እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ካብታ ክለብ ክሰናበት'ዩ
ፍሉጥ ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ነታ ጋንታ ሓያለ ዋንጫታት ክትዓትር ዝገበራ ዕዉት ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2015 እዩ ናብታ ክለብ መጺኡ።
ኣብ 2019 ድማ ምስታ ጋንታ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ጨቢጡ። ኣብ ዓመተ ውድድር 2019-2020 ከኣ እታ ክለብ ድሕሪ 30 ዓመታት ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ተዓዊታ።
ክሎፕ "ዘለኒ ጸዓት ጸንቂቐ" ብምባል ክሳናበት ከምዝወሰነ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።
ሊቨርፑል ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ዛጊት ካብ ዘካየደቶ 21 ግጥማት 48 ነጥቢ ብምውህላል ነቲ ሊግ ትመርሖ ኣላ።
እቲ ወዲ 56 ዓመት፡ "ነታ ክለብ ኣብ ሕዳር ኣፍሊጠያ እየ" ብምባል ኣቐዲሙ ነቲ ውሳነ ከምዝወሰደ ተዛሪቡ።
"ይርድኣኒ'ዩ፡ ኣብዚ ህሞት፡ ንፈለማ እዋን ክትሰምዖ እንከለኻ፡ እዚ ንብዙሓት ከሰንብድ ይኽእል'ዩ። ግና፡ ከብርሆ እኽል እየ ወይ እንተወሓደ ከብርሆ ክፍትን።
"ኩሉ ነገር ናይዛ ክለብ ብፍጹም'ዩ ዘፍቅሮ፡ ኩሉ ነገር ናይዛ ከተማ [ሊቨርፑል] የፍቅሮ እየ፡ ነታ ጋንታ የፍቅራ እየ፡ ንሰራሕተኛታታ'ውን የፍቅሮም'የ። ኩሉ የፍቅሮ'የ። ምስ ኩሉ'ዚ ግና ነዚ ውሳነ ምውሳደይ ዘርእየኩም፡ ክወስዶ ዘለኒ ምዃኑ ብምእማን ጥራይ'ዩ።
"በኸመይ'ሞ ክገልጾ'የ፡ ዘለኒ ጸዓት ጸንቂቐ እየ። ኣብዚ እዋን'ዚ ጸገም ከምዘይብለይ ርዱእ'ዩ፡ ኣብ ሓደ ህሞት ከፍልጥ ከምዘለኒ ንነዊሕ እዋን እፈልጥ ነይረ። ነቲ ስራሕ ደጊመ ደጋጊመ፡ ደጊመ-ደጋጊመ ክሰርሖ ከምዘይክእል እፈልጥ እየ።
"ድሕቲ ኩሉ ብሓንሳብ ዝነበርናዮ ዓመታት፡ ድሕሪ'ቲ ኩሉ ብሓባር ዘሕለፍናዮ ዓመታት፡ ድሕሪ ኩሉ'ቲ ዝሓለፍናዮ ነገራት፡ ክብረተይ ንዓኹም ዓብዩ፡ ፍቕረይ ንዓኹም ዓብዩ፡ ስለዚ ነቲ ሓቂ ክገልጸልኩም ይግብኣኒ- ሓቂ ምዃኑ" ኢሉ።
እቲ ጀርመናዊ ናብታ ክለብ ካብ ዝመጽእ ንድሓር፡ ሊቨርፑል ኩሉ ክትሳተፎ እትኽእል ውድድራት ዋናጩ ጨቢጣ'ያ።
ኣብ 2019 ሊቨርፑል ንእንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም ብምስዓር ኣብ ማድሪድ ዝተጓናጸፈቶ መበል 6ይ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ኣውሮጳ ሓደ ካብ ዘይሃስስ ዓወታቱ ኣብታ ክለብ እዩ።
ብድሕሪኡ'ውን፡ ዩዌፋ ሱፕር ካፕ (Uefa Super Cup) ከምኡ'ውን ዋንጫ ዓለም ዕዉታት ክለባት ፊፋ (Fifa Club World Cup) ጨቢጣ።
እቲ ዝዓበየ ግን እቲ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ ዓመተ-ውድድር ዝተጓናጸፈቶ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ እዩ ነይሩ።
ኣብ ዓመተ-ውድድር 2021-22 እውን ድርብ ዋናጩ ዓዲ-እንግሊዝ ተዓዊቶም ነይሮም። ኣብታ ዓመት፡ ኣርባዕተ ዋናጩ ንምዕታር ዝነበሮም ዕድላትን ሃቐነን፡ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ብማንቸስተር ሲቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብሪያል ማድሪድ ኣብ ፓሪስ ተኾሊፉ።
ሊቨርፑል እቲ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ብዘይ ዝኾነ ዝዕተር ዓስቢ'ዮም ወዲኦሞ።
ኣብዚ ዓመተ-ውድድር'ውን እታ ጋንታ ኣርባዕተ ዋንጫታት ንምዕታር ተቋምት ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ክልተ እግሪ ብዘዋህለለቶ ነጥቢ ንፉልሃም ብምስዓር ናብ ፍጻመ ናይቲ ኣብታ ሃገር ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ካራባው ሓሊፋ'ላ። ንቸልሲ እንተሲዒራታ ድማ ነታ ዋንጫ ክውንና እያ።
" ሽዑ [ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ወድድር] ኣይኮነን ጀሚሩ። ሓቂ'ዩ እቲ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ኣመና ከቢድ ዓመተ-ውድድር እዩ ነይሩ። ኣብ ካልእ ክለባት ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ውሳነ 'ንዓ በል፡ ንኹሉ ዝገበርካዮ የቐንየልና፡ ሕጂ ግን ኣብዚ ንፈላለ ወይ ርክብና ኣብዚ የብቅዕ' ዝባሃለሉ እዋናት ኣሎ" ይብል ክሎፕ ምንኽንያት ዝወሰዶ ውሳነ ክገልጽ እንከሎ።
"ብኣይ ወገን፡ ኣመና፡ ኣመና፡ ኣመና ኣገዳሲ ዝነበረ፡ ነዛ ጋንታ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ምምላስ'ዩ። ብዛዕባኡ ጥራይ'የ ዝሓስብ ነይረ"።
"ትጽቢተይ ምስተጋህደ ፡ ዓቢ ዕቑር ኣቕሚ ዘለዋ ብቕዕቲ ጋንታ ከምዝኾነት፡ ኣብ ጽቡቕ ክሊ ዕድመ ትርከብ ጋንታ ምዃና፡ ኣመና ጽቡቕ ጠባይን ካልእን ዘለዎም ምዃኑ ቀልጢፈ ምስ ኣስተውዓልኩ፡ ብዛዕባ ርእሰይ ክሓስብ እኽል። ንሱ ድማ'ዩ ኣጋጢሙ። ኣነ ዝደልዮ ጥራይ ዝደልዮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እቲ ኣነ ዝሓስቦ እዩ"።
ክልተ ምክትላቱ፡ ፐፒጅን ሊንደርስ ፒተር ክራዊዝን፡ ከምኡ'ውን ኣሰልጣኒ ምምዕባል ብሉጻት (ኢሊት) ተጻውቲ ዝኾነ ቪቶር ማቶስ'ውን ምስ የርገን ክሎፕ ካብታ ክለብ ክሰናበቱ እዮም።
እታ ኣብ ጥርዚ ፕሪሚየር ሊግ እትርከብ ሊቨርፑል፡ ብዛይካ ፍጻመ ኢ-ኤፍ-ኤል (ካራባው)፡ ኣብ ራብዓይ ዙርያ ዋንጫ ኤፍ-ኤ እውን ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ኣንጻር ኖርዊች ሲቲ ክትገጥም እያ።
ኣብቲ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕን ንዕዉታት ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ዘስግር ድልድልን ዝኾነ ዩሮፓ ሊግ ድማ ናብ ጉጅለ 16 ሓሊፋ ኣላ።
"ንክንዕወት ሕጂ ዝከኣለና ንግበር። እቲ ካልእ ዓለም ነዚ ውሳነ ክጥቀመሉ፡ ክስሕቀሉን ክርብሸናን ይደሊ ይኸውን"።
"ሊቨርፑል ኢና፤ ብሓባር ብከቢድ ነገራት ዝሓለፍና ኢና። ቅድመይ'ውን ብከቢድ ኩነታት ሓሊፍኩም ኢኹም። ንምሕያልና ንጠቐመሉ። ከምኡ እንተጌርና ጨለ ምኾነ"።
"ካብዚ ዓመተ-ውድድር ዝከኣለና ጸንቂቕና ገለ ድሓር ተመሊስና ክንዝክሮ እንከለና ፍሽኽ ዘብል ንርከብ።
የርገን ክለብ ኣብ ዝተሳተፈሎም ልዕሊ 50 ግጥማት 60.7 ሚእታዊት ዓወት ዝረኸበ'ዩ።እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣሰልጠንቲ ሊቨርፑል እቲ ዝለዓለ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ፕሪሚየር ሊግ፡ ቻምፕዮንስ ሊግ (ናይ ቀደም ዋንጫ ኣውሮጳ)፡ ኤፍ-ኤ-ካፕ፡ ከምኡ'ውን ኢ-ኤፍ-ኤል ዝጨበጠ እንኮ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል እዩ።
ፕረዚደንት ናይቲ ንሊቨርፑል ዝውንና ኣመሪካዊ ትካል ፈንወይ ስፖርትስ ግሩፕ፡ ማይክ ጎርዶን፡ ንክሎፕ ምርካቦም "ከም ወነንቲ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝተባረኸ ግዜ እዩ" ክብል ምስጋናኡን ሞጎሱን ንክሎፕ ገሊጹ።
"ቅድሚ ኹሉ፡ ኣብ ክንዲ ጆን ሄንሪ (ቀንዲ ወናኒ) ከምኡ'ውን (ኣቦመንበር ናይቲ ትካል) ቶም ወርነርን ኮይነ፡ ዓሚቚ ምስጋናና ንክሎፕ ክገልጸሉ እደሊ"።
"ነዚ ከምዚ ዝበለ ብልሒ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ልዑል ክብሪ፡ ምስጋናን ፍቕርን እንህቦ ሰብን መራሒን ንስእን ምህላውና ኣዚና ከምእንጉሂ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን።
"ምስኡ ግን፡ ንድሌቱን፡ እዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ሊቨርፑል መወዳእታኡ ምዃኑ ንዘቕረቦ ምኽንያትን ምሉእ ብምሉእ ነኽብሮ" ኢሉ።