መሓመድ ሳላሕ ካብ ሊቨርፑል ክሰናበት’ዶ ይኸውን? ካልኦት ዝውውራትከ?

ቸልሲ ንሓላዊ ልዳት ሊድስ ዩናይትድ ከተፈርም ከም እትደሊ ጸብጻብ ፉትቦል ኢንሳይደር ኣመልኪቱ።

ወዲ 23 ዓመት ፈረንሳዊ ኢላን ሜሊ ብኻልኦት ጋንታታት’ውን ዝድለ’ኳ እንተኾነ፡ ቸልሲ ግን ብትሪ ከም እትደልዮ እታ ጋዜጣ ሓቢራ’ላ።

እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ዩናይትድ ድማ ንናይ ክንፊ ተጻዋታይ ባየር ለቨርኩሰን ሙሳ ዲያቢ ከተፈርም ትደሊ።

ጀርመናዊት ጋዜጣ ስፖርት '90ሚን' ኣብ ጸብጻባ ከምዘስፈረቶ፡ ካልእ ነታ ጋንታ ብጸጋማይ መስመር ዝስለፍ ሚቸል ቤከር'ውን ብኒውካስል ይድለ ኣሎ።

ሙሳ ዲያቢ ኣብ ዓይኒ ኣርሰናል ካብ ዝኣቱ ‘ኳ ነዊሕ እንተገበረ፡ ነታ ኣብ ቀረባ እዋን ብሃብታማት ስዑዲ ዓረብ ዝተዓደገት ኒውካስል ክትወዳደራ እያ ምባል ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ ዝግመት።

ዲያቢ 62 ሚልዮን ፓውንድ ተገሚቱ ኣሎ።

መሓመድ ሳላሕን ሊቨርፑልን?

መሓመድ ሳላሕ ካብ ሊቨርፑል ክወጽእ ከም ዝደሊ ዝገልጹ ወረታት ብብዝሒ ክዝርግሑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ጋዜጣ ‘90ሚን’ ግን ንወኪል መሓመድ ሳላሕ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ እዚ ግብጻዊ ኣጥቃዓይ ኣብ ሊቨርፑል ክጸንሕ ከም ዝመርጽ ኣመልኪታ’ላ።

ካልእ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ብራዚላዊ ሮበርቶ ፊርሚኖ ዋላ'ኳ ምስታ ጋንታ ዝነበሮ ውዕል ናብ ምዝዛሙ እንተበጽሐ፡ ኣብ ኣውሮጳ ክጸንሕ ከምዝደሊ ፉትቦል ኢንሳይደር ይሕብር።

ውዕል ሊቨርፑልን ፊርሚኖን ኣብ መዛዘመሚ እዚ ዓመተ ስፖርት ከብቅዕ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኤሪክ ተን ሃግ ውዕሉ ንምንዋሕ ምስታ ጋንታ ይዘራረብ ከምዘሎ ጸብጻብ ሚረር የመልክት።

ማንቸስተር ዩናይትድ ክትሽየጥ እኳ እንተዀነት እቲ ኣሰልጣኒ ግን ክጸንሕ ከም ዝደሊ እዩ ዝዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣሰልጣኒ ዩናይትድ ኰይኑ ዝተመዘዘ ተንሃግ ኣብታ ጋንታ ዓቢ ለውጢ ኣምጺኡ ዝብል ናእዳታት ይቐርበሉ።

ብኤሪክ ተንሃግ እትምራሕ ማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ሎሚ ዓመት ዋንጫ ሊግ ከምዝዓተረት ይዝከር።

ኣብ ፕሪምየር ሊግ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ዩናይትድ ኣብ ዩሮፓ ሊግን ኤፍ.ኤ ካፕን ንዋንጫ ትቃለስ እያ ዘላ።

ሊቨርፑልን ማንቸስተር ዩናይትድን ንሓላዊ ልዳት ጋንታ ኣንደርለኽት ንምፍራም ከምዝደልያ ሆላንዳዊት ጋዜጣ 'ሄት ሌቴስት ኒውስ' ትሕብር።

እታ ጋዜጣ ከምእተመልክቶ እዘን ክልተ ታሪኻውያን ተቐናቐንቲ ጋንታታት፡ ንወዲ 20 ዓመት ባርት ቨርብሩገን ንምፍራም ኣብ ሓያል ውድድር ኣለዋ።

ካልእ ጋዜጣ ሆላንድ ‘ዲ ቴለግራፍ’ ድማ ማንቸስተር ዩናይትድ ንጋናዊ ኣጥቃዓይ ጋንታ ኣያክስ፡ መሓመድ ቁዱስ ከተፈርሞ እንተደለየት’ውን እቲ ተጻዋታይ ግን ትኹረቱ ኣብ ሊግ ሆላንድ ዋንጫ ምርካብ ምዃኑ ይገልጽ።

ተጻወትቲ ኣርሰናል ነበር ቲየሪ ሄንሪን ፓትሪክ ቪየራን ንሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኣሜሪካ ንምስልጣን ድልየት ከምዘርኣዩ ጻብጻብ ጎልድዶትኮም የመልክት።

ፓትሪክ ቪየራ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ኣሰልጣንነት ክሪስታል ፓላስ ከምዝተሰናበተ ይዝከር።