እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማንቸስተር ሲቲ ካብ ፕሪምየር ሊግ 'ከስጉጓ ዝኽእል' ልዕሊ 100 ክስታት ቀሪብላ
ኣብ ሰሌዳ ፕሪሜርሊግ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትርከብ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ጥሕሰት ፋይናንሳዊ ሕግታት ብዝተኣሳሰር ብፕሪሜር ሊግ ልዕሊ 100 ክስታት ቀሪብላ።
እዚ ክስታት ኣብታ ጋንታ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ምጽራያት ክግብር ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ።
እታ ጋንታ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን ነቲ ፋይናንስያዊ ሕግታት ከምዝጠሓሰቶ ይግለጽ።
ኣብ ልዕሊኣ ካብ ታሕሳስ 2018 ጀሚሩ ምጽራይ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ዝኾነ ዓይነት ምትሕብባር ከተርኢ ፍቓደኛ ኣይነበረት ዝብል ነጥቢ’ውን ኣብቲ ክሲ ሰፊሩ ኣሎ።
ሲቲ ነቲ ክሲ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ በቲ ክሲ ‘ተገሪምና ኢና’ ብምባል ንምምካኑ እኹል መርትዖታት ከምዘለዋ ገሊጻ።
ማንቸስተር ሲቲ እዚ ቀሪብላ ዘሎ ክሲ ሓቂ ኮይኑ እንተተረኺቡ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ምጉዳል ነጥብን ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ካብ ውድድራት ፕሪሜርሊግ ከስጉጓ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እታ ክለብ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ግን “በቲ ዝቐረበልና ክሲ ኣዚና ኢና ተገሪምና ዘለና፤ ብፍላይ እቲ ኣብ እዋን ምጽራይ ካብ ምትሕብባር ሓንጊዶም ዝብል ክሲ፡ ንሕና ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዝእዝዞ ሕጊ መሰረት ገይርና ኩሉ ሰነዳትና ነቶም መርመርቲ ኣካላት ከፊትናሎም ኢና” ኢላ።
ብምስዓብ “ጋንታና እቲ ዘሎ ነገር ብነጻ ዝኾነ ኮምሽን ክርአን እዚ ጉዳይ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክዕጾ’ዩ ድሌትና” ክትብል መርገጺኣ ኣፍሊጣ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ 2008 ብኣቡ ዳቢ ዩናይትድ ግሩፕ ካብ እትዕደግ ኣትሒዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል ሸዱሻይ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ከምዝወሰደት ዝዝከር’ዩ።
ንማንቸስተር ሲቲ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ እንታይ ዝብል’ዩ?
ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ንክሲ ማንቸስተር ሲቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ እታ ጋንታ ንፋይናንሳዊ ወጻኢታታን ኣታዊታታን ኣብ ዝምልከት ቅኑዕ ዝኾነ ሓበሬታ ክትህብ ኣይጸነሐትን ኢሉ።
እቲ ክሲ፡ እታ ጋንታ ካብ መወዓዊዒታን ካልእን እትረኽቦ ኣታዊታት ብግሉጽ ክትሕብር ኣይጸነሐትን ዝብል ዘጠቓልል’ዩ።
እቲ ካልእ ነታ ጋንታ ቀሪብላ ዘሎ ክሲ፡ ሮበርቶ ማንቺኒ ካብ 2009-2010 ከምኡ ከኣ 2012-2013 ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኣብ ዝነበረሉ ትኸፍሎ ዝነበረት ገንዘብን ንተጻወትቲ ኣብ 2010-2011 ከምኡ ከኣ 2015-2016 ትኸፍሎ ዝነበረት ገንዘብን ብንጹር ንሕጊ ፕሪምየርሊግ ዝጥሕስ’ዩ ዝብል ይርከቦ።
ምስ ሕጋጋት ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣብ ዝተኣሳሰር’ውን ኣብ 2013-2014፣ 2017-2018፣ ኣብ 2015-2016 ከምኡ ከኣ 2017-2018 ምስ ሕጋጋት ምንጻር መኽሰብ ዝጻረር ሕጊ ፕሪሜርሊግ ጥሒሳ ተባሂላ።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ’ውን ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ 2012 ከምኡ ከኣ 2016 ንሕጊ እቲ ማሕበር “ብኸቢድ ጥሒሳ’ያ” ብምባል ኣብ 2020 ከሲስዋ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
እንተኾነ ነቲ ንክልተ ዓመት ካብ ኣውሮጳዊ ውድድራት ክትእገድ ዝተውሃብ ብይን ይግባይ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዕርቂ ስፖርት [Arbitration for Sport (Cas)]ከምዝተሰረዘ ይዝከር።
ኣብ ጀርመን ዝሕተም ጋዜጣ ደር ስፒንገል ማንቸስትር ሲቲ ምስ ውዕል መወዓዊዒታትን ምወላታትን ብዝተሓሓዝ ሕግታት ከምዝጠሓሰት ዘርኢ ምርምራዊ ጽሑፍ ኣብ ሕዳር 2018 ድሕሪ ምሕታሙ፡ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ እዛ ጋንታ ምጽራይ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።
ፕሪሜር ሊግ’ውን ንተመሳሳሊ ክሲ መርመራ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ማንቸስተር ሲቲ እቲ ዝቐረበ ክሲ "ጠቐነ’ዩ፤ ብምሉእ ሓሶት’ዩ” ዝብል መልሲ ሂባትሉ ነይራ።
ማንቸስተር ሲቲ ብዛዕብ እዚ ቀሪብሎም ዘሎ ልዕሊ 100 ክስታት ኣቐዲሙ ካብ ፕሪሜር ሊግ ሓበሬታ ከምዘይተውሃቦም’ዩ ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ሲሞን ስቶን ዝሕብር።
ድሕሪ እቲ ክሲ ምቕራቡ፡ ኣብ ዝተሓተትዎን ኣብ አእዋኑን ንኹሉ ሰነዳቶም የረክቡ ከምዝነበሩ ብምሕባር ነቲ ክሲ ክብድህዎ ምዃኖም’ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
ፕሪሜር ሊግ ነዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ምጽራያት ንምክያድ ኣርባዕተ ዓመት ምውሳዱ ንትሪ እቲ ክሲ ዘመልክት’ዩ ዝብሉ ተንተንቲ’ውን ኣይተሳኣኑን።
ማንቸስተር ሲቲ ካብ 2008 ጀሚራ ዘመዝገበቶ ዓወታት
- መስከረም 2008፡ ኣቡዳቢ ዩናይትድ ግሩፕ ነታ ጋንታ ዓዲጎማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብራዚላዊ ሮቢንሆ ብ32.5 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ርያል ማድሪድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ተጸንቢሩ።
- ታሕሳስ 2009፡ ሮበርቶ ማንቺኒ ንማርክ ሁገስ ተኪኡ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኮይኑ።
- ግንቦት 2011፡ ማንቸስተር ሲቲ ንስቶክ ሲቲ ስዒራ ዋንጫ ኤፍኤ ዓቲራ፡ እታ ክለብ ድሕሪ 1976 እዛ ዋንጫ ናይ መጀመርታኣ’ያ።
- ግንቦት 2012፡ ሰርጆ ኦጌሮ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ብዘመዝገባ ተዘካሪት ሸቶ ድሕሪ 1968 ንመጀመርታ ግዜ ዋንጫ ፕሪሜር ሊግ ዓቲራ።
- ግንቦት 2013፡ ኣሰልጣኒ ሮቦርቶ ማንቺኒ ብማንኤል ፔለግሪኒ ተተኪኡ፡ እታ ክልብ ከኣ ደጊማ ዋንጫ ፕሪሜር ሊግ ወሲዳ
- ሓምለ 2016፡ ፔፕ ጓርድየላ ንማንኤል ፔለግሪኒ ተኪኡ ንማንቸስተር ከሰልጥን ተመዚዙ።
- ግንቦት 2018፡ ማንቸስተር ሲቲ ክብርሰን ዝሰበረ ዝልዓለ ነጥቢ፡ ዝበዝሐ ዓወታትን ሸቶታትን ብምምዝጋብ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ዓቲራ።
- ግንቦት 2019፡ ማንቸስተር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየዱ ኣርባዕተ ዋንጫታት ዝዓተረት ናይ መጀመርታ ጋንታ ኮይና።
- ግንቦት 2021፡ ንመጀመርታ ግዜ ናብ መዛዘሚ ዋንጫ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ በጺሓ፡ ብቸልሲ ስለዝተሰዓረት ግን ነታ ዋንጫ ክትወስዳ ኣይክኣለትን።
- ግንቦት 2022፡ ካብ 2008 ጀሚራ ሻዱሸይቲ ዋንጫ ፕሪሜር ሊግን 17 ካልኦት ዋናጩን ክትዓትር ክኢላ።
ፋይናንስያዊ ዕቤት ማንቸስተር ሲቲ
- እታ ጋንታ ኣብ 2021-2022፡ 613 ሚልዮን ፓውንድ ኣታዊ ብምግባር 42 ሚልዮን ፓውንድ መኽሰብ ረኺባ
- ኣብ ጥሪ 2023 ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ንካልኣይ ዓመት ኣከታቲላ ንርያል ማድሪድ ኣኸቲላ ካብ ዓለም ዝሃብተመት ክለብ ክትከውን ከምዝኸኣለት የርኢ።
- እዛ ጋንታ ካብ 2008 ጀሚራ ሽዱሽተ ዋንጫ ፕሪሜር ሊግ፡ ክልተ ዋንጫ ኤፍ ኤ፡ ሽዱሽተ ኢኤፍኤል ከምኡ ከኣ ሰለስተ ዋንጫ ኮሙኒቲ ሽልድ ዓቲራ፡ ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ግን ክትዕወተላ ኣይክኣለትን።
- እዛ ጋንታ ካብ 2008 ጀሚራ ሓደስቲ ተጻወትቲ ብምዕዳግ 2.38 ቢልዮን ኤሮ ወጻኢታት ገይራ።