝምልከቱ ማሕበረሰብ ግን ነዚ ተግባር ካብ ምፍጻም ንድሕሪት ኣይበሉን።
ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ንከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ካብ ምቅልዐን ሓሊፉ፡ ኣብ እዋን ወሊድ ንሞት ከም ዝቃልዓ ጸብጻባት የመልክቱ።