እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵዕሶ እግሪ፡ ምስ ቀይሕን ብጫን ካርድ ተጻዋታይ ንምቕጻዕ ሰማያዊ ካርድ ክተኣታቶ እዩ
ዓለምለኻዊ ቦርድ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ፡ ንዝበደለ ተጻወታይ ካብ ሜዳ ን10 ደቂቕ ንክወጽእ ዘገድድ ሰመያዊ ካርድ ከተኣታቱ’ዩ።
እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሓ፡ ቀይሕ ካርድ ብቐጥታ ካብ ሜዳ ዘስጉግ፡ ብጫ ካርድ መጠንቀቅታ፣ ክልተ ብጫ ካርድ ከኣ ከም ቀይሕ ካርድ ተሓሲቡ ካብ ሜዳ ዘስጉግ’ዩ።
እዘን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጁባ ደያኑ ኵዕሶ እግሪ ክንርእየን ዝጸናሕና ካርድታት ሕጂ ከኣ ሰመያዊ ካርድ ክትውሰኸን'ያ።
ሰመያዊ ካርድ ሎሚ ዓርቢ’ያ ክትተኣታቶ፤ እንተዀነ ኣብየናይ ውድድርን መዓስን ብግብሪ ከምእትጅምር ግን ገና ኣይተገለጸን ዘሎ።
ንጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ዘካይድ ፕሪሚየርሊግ ንሰመያዊ ካርድ ክነጽጐ እንከሎ ፊፋ ብወገኑ፡ “ሰመያዊ ካርድ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ምትእትታው ዘይብሱልን ዘይቅንዑን’ዩ” ኢሉ።
ፊፋ ኣስዒቡ፡ “ሰመያዊ ካርድ ኣብ ጸወታታት ክተኣታቶ እንተዀይኑ መጀመርታ ኣብቲ ታሕተዋይ ደረጃታት ክፍተን ኣለዎ፤ ከም ሓሳባና ነዚ ኣመልኪትና ምስ ዓለምለኻዊ ቦርድ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ [Ifab (International Football Association Board)] 1 መጋቢት ሓፈሻዊ ኣኼባ ከነካይድ ኢና" ኢሉ።
ዓለምለኻዊ ቦርድ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣብ መጋቢት ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ ሰመያዊ ካርድ ኣበየናይ ሊጋት ይተኣታቶ ውሳነ ክህበሉ’ዩ።
ዓለምለኻዊ ቦርድ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ምትእትታው ሰመያዊ ካርድ ኣብ 2018-2019 ብምንዳፍ ኣብ 2019-2020 ኣብ ታሕተዋይ ናይ ንኣሽቱ ጸወታታት ክፍትኖ ከምዝጸንሐን ኣብ 31 ሊጋት መጠን ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ ዝፍጸም በደላት ብ38 ሚእታዊት ክንኪ ከምዝኽኣለን’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ኵዕሶ እግሪ ቀይሕን ብጫን ካርድ ኣብ 1970 ከምዝተኣታተወ ዝዝከር ኰይኑ፡ ዝተፈላለየ ሕጊታት እናተወሰኾ ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ደያኑ ብቪድዮ [VAR] ተሓጊዞም ውሳነኦም ዘትርርሉ ወይ ዝቕይርሉ እዋን በጺሕና ኣለና።
ሕጂ ከኣ ከም ተወሳኺ ተጻወትቲ ብመቕጻዕቲ ንዓሰርተ ደቃይቕ ካብ ጸወታ ዝወጽእሉ ሰመያዊ ካርድ ብተግባር ክንርእዮ ኣብ ድርኵኺት ንርከብ።
ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ሓደ ተጻዋታይ ሰመያዊ ካርድ ተዋሂብዎ ን10 ደቃይቕ ተቐጺዑ ናብ ሜዳ ምስ ተመለሰ ተወሳኺ ሰመያዊ ካርድ ዘውስድ በደል እንተፈጺሙ ብክልተ ሰመያዊ ቀይሕ ካርድ ተዋሂብዎ ካብ ሜዳ ይባረር።
ሓንቲ ብጫን ሓንቲ ሰመያዊ ካርዲ’ውን ልክዕ ከም ሓንቲ ቀያሕ ካርድ’የን ዝሕሰባ።
ዓለምለኻዊ ቦርድ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ እንታይ ዝበደለ ተጻዋታይ’ዩ ሰመያዊ ካርድ ዝወሃብ ኣብ ዝብል ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ፡ ንተጻዋታይ ብማልያኡ ምስሓብ፡ ምስ ዳኛን ናይ መስመር ደያኑን ምክታዕ ዝብል ዝርከቦ ሓያል ነጥብታት ኣቐሚጡ ኣሎ።