እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023፡ ሓመድ ልሒሳ ዝተሰአት ኣይቮሪኮስት ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና
ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ዝሓመቐ ውጽኢት ብምምዝጋብ ብሰለስተ ነጥብን ሰለስተ ጐል ዕዳን ካብተን 16 ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝሰገራ፡ ጭራ ኮይና ዝሓለፈት ኣአንጋዲት ኣይቮሪኮስት፡ ናይ ምድብ ጸወታኣ ርእዩ ዋንጫ ክትወስድ’ያ ኢሉ ዝገመታ ፍጹም ኣይነበረን።
ኣይኰነን’ዶ ብማዕዶ ዝዕዘብ ሃገራዊ ፈደረሽን እታ ሃገር’ውን ቀዳሞት ጸወታኣ ርእዩ፡ ተስፋ ብምቝራጽ ንኣሰልጣኒኣ ሃገራዊት ጋንታ ጅያን ልዊስ ካሰት ክሳብ ዘባርሮ’ዩ ኰይኑ።
ትማሊ ንፍጻም ኣንጻር ናይጀርያ ዝገጠመት ኣይቮሪኮስት ግን ግምት ብዙሓት ብምምካን ነታ ኣብ መበል 38 ደቂቕ ብመንገዲ ትሮስ ኢኮንግ ንቕድሚ ዕረፍቲ ሓደ ብባዶ መሪሓ ዝነበረት ናይጀርያ፡ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ካብ ፍራንክ ካሱን ሰባስትያን ሃለርን ዘመዝገብወን ሽቶታት ተሓጊዛ ክልተ ንሓደ ብምስዓር ነታ ዋንጫ ኣብ ዓዳ ከተትርፋ ክኢላ።
ንኣይቮሪኮስት ኣብ መበል 81 መዐወቲት ሸቶ ዘመዝገበ ሰበስትያን ሃለር ቅድሚ 13 ኣዋርሕ’ዩ ካብቲ ሞተ ሰረረ ዝተበሃለሉ ካንሰር ሓውዩ፣ ናብ ጸወታ ብምምላስ'ዩ ንሃገሩ ብዓል ውዕለታ ክኸውን ክኢሉ።
ካብ ሞት ዝተሰአ ሰበስተያን ሃለር ንኣይቮሪኮስት ሞይታ ካብ ዝተበሃለትሉ ኣተሲኡ ዘውዲ ኣድፊእዋ።
ኣብ 1992 ከምኡ ከኣ 2015 ነዛ ዋንጫ ክትዕወተላ ክኢላ ዝነበረት ኣይቮሪኮስት ኣብ ከብሓ ሳልሰይቲ ዋንጫ ከተቐምጥ ክኢላ ኣላ።
ንጅያን ልዊስ ካሰት ተኪኡ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ብግዝያውነት ከሰልጥን መዝነት ዝተወሃቦ ኢመርስ ፋ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ዓዘቕቲ ኣውጺኡ ንሰኔጋልን ንማሊን ስዒሩ፣ ናብ ፍጻመ ኣብጺሑ ኣብ ፍጻመ’ውን ንናይጀርያ ብምስዓሩ ሃገራዊ ጅግን ክበሃል ዕድል ረኺቡ ኣሎ።
ኣይቮሪኮስት ንዋንጫ ኣፍሪቃ ንምእንጋድ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር’ያ ወጻኢ ገይራ።
ብዓወት እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝተሓጐሰ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣላሳን ኦታራ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝነበረ ጽንብል ኣብቲ ብሽሙ ዝጽዋዕ ስታድዮም ምስቶም ተጻወትቲ ብምዃን ሓጐሱ ክገልጽ ተራእዩ።
ዕውትቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝዀነት ኣይቮሪኮስት ኣብ ልዕሊ ዋንጫን ወርቂ መዳልያን ተወሳኺ 7 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክትረከብ እንከላ፡ ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ዝዛዘመት ናይጀርያ ከኣ ኣርባዕተ ሚልዮን ዶላር ካብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ሽልማት ረኺባ።
ኣብ ቀዳማይ እብረ ንጸወታ ኣይቮሪኮስት’ኳ ዓብሊሎሞ እንተነበሩ ሸቶ ግን ከመዝግቡ ኣይክኣሉን፤ ብኣንጻሩ እታ ልህምም ኢላ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ’ያ ኣብ መበል 38 ደቂቕ ሸቶ ዘመዝግበት።
እዛ ትማሊ ምሸት ዋንጫ ክትዓትር ዝኸኣለት ኣይቮሪኮስት፡ ብኣንጻር እዚ ዓወታ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ብ ኢኳቶርያል ጊኒ 4 ብ 0 ዝተሰዓረቶ ኣብዚ ውድድር እቲ ዝገፈሐ ስዕረት ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ኣብ ኵዕሶ ግን መን መረሐን መን ተመርሐን ጥራይ ኣይኰነን፡ መን ስኑ ነኺሱ ክሳብ መወዳእታ ተጻወተ’ዩ፤ እታ ኣብ መጀመርታ ሰንከልከል ኢላ ወደቐት ዝተበሃለት ኣይቮሪኮስት ሓመድ ልሒሳ ድሕሪ ምትሳእ፡ ንመጋጥምታ ሓመድ ኣልሒሳ ነታ ዋንጫ ኣብ ሃገራ ከተትርፋ ክኢላ ኣላ።
ኣብዚ ውድድር፡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ኤምረስ ፈይ ብሉጽ ኣሰልጣኒ፣ ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ትሮስት ኢኮንግ ብሉጽ ተጻዋታይ፣ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢኳተርያል ጊኒ ኤሚልዮ ብሓሙሽተ ሸቶታት ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ፡ ኣብ ግጥም ኣንጻር ኬፕ ቬርደ ኣርባዕተ ፍጹም ቅልዓት ዘድሓነ ሓላዊ ልዳት ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወን ዊልያምስ ዝበለጸ ሓላዊ ልዳት ብምዃን ተሸሊሞም።