ሊቨርፑል ንዋንጫ ፕሪመርሊግ ኣብ ጥርሑ ሜዳ ተቐቢላታ

ሊቨርፑል፡ ትማሊ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ነታ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝተዓወተትላ ዋንጫ ፕሪመርሊግ ብወግዒ ተቐቢላታ።

ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ጆርዳን ሀንደርሰን ነታ ዋንጫ ካብ ኢድ እቲ ኣብ 1990 ሊቨርፑል ንቸልሲ 5 ብ 3 ስዒራ ዋንጫ ፕሪመርሊግ ክተወስድ እንከላ ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ዝነበረ ሰር ኬኒ ዳልግሊሽ’ዩ ተቐቢልዋ።

ሊቨርፑል፡ ውደድር ፕሪመርሊግ ክዛዘም ሸውዓተ ጸወታታት ተሪፍዎ እንከሎ’ያ ብ 25 ሰነ ዓወታ ኣረጋጊጻ።

ጽንብል ሽልማት ዋንጫ ንኽኻየድ ግን ነቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ሜዳኣ እተካይዶ ጸወታ ክትጽበ ነይርዋ።

ተጻወቲ ሊቨርፑል በቶም ፍሉይ ፍቓድ ዝተውህቦም ስድራቤቶም ተዓጂቦም’ዮም ነታ ዋንጫ ትማሊ ኣብ ሜድኦም ተቐቢሎማ።

ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ሀንደርሶን “ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንነዊሕ ኢና ተጸቢናያ” ኢሉ።

ጋንታ ሊቨርፑል፡ ነታ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝተዓወተትላ ዋንጫ ፕሪመርሊግ ክትቅበላ እንከላ እቲ 53 ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ሜዳ ኣንፊልድ ጥራዩ እዩ ነይሩ።

ጸወታታት ፕሪመርሊግ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ 17 ሰነ ዳግማይ ክካየድ ኣብ ዝተወሰነሉ፡ ጸወታታት ብዘይ ተዓዘብቲ ክካየድ እዩ ተወሲኑ።

እቲ ካብ 1977 ክሳብ 1990 ምስ ሊቨርፑል ብምጽዋት ኣብ 515 ጸወታታት 172 ሸቶታት ዘመዝገበ ዳግልሽ ድማ ንተጻወትቲ መዳልያ ዓዲልዎም።

ክብረወሰናት ዝተሰበርሉ ዓመት

1 ግንቦት 1990 ንዋንጫ ፕሪመርሊግ ሊግ ምስ ተዓወቱላ ነታ ዋንጫ ዳግማይ ንኽዓትርዋ 30 ዓመታት እዩ ወሲድሎም።

እዛ ሎሚ ዓመት ብክሎፕ እናሰልጠነት ነዛ ዋንጫ ዝተዓወተትላ ጋንታ ሊቨርፑል ግን ኣብ ክብረ ወሰናት ንነዊሕ ክጸንሕ ዝኽእል ክብርታት’ውን ኣመዝጊባ እያ።

ሊቨርፑል ኣብዚ ናይዚ ሎሚ ዓመት ውድድር ነታ ካልኣይቲ ኮይና ትስዕባ ዝነበረት ጋንታ ብ25 ነጥቢ ጸብለል ዝበለትሉ እዋን ነይሩ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ፕሪመርሊግ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይትን ካልኣይትን ተነጺፉ ዘይፈልጥ ፍልልይ ናይ ነጥቢ እዩ።

ሊቨርፑል ሸውዓተ ጸወታታት ተሪፍዋ እንከሎ እያ ሻምፕዮንነታ ኣረጋጊጻ፡ ነተን ማንቸስትር ኣብ ዓመተ 2000-01፡ ማንቸስተር ሲቲ ድማ ኣብ ዓመተ 2017-18 ሓሙሽተ ጸወታታት ተሪፍወን እንከሎ ዋንጫ ከምዝወሰዳ ዘረጋገጻ ክብረን ተረኪባተን ኣላ።

ሊበቨርፑል ኣብ መጀመርታ ምጅማር ውድድር ኣብ 21 ጸወታታት 61 ነጥቢ ከዋህልሉ ክኢሎም ነይሮም፡ እዚ ድማ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ካብ ዘለዋ ሓሙሽተ ዓበይቲ ሊጋት ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ቅልጡፍን ተኸታታልን ዓወታት እዩ።