እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሳብ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ሕሩያት ኣሳእል ፍጻመታት ናይዚ ሰሙን
ካብ 2 ክሳዕ 8 ለካቲት ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ተሳቲፎም ነይሮም።
ገለ ካብዞም ፍጻመታት ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ሽልማት ግራሚ፤ ኣብ ስጳኛ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክለታ፤ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ (ኣፍኮን) ዝተገብሩ ዘጨንቑ ግጥማት ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ሃገራት እታ ኣህጉር ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ይርከብዎም።
እዞም ስዒቦም ቀሪቦም ዘለዉ ሕሩያት ኣሳእል ገለ ህሞታት ናይዞም ፍጻመታት ዝሰነዱ እዮም።
* መሰል ኵሎም ምስልታት ዝተሓለወ እዩ።